ኣድጊ፡ ታሪኽ ወዲሰብ ዝቐየረ ግን ከኣ ክብረት ዘይረኸበ እንስሳ

ምንጪ ስእሊ, Ase Ording Reinisch/Alamy
ኣብ እዋን ጥንታዊ ሮማዊ ንግስነት፡ ኣብ መስርሕ ምስፍሕፋእ ግዝኣት ይዅን ንነዊሕ ርሕቀት ዝኸይድ ኣቝሑ ንግዲ ምስካም፡ ኣድጊ ብዘገርም መልክዕ፡ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ዓቢይ ጽልዋ ገይሩ እዩ።
ኣድጊ ዝያዳ ዝፍለጠሉ ከቢድ ጽዕነት ናይ ምጻር ክእለቱ እዩ። እንተዀነ ኣብ ገለ ክፋላት ዓለም፡ ‘ኣድጊ’ ብዘይፍትሓዊን ዘይግቡእን መገዲ፡ ምስ ጸርፊ ወይ ላግጺ ተተሓሒዙ ክለዓል ይስማዕ እዩ።
ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ፡ ካብ ፓሪስ ንምብራቕ ከባቢ 280 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ፈረንሳዊት ቍሸት ግን፡ ብዛዕባ እዚ ናእዳ ዘይረኸበ እንስሳ ንፈልጦ መብዛሕትኡ ዳግማይ ንምጽሓፍ ዝሕግዝ ሓቅታት ረኺቦም ኣለዉ።
ኣብታ ኣብ ቁሸት ቦይንቪለ-አን-ዎቭረ እትርከብ ሮማዊት ህንጻ ዝነበረትሉ ስፍራ፡ ሓደ ጕጅለ፡ ንመብዛሕትኡ ካብቶም ሎሚ እንፈልጦም ዓይነታት ኣእዱግ ኰዒቶም፣ ተመራሚሮምሉ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ፑርፓን ቱሉዝ - ፈረንሳ፡ ዳይረክተር ማእከል ‘ኣንትሮፖባዮሎጂን ጂኖሚክስን ቱሉዝ’ ሉዶቪች ኦርላንዶ፡ "እዚኦም ግዙፋት ኣእዱግ እዮም ነይሮም" ይብል።
"እዞም ብጀነቲካዊ መገዲ ምስ ኣእዱግ ኣፍሪቃ ዝተኣሳሰሩ መርኣያታት፡ ካብ ገለ ዓሌታት ኣፍራስ ዝገዘፉ እዮም ነይሮም።"
ኦርላንዶ፡ ካብ ኣዕጽምቲ ኣድጊ ንዝተረኽበ ዲኤንኤ ዝምርምር ፕሮጀክት ክትመርሕ’ያ ጸኒሓ። እዚ መጽናዕቲ፡ ኣካል ናይቲ ንመበገሲ ዘቤታውነት ኣእዱግን ዝርግሐኦም ናብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለምን ንምድህሳስ ዝተገብረ ኣዝዩ ዝዓበየ መጽናዕቲ እዩ ነይሩ።
እቲ መጽናዕቲ ምስዞም ብዙሕ ኣበርክቶ ዘለዎም እንስሳታት ብዘለና ርክብ ኣቢሉ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ኣገዳሲ ርድኢት ዝህብ እዩ።
ብመሰረት ኦርላንዶ፡ እቶም ኣብ ቦይንቪለ-አን-ዎቭረ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ዝተረኽቡ ዓሌት ኣእዱግ፡ ካብ መሬት ክሳብ መንኵብ 155 ሰንቲ ሜትር ቍመት ዝነበሮም እዮም፤ ኣብዚ እዋን ግን ኣድጊ ማእከላይ ቁመት ኣእዱግ 130 ሰንቲ ሜትሮ እዩ።
ከምቶም ኣብዚ ዝተጠቕሰ ቦታ ዝተረኽቡ ግዙፋት ኣእዱግ፡ ግዝኣት ሮማ ኣብ ምስፋሕን ኣገዳሲ ተራ ከም ዝነበሮምን እንተዀነ ዝግባኦም ናእዳን ክብሪን ከምዘይረኸቡ ኦርላንዶ ይዛረብ።
"ካብ 2ይ ክሳብ 5ይን ክፍለ ዘመን፡ ሮማውያን ነዚ ኣድጊ ምስ ፈረስ ብምድቓል በቕሊ የፍርዩ ነይሮም፤ እዚ ድማ ወተሃደራዊ መሳርሕታትን ኣቝሑትን ኣብ ምግዕዓዝ ወሳኒ ቁልፊ ነይርዎ" ይብል።
"ዋላ'ኳ ኣብ ኣውሮጳ እንተነበሩ’ውን፡ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምስ ዝመጹ ኣእዱግ እውን ተፋርዮም እዮም።"
እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ግዝኣት ሮማ ዝተፈጥረ ለውጢ ነዚ ግዙፍ ዓሌት ኣድጊ እውን ንኽጠፍእ’ውን ዓቢ ተራ ነይርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ።
"ኣሽሓት ኪሎሜተራት ስፍሓት ዘለዎ ግዝኣት እንተዘይብልካ፡ ሰፊሕ ርሕቀት ዝኸይድ ኣቝሑ ዝስከም እንስሳ ኣየድልየካን’ዩ" ይብል ኦርላንዶ። በዚ ድማ "ምፍራይ ኣባቕል ቍጠባዊ ድርኺት ኣይይህልዎን።"

ምንጪ ስእሊ, Eric Lafforgue/Getty Images
ኣእዱግ ኣብ ታሪኽ ወዲሰብ ብኸመይ ኣበርክቶ ከም ዝገበሩ ንምድህሳስ፡ ካብ 37 ኣብያተ ፈተነ [ላቦራቶሪ] ዝመጹ 49 ተመራመርቲ ዝሓቘፈ ኣህጉራዊ ጕጅለ፡ ካብ መላእ ዓለም ንጂኖም 31 ጥንታውያንን 207 ዘመናውያንን ኣእዱግ መርሚሩ።
እዚ ጕጅለ፡ ሜላ ‘ጀነቲካዊ ሞዴሊን’ ተጠቒሙ፡ ኣብ ዓሌት ኣእዱግ ምስ ግዜ ዝመጽአ ለውጢ ተኸታቲሉ።
ኣእዱግ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ኣእዱግ በረኻ - ምናልባት ብጓሶት - ቅድሚ ኣስታት 7,000 ዓመታት ኣብ ኬንያን ምብራቕ ኣፍሪቃን ከም እንስሳ ዘቤት ከም ዝፈረዩ ዳህሲሱ።
እዚ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝእመን ዝነበረ ቅሩብ ዝቕድም’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ዝያዳ ዘገርም ግን፡ ኵሎም እዞም ዘመናውያን ኣእዱግ ካብዚ ፍጻመ’ዚ ዝፈረዩ ምዃኖም እቶም ተመራመርቲ ደምዲሞም።
ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ መጽናዕትታት ግን፡ ኣብ የመን ንዘቤታውነት ኣእዱግ ዝተገብረ ካልእ ፈተነታት ክህሉ ከምዝኽእል ዝሕብር እዩ ነይሩ።
እቲ ዝገርም፡ እዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተገብረ ምርባሕ ኣእዱግ ምስ ምድራቕ ናይታ ኣብ ሓደ እዋን ሓምላይ ዝነበረ ሰሃራ ምግጣሙ እዩ።
ቅድሚ 8200 ዓመታት ኣቢሉ ዝነበረ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ብመልክዕ መጋሃጫን ምንዳድን ተደሚሩ ዝናብ ክጐድልን በብቑሩብ ምድረበዳን ዞባ ሳሕልን ከስፋሕፍሕ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ምስዚ እናጸንከረ ዝኸይድ ዝነበረ ሃዋህው ንምብዳህ፡ ዘቤታውነት ኣእዱግ ወሳኒ ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል መጽናዕቲታት የመልክት።
"ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ህዝቢ [ነቲ ኵነታት] ክጾሮ ነይርዎ ኢልና ንኣምን" ይብል ኦርላንዶ።"
በዚ መሰረት ድማ ኣእዱግ፡ ኣብ ኣጸጋሚ መልክዓ ምድሪ ነዊሕ ርሕቀት፡ ብዙሕ ጽዕነት ንምጕዕዓዝ ኣገዳሲ ኣገልግሎት ከበርክት ዝኸኣለ ፍጥረት እዩ።"
ብዝሒ ኣእዱግ እውን፡ ኣብ ገዛ ምስ ኣተወ፡ ክንኪ ዝተራእየሉ ኵነታት ነይሩ እዩ። እዚ ምንካይ ግን ውጽኢት ናይቲ ፍሉያት ዓይነት ኣእዱግ ንምምራጽን ድሒሩ ኸኣ ብዕላማ ብምርባሕን ኰይኑ፡ እዚ ድማ ንሓያል ወሰኽ ኣበርክቶ ገይሩ።
ትንታነኦም ከም ዝሕብሮ፡ ኣእዱግ ኣብቲ ግዜ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብሰሜናዊ ምዕራብ ሱዳን ናብ ግብጺ - ናብቲ ክሳብ ቅድሚ 6500 ዓመታት ስነ-ጥንታዊ ኣሰራት ኣእዱግ ዝተረኽቦ ቦታታት ይሽየጡ ነይሮም እዮም። ኣብ ዝሰዓቡ 2,500 ዓመታት፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኣድጊ ናብ መላእ ኣውሮጳን ኤስያን ተዘርጊሑ፡ ነዚ ሎሚ ዘርኢ ወለዶታት ኣድጊ ኣማዕበለ።

ምንጪ ስእሊ, Ismail Duru/Getty Images
ኣብ ኦስትርያ ዩኒቨርሲቲ ግራዝ ዝርከብ ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ላርከ ረችት፡ ኣእዱግ ብዘለዎም ጽንዓትን ከቢድ ጽዕነት ናይ ምጽዋር ዓቕምን ነዊሕ ርሕቀት ኣብ ምጕዕዓዝን ንወዲሰብ ዓቢ ለውጢ ከም ዘምጽኡሉ ትምጕት።
"ከም ኣብ ኤፍራጥስን ጢግሪስን - መሶጶጣምያ፣ ናይል - ግብጺ ዝኣመሰሉ ሩባታት ንመጓዓዝያ ከበድትን ኣቝሑ ብምግልጋል፡ ኣእዱግ፡ ብመሬት ዝግበር ርክባት ክሰፍሕ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ገይሮም እዮም" ትብል።
እዚ ምስቲ ኣብ ሳልሳይ ሽሕ ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ምግዕዓዝ ማዕድን ነሓስ ከምዝተጋጠመ ሬችት ትዛረብ።
ኣብ ርእሲ’ዚ ኣእዱግ ኣብ ተመሳሳሊ ዘመን ንመልክዕ ውግኣት’ውን ቀይሮም እዮም። "ኣብ ቅድሚ ዓረብያታት ኣብ ውግኣት ክሳተፉ ተራእዮም፤ ከምኡ'ውን ንሓደ ትዋጋኢ ሓይሊ ዘድሊ ዕጥቅን ኣገልግሎት መጓዓዝያን ክህቡ ክንርእዮም ጀሚርና" ትውስኽ ረችት።
ኣእዱግ ኣዝዩ ልዑል ዋጋ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ኣገዳሲ ጽንብላት’ውን ክሳተፉ ተራእዮም እዮም። "ኣብ ክልቲኡ - ግብጽን መሶጶጣምያን፡ ኣእዱግ ምስ ደቂ ሰባት፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ከኣ ምስ ነገስታት ወይ ገዛእቲ ክቕበሩ ተራእዩ እዩ" ትብል ረችት።
እታ ተመራማሪት ወሲኻ፡ ኣብ ካልኣይ ሽሕ ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣእዱግ ንመሰረት ህንጻታት ተባሂሉ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጽንብል ምፍራም ውዕላትመስዋእቲ ይዀኑ ምንባሮም ትገልጽ።
ብኦርላንዶን መሳርሕቱን ዘጽንዕዎ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ፡ ኣብ ቱርኪ ካብ ዘመነ ነሓስ ዝተረኽበ ኣሰር ሰለስተ ኣእዱግ እዩ። "ዕድመኦም 4500 ዓመት - ሬድዮካርቦን ኰይኖም፡ ምስ ዘመናዊ ንኡስ ዓሌት ኣድጊ ኤስያ ዝመሳሰል ጀነቲካዊ ኣቃውማ ኣለዎም" ይብል ቶድ።

ምንጪ ስእሊ, Fadel Dawod/Getty Images
እቲ መጽናዕቲ፡ ኣእዱግ ካብ ካልኦት - ንኣብነት ኣፍራስ - ኣዝዮም ቀረባ መሓዙት ደቂ ሰባት ከም ዝነበሩ'ውን የረጋግጽ።
"ቅድሚ 4,200 ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ገዛ ዝዓበዩ ዘመናውያን ኣፍራስ፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ዓቢ ጽልዋ ኣሕዲሮም እዮም፤ ናይ ሕጂ፡ መጽናዕትና ግን ጽልዋ ኣእዱግ ዝያዳ ከም ዝሰፍሕ ዘረጋግጽ እዩ፡” ይብል ኦርላንዶ።
እንተዀነ እዚ እንስሳ ዘለዎ ረብሓ ምስቲ ኣፍራስን ኣኽላባትን ዝረኽብዎ ክብርን ኣቓልቦ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብኣንጻሩ እዩ፡ ይብል። ሎሚ ግን፡ ምናልባት ኣብ ገለ ቦታታት ኣገዳስነቱ’ኳ እንተቐጸለ፡ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ግን ኣድጊ ሸለል ተባሂሉን ተናዒቝን እዩ።
"ኣድጊ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ሚልዮናት ሰባት ዓለም ኣገዳሲ እንስሳ'ዩ" ይብል ቶድ። ብዝሖም ኣብ ዓመት ብ ሓደ ሚእታዊት ይውስኽ ኣሎ።
“ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ኣእዱግ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት’ኳ ኣገደስቲ እንተዘይኰኑ፡ ኣብ ብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከብ ማሕበረሰባት ኣፍሪቃን ሓውሲ ደሴት ዓረብን ግን ሰባት ንመነባብሮኦም ገና ኣብ ኣእዱግ ይምርኮሱ ኣለዉ።"
እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ከም ዘመልክቶ፡ ጀነቲካዊ ኣቃውማ ኣእዱግ ምርዳእ፡ ኣብ መጻኢ ንምርባሖምን ንምሕደራኦምን ንምምሕያሽ ሓጋዚ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘመልክት እዩ።
እቶም ተመራመርቲ ኣብ መጻኢ መጽናዕታቶም ክምልስዎ ተስፋ ዝገብርዎ ዘለዉ ሓደ ቀንዲ ሕቶ፡ ካብ በረኻ ናይ ቀረባ ኣዝማድ [ዓሌት] ናይቲ ዘቤታዊ ኣድጊ ምርካብ እዩ። ኦርላንዶ፡ ቶድን መሳርሕቶምን ድሮ ሰለስተ ሕጹያት ዓሌታት ከለልዩ ክኢሎም ኣለዉ።
"እቲ ኣድጊ፡ ዘርኢ ናይቲ ኣፍሪቃዊ ኣድጊ በረኻ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና" ይብል ቶድ። "ሰለስተ ንኡሳን ዓይነታት እንስሳታት ፈሊጥና ኣለና፤ እቲ ሓደ ኣብ 200 ዓ.ም ኣብ ግዜ ሮማውያን ዝጠፍአ፣ እቲ ካልኣይ ኣብ በረኻ ዝጠፍአ ክኸውን ይኽእል’ዩ፣ እቲ ሳልሳይ ድማ ኣብ ኣብ ሓደጋ [ምጽናት] ዝርከብ እዩ።"
እንተዀነ፡ ካልኦት ገና መንነቶም ዘይተፈልጠ ንኡሳን ዓሌታት ኣድጊ በረኻ ኣፍሪቃ እንነይሮም ወይ እንተሃልዮም ንምፍላጥ ዝያዳ ስራሕ የድሊ፤ እዚ ድማ ብዛዕባ ‘ቲ ኣድጊ ዘለና ርድኢት ዝያዳ ንምምሕያሽ ዝሕግዝን ካብኡ ሓሊፉ’ውን፡ ኣብ ታሪኽ ምዕባለ ወዲሰብ ብዛዕባ ዘለዎም ኣገዳሲ ተራ ዝያዳ ንምርዳእን ንምግላጽን ዝሕግዝ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







