የመን፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሑቲ ዝጸንሓ ፖሊሲ ለዊጣ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ምምሕዳር ትራምፕ ንየመናዊ ጉጅለ ሑቲ ዳግማይ ከም ኣሸባሪ ናይ ወጻኢ ውድብ ከምዝመዝገቦ ኣፍሊጡ።
"ንጥፈታት ሑቲ ንጸጥታ ኣመሪካውያን ሲቪላትን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ሰራሕተኛታትን፡ ከምኡ'ውን ንውሕስነት ዞባዊ መሻርኽትናን ምርግጋእ ማያዊ ንግዲ ዓለምን ስግኣት ዝፈጥሩ'ዮም" ይብል እቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝፈረሞ ሓድሽ መምርሒ።
ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን፡ ነቲ ኣብ የመን ተፈጢሩ ዘሎ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ፡ ትካላት ረዲኤት ምስቶም ንሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ተቖጻጺሮም ዘለዉ ዕጡቓት ተወሃሂዶም ክሰርሑ ምእንቲ ክኽእሉ ኣብ 2021 ነቶም ዕጡቓት ካብ መዝገብ ሽበራ ኣውጺእዎም ምንባሩ ይዝከር።
እዚ ሓድሽ ውሳነ፡ ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ምስ ካልኦት ምስቶም ዕጡቓት ዝሰርሑ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ዘለዎ ርክብ ከቋርጽ ዘገድድ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ጕጅለ ሑቲ ሒዞሞም ንዝጸንሑ ባሕረኛታት ከምዝለቐቑ ኣፍሊጦም። እቶም 25 ባሕረኛታት ኣባላት ናይታ ኣብ ሕዳር 2023 እቶም ዕጡቓት ዝሓዙዋ 'ጋላክሲ ሊደር' ዝተባህለት መርከብ ጽዕነት እዮም።
እታ ዜጋታት ሜክሲኮ፡ ሮማንያ፡ ቡልጋርያን ዩክረይንን ዝዀኑ ባሕረኛታት ዝነበሩዋን ባንዴራ ባሃማስ ዝተሰቕላን መርከብ፡ ካብ ቱርኪ ተበጊሳ ናብ ህንዲ እናተጓዕዘት እንከላያ እያ ብሄለኮፕተራትን ጃላቡን ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዕጡቓት ሑቲ ኣትያ።
እቲ መጥቃዕቲ ንትካላት መጓዓዝያ ባሕርን ማሕበረሰብ ዓለምን ዘሰንበደን ክሳብ'ዚ ቀረባ እዋን ዝቐጸለን'ዩ።
መደበር ተለቪዥን እቲ ጕጅለ፡ ኣልመስራሕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቶም ባሕረኛታት ናብ ጐረቤት ሃገር ዖማን ተረኪቦም ኣለዉ።
እቲ ስጕምቲ ንቓዛን ነቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝተበጽሐ ምቍራጽ ተጻብኦታት ዘለዎም ደገፍ ንምርኣይ ዝተወስደ ምዃኑ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሑቲ ገሊጹ'ሎ።
ሃገራት እቶም ባሕረኛታትን ሕቡራት ሃገራትን ንኣዋርሕ ብዘካየድዎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት'ዮም ክፍትሑ ክኢሎም።
ዋና ጸሓፊ ዓለምለኻዊ ውድብ ባሕሪ (IMO) ኣርሰንዮ ዶሚኒጎዝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ንኵላትና ዓቢ ሩፍታ ዝፈጠረ ህሞት'ዩ- ነቶም ባሕረኛታትን ስድራቤቶምን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመላእ ማሕበረሰብ መጓዓዝያ ባሕሪ" ክብል ሓጐሱ ገሊጹ።
"እቲ ሎሚ ተረኺቡ ዘሎ ዓወት መርኣያ ኣገዳስነት ሓባራዊ ዲፕሎማሲን ልዝብን ኰይኑ፡ ንጹሃት ባሕረኛታት ግዳያት ሰፊሕ ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ ክዀኑ ከምዘይብሎምን ዘርኢ'ዩ።"
ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ብወገኑ፡ "እዚ ሓደ ስጕምቲ ናብ ቅኑዕ መኣዝን ዝወስድ'ዩ። [ሑቲ] ኣብ ኵሉ ጉዳያት፡ እንኮላይ ምቍራጽ መጥቃዕትታት ባሕሪ፡ ተመሳሳሊ እወታዊ ስጕምትታት ምውሳድ ክቕጽሉ እምሕጸን" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዝሓለፈ 14 ኣዋርሕ፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ንግዲ ብሚሳይላት፡ ድሮናትን ንኣሽቱ ጃላቡን ዝተሰነየ መጥቃዕትታት ከካይዱ ጸኒሖም'ዮም።
ኣብቲ ዘካየድዎ መጥቃዕትታት ክልተ መራኽብ ከጥሕላ እንከለዋ፡ ንጋላክሲ ሊደር ድማ ጨውዮማ።
ዛጊት 4 ባሕረኛታት ብመጥቃዕትታት ሑቲ ተቐቲሎም ኣለዉ።
ኣብቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ንፍልስጤማውያን ብምድጋፍ ነቲ ስጕምቲ ክወስዱ ከምዝተገደዱ ዝገልጹ ሑቲ፡ ነተን ምስ እስራኤል፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን ርክብ ዘለወን መራኽብ ጥራይ ዒላማ ከምዝገብሩ'ዮም ዝገልጹ።
እንተዀነ ንብዙሓት ምስተን ሃገራት ርክብ ዘይብለን መራኽብ'ውን ኣጥቂዖም'ዮም።
ጋላክሲ ሊደር ኣብ ዝተታሕዘትሉ እዋን ብሓደ ጃፓናዊ መጓዓዝያ ባሕሪ ትመሓደርን፣ ኣብ ደሴታዊት ግዝኣት ኣይል ኦፍ ማን ዝመደበሩ 'ጋላክሲ ማሪታይም ልሚትድ' ዝተባህለ ትካል እትውነንን'ያ። ሓደ ካብ ወነንቲ እቲ ትካል ድማ ኣብራሃም ኡንጋር ዝተባህለ እስራኤላዊ ነጋዳይ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, US Central Command
ዋላ'ኳ ብኣመሪካን ብሪጣንያን ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም መራኽብ ውግእ ንሓለዋ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን እንተተዋፈረ፡ ንመጥቃዕትታትን ስግኣትን ሑቲ ክገትኦ ኣይክኣለን።
ምዕራባውያን ሃገራት ነቲ ኣገዳሲ ማያዊ ንግዳዊ መስመር ንምውሓስ ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲ ብመራኽብ ኲናት፡ ነፈርቲ ውግእን ድሮናትን ኣንጻር ሑቲ ጸረ-መጥቃዕትታት ከካይዳ ምጽንሐን ይፍለጥ።
እስራኤል ብወገና ነቲ ኣስታት 400 ዝበጽሕ ዝተተኮሰላ ሚሳይላትን ድሮናትን ሑቲ ግብረመልሲ ብምሃብ ተመሳሳሊ ጸረመጥቃዕቲ ኣካይዳ'ያ።
ጕጅለ ሑቲ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ድሕሪ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኲናት ቓዛ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ ዘካይድዎ መጥቃዕትታት ክድርትዎ ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ።
ንትካላት መጓዓዝያ ባሕሪ ኣብ ዝሰደድዎ ኢመይል ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ ኣንቢሮሞ ዝጸንሑ እገዳታት ከምዘልዓልዎ ብምጥቃስ፡ ነተን ኣብ እስራኤል ዝተመዝገባን ወይ ምሉእ ብምሉእ ብእስራኤላውያን ውልቀሰባትን ትካላትን ዝውነና መራኽብ ጥራይ ዒላማ ከምዝገብሩ ሓቢሮም ኣለዉ ክብል ጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ ጸብጺቡ።
ኣብ ልዕሊ ብእስራኤል ዝውነና መራኽብ ዝካየድ መጥቃዕቲ "ኵሉ ገጻት ምቍራጽ ተጻብኦታት [ቓዛ] ብምልኡ ምስተተግበረ" ጥራይ ከምዘቋርጽ እቶም ዕጡቓት ኣጠንቂቘም ኣለዉ።
መራሒ ሑቲ ዓብዱልማሊክ ኣል-ሑቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ውሳነኦም እስራኤል ነቲ ስምምዕ ኣብ ዘለዋ ተወፋይነት ዝምርኮስ'ዩ ክብል ተዛሪቡ።
"ጸላኢትና እስራኤል ናብ ረጽሚ፡ ኣጽናቲ ገበናትን ምቍጽጻር ቓዛን እንተ ተመሊሳ ኣብ ቀጻሊ ተጠንቀቕ ኢና ዘለና" ኢሉ።
ዕጡቓት ሑቲ ኣብቲ መስመር ብዝፈጠርዎ ጸጥታዊ ስግኣት ዓለምለኻዊ ቍጠባዊ ሳዕቤን ኣኸቲሉ'ዩ። ብዙሓት በቲ ኵነታት ዝሰግኣ መራኽብ ንግዲ ብደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ፡ ብጸንፊ ጽቡቕ ተስፋ ኣቢለን ካብን ናብን ምዕራብን ምብራቕን ክጓዓዛ ተገዲደን ኣለዋ።
ዓመታዊ ልዕሊ 20, 000 መራኽብ ብመጻብቦ ባብ ኤልመንዳብ ከምዝሓልፋ ጸብጻባት ይሕብሩ። እዚ ማለት ኣስታት 30 ሚእታዊት ጸዓንቲ ኮንተይነር ዝዀና መራኽብ ዓለም፡ ከምኡ'ውን 21 ሚእታዊት መራኽብ ጸዓት በቲ መስመር ይሓልፋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







