እስራኤልን ሓማስን ናብ ሓድሽ ድርድር ተመሊሶም ድዮም?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ፡ ሸምገልቲ ብዘቐረብዎ እማመ መሰረት ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ምባል ክቕጽል ከምዝድግፍ ገሊጹ።
እቲ እማመ፡ ጅሆ ዝተትሓዙ ተወሰኽቲ ሓሙሽተ እስራኤላውያን ክፍትሑን ን50 መዓልታት ዝጸንሕ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ክህሉን ይጠልብ።
ካብ ቓዛ ወጻኢ ዝርከብ ዝለዓለ መራሒ ሓማስ ከሊል ኣል-ሓያም፡ እቲ ጉጅለ ብሸምገልቲ ግብጽን ቀጠርን ዝተላእከ ረቂቕ ስምምዕ ከምዘጽደቐ ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ'ውን እቲ ውጥን ከምዝበጽሖ ብምግላጽ፡ "ምስ ኣሜሪካ ብምውህሃድ ናብቶም መንጐኛታት ግብረመልሳዊ እማመ" ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ።
እዚ ሓድሽ ውሱን ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ካብ ክልቲኦም ወገን ቅቡል እንተረኺቡ፡ ምስቲ ሎሚ ሰንበት ዝኽበር በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ክጅመር ይኽእል እዩ።
ብቐዳም፡ ቤት ጽሕፈት ኔታንያሁ ብዛዕባ እማመ ተኹሲ ደው ምባል ምስ መንጎኛታት ልዝብ ከምዘካየደ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ብወገን እስራኤል ዝቐረበ ውጥን ምስ ኣመሪካ ምርድዳእ ከምዝተገበረሉ እኳ እንተተገለጸ፡ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይወፀን፤ ኣመሪካ'ውን ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ግልጺ ርእይቶ ኣይሃበትን።
እዚ ሓድሽ እማማ፡ እቲ ብ19 ጥሪ ግብራዊ ዝኾነ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ራፋሕ ምድራዊ ስርሒት፡ ኣብ መላእ ቓዛ ድማ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ዝቐጸሉሉ ዘሎ እዋን እዩ ዝቐረብ ዘሎ።
ክልቲኦም ወገናት እቲ ቀዳማይ ስምምዕ ድሕሪ ምዝዛሙ ንኻልኣይ ምዕራፍ ክሰማምዑ ኣይከኣሉን።
ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ሓማስ 33 ጅሆ ዝሓዞም ሰባት ፈቲሑ ነይሩ። እቲ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ፡ ኩሎም ብህይወት ከምዘለዉ እኳ እንተዘይተኣመነ፡ ክሳብ ሎሚ ተወሰኽቲ 59 ጅሆታት ሒዙ ከምዘሎ ይግመት።
ሓማስ ቅድሚ ሕዚ፡ ኣብቲ ፈላማይ ስምምዕ ብምጽናዕ ካልኣይ ምዕራፍ ልዝብ ክጅምር፡ በዚ ድማ ኹሎም እቶም ዝተረፉ ጅሆታት ክፍትሑ፣ ሓይልታት እስራኤል ካብ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ክስሕቡን እቲ ኲናት ከብቅዕን ክጠልብ ጸኒሑ። ግን ከኣ እቶም ልዝባት ፈጺሞም ኣይተጀመሩን።
እስራኤልን ኣመሪካን ብወገነን እቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝተዛዘመ ቀዳማይ ምዕራፍ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ክናዋሕ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ እኳ እንተኣቕረባ እቲ ኲናት ከም ዝውዳእ ግን ንጹር ውሕስነት ኣይሃባን።
ሓማስ ነቲ ምንዋሕ ተኹሲ ደው ምባል ከምዝጠሓሰ እትኸስስ እስራኤል፡ ብ18 መጋቢት ኣብ ልዕሊ ቓዛ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዳግማይ ምጅማራ ይፍለጥ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ መላእ እቲ ግዝኣት ልዕሊ 900 ሰባት ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ'ሎ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ናታንያሁ ነቲ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ብምጥሓስ ህይወት ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ኣብ ሓደጋ ከምዘእተወ ኣዝማድ ናይቶም ዝተረፉ ጅሆታት ይኸስሱ ኣለዉ።
ሓደ ካብቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ዝኾነ ኤልካና ቦህቦት፡ ኣብ ሓደ ሓማስ ዝለጠፎ ሓድሽ ቪድዮ ንኽፍታሕ ክልምን ከሎ ይረአ።
እቲ ኲናት፡ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ንደቡባዊ እስራኤል ጥሒሱ ብምእታው መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ከምዝተወልዐ ይዝከር። ሽዑ ድማ ኣስታት 1200 ሰባት ቀቲሉ 251 ድማ ቀይዱ ናብ ቓዛ ከምዝወሰዶም ይግለጽ።
እስራኤል ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻማ ግብረመልሲ ዝሃበት ኮይና፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ፍልስጤማውያን ከምዝቐተሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







