ሃቺኮ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝያዳ እሙን ከልቢ 100 ዓመቱ ይዝከር

ኣብ ቶክዮ ካብ 1948 ጀሚሩ ኣብ ኣፍ ደገ ሺቡያ ሓወልቲ ሃቺኮ ተተኺሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሓንቲ ፊልም ቻይና ዘሎ መላለዪ ነቲ ዛንታ ኣዝዩ እዩ ዝገልጾ።

"ክጽበየካ እየ፡ ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ!"

እታ ፊልም፡ ንሓቀኛ ታሪኽ ናይቲ ሃቺኮ ዝበሃል እሙን ከልቢ መበገሲ ገይራ ዝተሰርሐት ኰይና፡ ዋናኡ ድሕሪ ሞቱ'ውን ንኽጽበዮ ነዊሕ እዋን ኣብ ጃፓን ኣብ ዝርከብ መደበር ባቡር ዝቐጸለ እዩ።

እቲ ቅድሚ 100 ዓመት ዝተወልደ ክሬም ጻዕዳ ሕብሩ ኣኪታ ኢኑ፡ ካብ መጽሓፍቲ ክሳብ ፊልምታት ክሳብ ናይ ኣምልኾ ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ፡ ሲትኮምን ኣብ ኵሉ ተዘኪሩ እዩ።

ኣብዚ ዛንታ ተደሪኻ ዝተሰርሐት ቻይናዊት ፊልም እውን ሓንቲ ካብተን ዕውታት ስርሓት ኰይና ተመዝጊባ ኣሎ።

ካልኦት ንኣኽልብ ዝምልከቱ ኣገደስቲ ዛንታታት እኳ እንተነበሩ፡ ክንዲ ዓለማዊ ጽልዋ ሃቺኮ ዝኣካል ግን የለን።

ሓወልቱ ኣብታ ንዓሰርተ ዓመት ንኸንቱ ዝተጸበየላ ኣብ ቶክዮ እትርከብ መደብር ይርከብ።

እቲ ሓወልቲ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1934 ዝተተኽለ እዩ፤ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ረብሓ ውዒሉ።

ጃፓናውያን ተምሃሮ፡ ዛንታ ቹከን ሃቺኮ - ወይ እሙን ከልቢ ሃቺኮ - ከም ኣብነት ተወፋይነትን ተኣማንነትን ይመሃሩዎ።

ሃቺኮ ነቲ “ጃፓናዊ ዜጋ" ብ"ዘየጠራጥር ተወፋይነቱ" ዝውክል ምዃኑ እትገልጽ፡ ፕሮፌሰር ክርስቲን ያኖ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋይ - "እሙን፡ ዘተኣማምን፡ ንጐይታኡ ምእዙዝ” ትብሎ።

ዛንታ ሃቺኮ ኣብ ጃፓን ብ1932 ኣብ ጋዜጣ ድሕሪ ዝወጸ ጽሑፍ እዩ ብሃገር ደረጃ ዝናኡ ረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዛንታ ሃቺኮ

ሃቺኮ ኣብ ሕዳር 1923 ኣብ ከተማ ኦዳተ ኣብ ዞባ ኣኪታ ተወሊዱ።

እቲ ግዙፍ ኣካላዊ ብቕዓት ከምዘለዎ ዝንገረሉ ጃፓናዊ ከልቢ- ኣኪታ፡ ሓደ ካብቶም ዝጸንሑን ህቡባትን ዓሌታት እታ ሃገር እዩ።

ኣብ 1931፡ ብመንግስቲ ጃፓን ከም ሃገራዊ ኩርዓት ዝተመዘዙ ኰይኖም፡ ከም ሓሰማ በረኻን ኤልክን ዝኣመሰሉ እንስሳታት ዘጋዳም ክሃድኑ ዝሰልጠኑ እዮም።

"ኣኽላባት ኣኪታ ህዱኣት፡ ቅኑዓት፡ በላሕቲን ተባዓትን [ንጐይቶቶም ድማ] ምእዙዛትን እዮም" ይብል ኤይትሱ ሳኩራባ ዝተባህለ፡ ብዛዕባ ሃቺኮ ብቛንቋ እንግሊዝ መጽሓፍ ዘሕተመ ደራሲ።

"ብኻልእ ወገን ድማ ድርቅና ዝመልኦ ስብእና'ውን ኣለዎ፤ ብዘይካ ጎይታኡ ካብ ዝኾነ ሰብ ይጥንቀቕ።"

ፍሉጥ ፕሮፌሰር ሕርሻን ኣፍቃሪ ከልብን ዝዀነ ሂደሳቡሮ ኡኖ፡ ንሓደ ተምሃራይ ኩርኩር ኣኪታ ክረኽበሉ ሓተቶ።

ድሕሪ ኣድካሚ ጉዕዞ ባቡር፡ እቲ ኩርኩር ብ15 ጥሪ 1924 ኣብ ኣውራጃ ሺቡያ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ኡኖ በጺሑ፤ ኣብኡ ድማ መጀመርታ ሞይቱ ተባሂሉ ይሕሰብ ነይሩ።

ብመሰረት ጸሓፊ ታሪኽ ህይወት ሃቺኮ ፕሮፌሰር ማዩሚ ኢቶህ፡ ኡኖን በዓልቲ ቤቱ ያኤን ኣብ ዝቐጸሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ ጥዕናኡ ንኽምለስ ብጽቡቕ ሓብሐብዎ።

ኡኖ፡ ነቲ ኩርኩር ‘ሃቺ’ - ሸሞንተ ማለት እዩ ብጃፓንኛ- ክብል ሰመዮ። ‘ኮ’ ድማ ብተምሃሮ ኡኖ ዝወሃብ ክብሪ እዩ።

ሓወልቲ ሃቺኮ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ፖለቲካዊ ተቓውሞታት ዝካየደሉ ቦታ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ዝነውሐ ትጽቢት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኡኖ ኣብ ሰሙን ብዙሕ ግዜ ናብ ስራሕ ብባቡር ይኸይድ ነበረ። ሃቺኮ ብዝርከቦም ሰለስተ ኣኽላባቱ ተዓጂቡ ናብ ከባቢ ሺቡያ ይመጽእ።

ድሕሪኡ ሰለስቲኦም ምሸት ካብ ስርሑ ክሳብ ዝምለስ ኣብኡ ይጽበዩዎ።

ብ21 ግንቦት 1925፡ ሽዑ ወዲ 53 ዓመት ዝነበረ ኡኖ፡ ብሰንኪ ምፍሳስ ደም ሓንጎል ሃንደበት ሞይቱ።

ሃቺኮ ምስኡ ካብ ዝጸንሕ 16 ኣዋርሕ ጥራይ ኢዩ ኰይንዎ ነይሩ።

"ኣብ መዓልቲ ስነስርዓት-ቀብሩ፡ ሃቺ ንዶክተር ኡኖ ከእልሽ ናብ ውሽጢ ሳሎን ኣተወ። ካብኡ ድማ ፊፍ ፊፍ ኢሉ ምስ ረኸቦ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ሳንዱቕ ሬሳ ተጣቢቑ ምንቅስቓስ ኣብዩ ነይሩ" ክብል ፕሮፌሰር ኢቶህ ይጽሕፍ።

ሃቺኮ ኣብ ዝቐጸላ ሒደት ኣዋርሕ ካብ ሺቡያ ወጻኢ ምስ ዝተፈላለያ ስድራቤታት ጸኒሑ።

ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ሓጋይ 1925 ምስ ጀርዲነር ኡኖ ኪኩሳቡሮ ኮባያሺ ኰይኑ።

ሃቺኮ ናብቲ ነፍስሄር ጎይታኡ ዝነብረሉ ከባቢ ምስ ተመልሰ፡ ናብታ መደበር ባቡር መዓልታዊ ምጕዓዝ ጀሚሩ።

"ሃቺ ምሸት ምሸት፡ ኣብ ኣፍደገ ትኬት ዝቝረጸሉ፡ ደው ኢሉ ንነፍሲ ወከፍ ተሳፋራይ እናጫነወ ንዝዀነ ሰብ ይእልሽ ነበረ" ክብል ፕሮፌሰር ኢቶህ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩ።

ሰራሕተኛታት እቲ መደበር ባቡር፡ ኣብ መጀመርታ ከም ዕንቅፋት ርእዮምዎ። ሸየጥቲ ትኬት ማይ የፍስሰሉ፡ ንኣሽቱ ቈልዑ ድማ ይደፍሩዎን ይሃርምዎን ነይሮም።

ይዅን እምበር፡ ጃፓናዊት ጋዜጣ ቶክዮ ኣሳሂ ሺምቡን ኣብ ጥቅምቲ 1932 ብዛዕባኡ ድሕሪ ምጽሓፋ፡ ኣብ መላእ ሃገር ዝና ረኸበ።

እቲ መደበር ንሃቺኮ መዓልታዊ ወፈያታት መግቢ ክቕበል እንከሎ፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን ድማ ንዕኡ ክርእዩ ይመጹ ነበሩ።

ብዛዕባኡ ግጥምታትን ምጎሳን ተጻሒፉ። ኣብ 1934 ሓወልቲ ንምስራሕ ዝተኻየደ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ መደብ 3000 ሰባት ከምዝተኣከቡ ይንገር።

ኣብ መወዳእታ ብ8 መጋቢት 1935፡ ሞት ሃቺኮ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ብዙሓት ጋዜጣታት ዝወዓለ ዀይኑ፡ መዘራረቢ ዀይኑ ነይሩ።

ኣብ ቀብሩ መነኮሳት ቡድሃ ጸሎት ኣካይዶምሉ፡ ካህናት ድማ ውዳሴ ኣንቢቦምሉ። ኣብ ዝቐጸሉ መዓልታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብቲ ሓወልቱ በጺሖም።

ኣብታ ድሕሪ ኲናት ድኻ ኰይና ዝነበረት ጃፓን፡ ንሓድሽ ሓወልቲ ሃቺኮ ኣታዊ ንምእካብ አaብ ዝግበር ዝነበረ ወፍሪ፡ 800 ሽሕ የን ከይተረፈ ክእክብ ክኢሉ፡ እዚ ድማ ኣብቲ እዋን ዓቢ እቶት ኮይኑ፡ ሎሚ ኣስታት 4 ቢልዮን የን (28 ሚልዮን ዶላር) ዝግመት እዩ።

"ንድሕሪት ምልስ ኢለ ክሓስቦ ከለኹ፡ ዶክተር ኡኖ ከምዘይምለስ ዝፈልጥ ኮይኑ ይስምዓኒ፤ ግን ምጽባዩ ቀጺሉ - ሃቺኮ ኣብ ሓደ ሰብ እምነት ምሕዳር ዘኽፍል ዋጋ ምሂሩና" ክብል ታከሺ ኦካሞቶ ኣብ 1982 ኣብ ጋዜጣ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ጽሒፉ።

ንሱ፡ ከም ተምሃራይ ካልኣይ ደረጃ፡ ንሃቺኮ መዓልታዊ ኣብቲ መደበር ርእይዎ ነይሩ።

ሃቺኮ ምዝካር

ዓመት ዓመት፡ ብ 8 ሚያዝያ ኣብ ኣፍደገ መደበር ሺቡያ ንሃቺኮ ዝኽሪ ይካየድ።

ሓወልቱ መብዛሕትኡ ግዜ ብሻርፓ፡ ቆቢዕ ሳንታ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ተመላኺዑ ይውዕል።

እዚታት ተኣኪቡ፡ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ቤተ መዘክር ተፈጥሮን ሳይንስን ንምርኢት ቀሪቡ ኣሎ።

ክፋል ካብ ሬሳታቱ ኣብ መካነ መቓብር ኣኦያማ፡ ጐድኒ ጐድኒ ኡኖን ያኤን ተቐቢሩ ኣሎ። ኣብ ኦዳተ፡ ትውልዲ ከተማ ኡኖ ሂሳይ፡ ዩኒቨርሲቲ ቶክዮ ኣን እውን ሓወልትታቱ ኣለዉ።

ኣብ ዓለም እቲ ኣዝዩ እሙን ከልቢ ድሕሪ ሓደ ዘመንከ ክኽበር ድዩ?

ፕሮፌሰር ያኖ “እወ!" ትብል። " ምኽንያቱ ጅግንነት ሃቺኮ ኣብ ዝኾነ እዋን ዝርሳዕ ኣይኮነን - ግዜ ዘይስዕሮ እዩ።”

ሚስተር ሳኩራባ፡ እውን ተመሳሳሊ እምነት እዩ ዘለዎ።

"ድሕሪ 100 ዓመት'ውን እንተዀነ እዚ ቅድመኩነት ዘይብሉ ፍጹም ፍቕሪ ከምዘይቅየር'የ ዝኣምን፤ ዛንታ ሃቺኮ ድማ ንዘልኣለም እናተነግረ ክነብር'ዩ።"