ኣስከሬን ተሳኢኑ ዝቐነየ ኣውስትራልያዊ ኣብ ሓርገጽ ተረኺቡ

ሓርገጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣስከሬን ናይቲ ኣብ ኣውስትራልያ ተሳኢኑ ክድለ ዝጸንሐ ሰብኣይ፡ ኣብ ውሽጢ ሓርገጽ ተረኺቡ።

እቲ ኬቨን ዳርሞዲ ዝተበሃለ ወዲ 65 ዓመት፡ ኣብቲ ብብዝሒ ሓራግጽ ፍሉጥ ዝዀነ ማያት 'ኬነዲስ በንድ' (ሰሜናዊ ኲንስ ላንድ) ዓሳ ክገፍፍ ኢሉ እዩ ብቐዳም ምስ ኣዕሩኽቱ ከይዱ።

ፖሊስ ንኽልተ መዓልታት ኣብቲ ከባቢ ድሕሪ ዝገበሮ ኣለሻ፡ ንኽልተ ገዘፍቲ ሓራግጽ ክቐትል እንከሎ ኣካላት ሰብ ረኺቡ።

እቲ ኣካላት ገና እኳ እንተዘይተጻረየ፡ ነቲ ሰብኣይ ንምርካብ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት "ብዘሕዝን መገዲ ምዝዛሙ" ፖሊስ ሓቢሩ።

ሚስተር ዳርሞዲ ምኩር ገፋፊ ዓሳ ኰይኑ ብነበርቲ ኬፕ ዮርክ ፍሉጥ እዩ ነይሩ።

እቶም 4.1 ከምኡ'ውን 2.8 ሜትሮ ንውሓት ዝነበሮም ሓራግጽ፡ ካብቲ እቲ ሰብኣይ ንመወዳእታ ግዜ ዝተራእየሉ ስፍራ ኣስታት 1.5 ኬ.ሜ ርሒቘም ክርከቡ እንከለው ብሰኑይ ብጥይት ተቐቲሎም።

እቲ ኣካላት ሰብ ኣብ ሓደ ካብቶም ሓራግጽ ጥራይ'ኳ እንተተረኽበ፡ ኣብቲ ተግባር ክልቲኦም ተሳቲፎም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ሰብመዚ እንስሳ ዘገዳም ይገልጹ።

እቶም ምስ ሚስተር ዳርሞዲ ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ነቲ መጥቃዕቲ'ኳ እንተዘይረኣይዎ፡ ኣውያት ብድሕሪኡ'ውን ጦምቦላሕ ዝብል ድምጺ ከምዝሰምዑ ሓቢሮም።

መሓዛኡ ጆን ፐይቲ ንኬፕ ዮርክ ዊክሊ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ተቐላጢፈ ከይደ . . . ዝዀነ ምልክት ግን ኣይነበረን፤ [እቲ ሓርገጽ] ኣብ ገምገም ኰይኑ መልሓሱ የልምጽ ነይሩ፡" ኢሉ።

ኣብ ትሮፒካዊ ሰሜን ኣውስትራልያ ሓራግጽ ልሙዳት'ኳ እንተዀኑ ሳሕቲ እዮም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ።

ኣብ ኲንስላንድ ኣብ 1985 መዝገብ ክተሓዝ ካብ ዝጅምር፡ ነዚ ናይ ሕጂ ሞት ዘብጽሐ መበል 13 መጥቃዕቲ እዩ።

ኣብ 1974 ሃድን ካብ ዝእገድ ንደሓር፡ ብዝሒ ሓራግጽ ኲንስላንድ ካብ 5 ሽሕ ናብ 30 ሽሕ ክብ ኢሉ ኣሎ።

ኣብ 2019 ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ኣብቶም ዝተፈተሹ ወሓይዝ፡ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓደ ኪሎሜተር፡ 1.7 በጽሒ ሓርገጽ ከምዝርከብ ይገልጽ።

ብመሰረት ፕሮግራም ምሕደራ ኲንስላንድ፡ "ኣጸገምቲ ሓራግጽ" ንድሕነት ሰባት ስግኣት ካብ ዝዀኑሉ ከባቢታት ናብ ካልእ ከምዝግዕዙ ክግበር እንከሎ ሳሕቲ ይቕተሉ።

ኣብታ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ብዝሒ ሓራግጽ ዝርከበላ ሰሜናዊ ግዝኣት ኣውስትራልያ (NT)፡ ኣስታት 100 ሽሕ ሓራግጽ ክርከቡ እንከለው፡ እቲ ብዝሒ ከይውስኽ ምክትታል ይግበረሉ።

ኣብ ኣፍላጋት ካብ ሓራግጽ ክትጥንቀቕ ብቐጻሊ ጐስጓስ'ኳ እንተተገበረ፡ ካብ 2005 ጀሚሩ ብማእከላይ ገምጋም ዓመታዊ 1-2 ሰባት ብሰንኪ ሓራግጽ ይሞቱ። ካብ 2018 ንደሓር ግን ሞት ኣይተመዝገበን ጸኒሑ።