ሑቲ፡ ሕነ ንምፍዳይ ናብ እስራኤል ሚሳይል ወንጪፉ

ዕጡቓት ሑቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ንስለ ፍልስጤማውያን ሕነ ከም ዝፈድዩ ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዕጡቓት ሑቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ንስለ ፍልስጤማውያን ሕነ ከም ዝፈድዩ ይገልጹ

እቲ ብሑቲ ናብ እስራኤል ዝተወንጨፈ ባለስቲክ ሚሳይል፡ ኣብ ጥቓ ተልኣቪቭ ናብ ዝርከብ መዓርፎ ነፍርቲ ቤን ግርዮን ከም ዝተተኰሰ ወሃቢ ቃል ወተሃደራዊ ሓይሊ ሑቲ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ነዚ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እስራኤል ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ (ሳይረን) ከም ዝተሰምዐ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ክሕብር ከሎ፡ ዛጊት ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዝወረደ መጕዳእቲ ኣይተፈልጠን።

"ካብ የመን ዝተወንጨፈ ሚሳይል ናብ መሬት እስራኤል ቅድሚ ምስጋሩ ብሓይሊ ኣየር እስራኤል በርዒኑ። ብመሰረት እቲ ፕሮቶኮል ከኣ እዩ ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ ዝተሰምዐ፡" ክብል ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እስራኤል ሓያሎ መጥቃዕትታት ኣየር ድሕሪ ምፍጻማ፡ እቲ ኣብ ቓዛ እትገብሮ ስርሒታት ኣዕብያቶ ኣላ።

ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ልዕሊ 430 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።

እቲ ብሓሙስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ካብ ካን ዩኒስ ንምብራቕ ንዝርከቡ ሽዱሽተ ኣባይቲ ዒላማ ከም ዝገበረ ወሃቢ ቃል እቲ ብሓማስ ዝመሓደር ትካል ሲቪላዊ ምክልኻል ከም ዝገለጸን ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰባት ከም ዝቘሰሉን ይገልጽ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ሰራዊት ክሳብ እቲ ንሰሜንን ደቡብን ምድረበዳ ቓዛ ዝኸፋፍል መተሓላልፎ ኔትዛሪም ከም ዝኣተዉ ገሊጹ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝተገብረ ዳግማይ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ካብ ጥሪ ጀሚሩ ዝጸንሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ከም ዘብቅዐ ዘረድእ እዩ።

ኣቐዲሙ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ደይር ኣልባላ ኣብ ዝርከብ መዓስከሩ ብዘጋጠመ ፍንጀራ፡ ሓደ ካብ ሰራሕተኛታቱ ዝርከብዎም ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጹ።

ሕነ-ምፍዳይ ሑቲ

እቲ ንእስራኤል ከም 'ጸላኢቱ' ዝርኢ ጕጅለ ሑቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣመሪካ ኣብ ሰንዓን ሰሜናዊ ምዕራብ የመንን ብዝገበረቶ ደብዳብ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሕነ ከም ዝፈዲ ፈኪሩ ነይሩ እዩ።

እቲ ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ንሰንዓን ሰሜናዊ ምዕራብ የመንን ተቘጻጺሩ እኳ እንተ ሃለወ፡ ዓለማዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ እታ ሃገር ግን ኣይኰነን።

ጕጅለ ሑቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ጐድኒ ፍልስጤማውያን ደው ብምባል መስዋእቲ ይኸፍል ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሑቲ ኣብ ኣህጉራዊ መስመራት መራኽብ መጥቃዕቲ እንተ ቀጺሉ፡ "ዘስካሕክሕ" ሳዕቤን ከም ዘጋጥሞ ኣጠንቂቑ እዩ።

ፔንታጎን፡ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ንደሓር፡ ኣብቲ ማእከላይ ምብራቕ ዘካየዶ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ካብ ቀዳም ጀሚሩ ኣብ የመን 30 ዕላማታት ከም ዝወቕዐ ገሊጹ።

እዚ ጕጅለ ሑቲ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ የመን ዘካየደቶ ሓያል መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ፈለማ ትማሊ ሰንበት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መርከብ ዩኤስኤስ ሃሪ ኤስ ትሩማን ከጥቅዕ ፈቲኑ ነይሩ።

ካርታ የመን