ንግሆ ንግሆ ንጎሮባብቲ ብናቋ ዝረበሸ ኣርሓ ደርሆ ብቤት ፍርዲ ክሕረድ ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ኣርሓ ደርሆ ንሞት ተፈሪዱ ዝብል ምስማዕ ዘይንቡር’ዩ፤ ምኽንያቱ መወዳእታ ደርሆ ደይ ንማሕረድቲ’ዩ ክንብል ንኽእል ኢና።
ደርሆኸ ናብ ቤት ፍርዲ ይቐርብ ድዩ’ውን ካልእ ሕቶ ክዀነና ይኽእል’ዩ።
እቲ ክስተት ኣብታ ብብልሽውና ኣዝያ እትሕመ ናይጀርያ ምዃኑ ኸኣ ካልእ ተወሳኺ ኣግርሞት ዝፈጥር’ዩ።
እቲ ዛንታ ከምዚ’ዩ።
እዚ መረዋሕ ድምጺ ዘለዎ ኣርሓ ደርሆ፡ ንግሆ ንግሆ [ኣብ እዋን ደርሆ ነቆ] ነገር ተፈጥሮ ኰይንዎ ምንቋው ኣይሓደገን።
በዚ ድምጺ ዝተረበሹ ጎረባብቲ ናብ ቤት ፍርዲ ብምዃድ ድቃስ ስኢንና ብምባል ክሶም ኣቕሪቦም።
ትማሊ ኣብ ዝውዓለ መጋባእያ ኸኣ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ እዚ ዓንዳፍ ጽባሕ ዓርቢ ክሕረድ ውሳነ ከም ዘሕለፈ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።
እቲ ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ካኖ ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ጎረባብቲ ድቃስ ስኢንና ኢሎም ዘቕረብዎ ጥርዓን፡ ሓቅነቱ ብምርግጋጽ ነቲ ውሳነ ከም ዘመሓላለፈ መርበብ ሓበሬታ ፕሪሜም ታይምስ ኒውስ ኣቓሊሓ።
ሓደ ካብቶም ነቲ ክሲ ዘቕረቡ ዮሱፍ ሞሓመድ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ረባሺ ናቋ ናይቲ ኣርሓ ደርሆ፡ ኣብቲ ብሰላም ክነብረሉ ኢሉ ዝገዝኦ ገዛ ብሰላም ክነብር ከም ዘየኽኣሎ ብምግላጽ፡ ኣነን ስድራይን ኣብ ዘይስዓትና እናተሳእና ብስእነት ሰላማዊ ድቃስ ንሳቐ ኣለና ኢሉ።
እቲ ክሲ ካብ ዝምስረት መዓልታት’ኳ እንተኣቑጸረ፡ ወናኒ እዚ ኣርሓ ደርሆ ኢሳኣኩ ሽዋቡ ነቲ ኣርሓ ደርሆ ንዓርቢ ስቕለት ክሓርዶ ኢሉ ዘምጽኦ ብምዃኑ ክሳብ ዓርቢ ግዜ ክውሃቦ ሕቶ ስለ ዘቕረበ’ዩ እቲ መስርሕ ፍርዲ ክጓተት ጸኒሑ።
ነቲ መስርሕ ፍርዲ ዝመርሐት ዳኛ ሓሊማ ዋሊ ንጠለብ ዋና እቲ ኣርሓ ደርሆ ብምስማዕ እቲ ደርሆ ዓርቢ ክሕረድ ጽኑዕ ፍርዲ ከም ዝሃበት መርበብ ሓበሬታ ደይሊ ትራስት ኒውስ ገሊጹ።
እቲ ዋና፡ ነቲ ደርሆ ዓርቢ እንተዘይሓሪድዎ ግን፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ደርሆ ባዕሉ ከም ዝሓርዶን ነቲ ዋና መቕጻዕቲ ከም ዝብይነሉን ውሳነ ተመሓላሊፉ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







