እስራኤል ናብ ቃዛ ረድኤት ከይሓልፍ ከልኪላ፡ እቲ ውዕል ሰላም ኣብቂዑ ማለት ድዩ?

ፍልስጤማውያን ናብታ ዝኣነወት ዓዶም ተመሊሶም ክነብሩ ይፅዕሩ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, EPA

እስራኤል፡ ናብ ቓዛ ዝኣቱ ኵሉ ሰብኣዊ ሓገዛት ከይሓልፍ ከልኺላ።

እቲ ብግብፂ፣ ቀጠርን ኣመሪካን ሸምጋልነት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ንግዚኡ ተኹሲ ደው ክብል ዝገበረ ኰይኑ፡ ናብቲ በቲ ኲናት ዝተሃሰየ ከባቢ ቃዛ ረድኤት ክሓልፍን ክልቲኦም ወገናት እሱራትን ጅሆን ክለዋወጡን ኣኽኢሉዎም እዩ።

እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ፡ ሰለስተ ደረጃታት ዘለዎ ኰይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ብቀዳም ከይተናወሐ ተዛዚሙ ኣሎ።

እቲ ብፀቕጢ ምምሕዳር ጆ ባይደን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ምስቲ ትራምፕ ሒዙዎ ዘሎ መርገፂ፡ ይቕፅል'ዶ ይኸውን ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒሉ ኣሎ።

እዚ ድማ ብፍላይ ትራምፕ፡ ኣብ መፃኢ ዕጫ ቃዛ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ርእይቶ ስዒቡ እዩ ጥርጣራታት ፈጢሩ ዘሎ፤ እቲ መስርሕ ከይዝረግ ድማ ይስጋእ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣመሪካ ንቓዛ "ክትቈጻጸር"ን "ክትውንንን" ከም እትደሊ ዘቕረቦ ሓሳብ፡ ሓያል ስንባደን ኵነኔን ገጢሙዎ እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ንእማመ ትራምፕ እኳ እንተደገፈ፡ ብሃገራት ዓረብን ገለ መሓዙት ኣመሪካን ተነጺጉ'ሎ።

ውጥን ትራምፕ ብሓማስን ሃገራት ዓረብን ተቐባልነት ኣይረኸበን ጥራይ ከይኰነስ፡ ንቐፃልነት እቲ ድሕሪ ክንደይ ውፃእ ውረድ ዝተበፅሐ ስምምዕ ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ ተባሂሉ ተነቒፉ እዩ።

ካልእ ውጥን ኣሎ ድዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ብልኡኽ ዶናልድ ትራምፕ ስቲቭ ዊትኮፍ ዝቐረበ ሓሳብ ግዝያዊ ምንዋሕ እቲ ውዕል ሰላም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሓማስ፡ ነቲ ውጥን ምቕባል ኣብዩ ከም ዘሎ ድማ ነቒፉ።

እስራኤል፡ ሓማስ ምስዚ ውጥን ኣመሪካ ክሰማማዕ ኣብ እትጠልበሉ ዘላ እዋን፡ ኩሉ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ቓዛ ከይኣቱ ከልኪላ ኣላ።

ወሃቢ ቃል ሓማስ ናብ ቓዛ ቀረብ ረድኤት ምዕጋት፡ ኣብ "ርካሽ ፀለመ" ዝተመርኰሰን፡ ነቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ዘፍርስ ምዃኑን ብምግላጽ፡ እቶም ሸምገልቲ ጣልቃ ክኣትዉ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ዝፀንሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ኣብ መንጐ ሓማስን ሰራዊት እስራኤልን ን15 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ውግእ ደው ብምባል፡ ንኣስታት 1900 ፍልስጤማውያን እሱራትን 33 ጅሆ ዝተትሓዙ እስራኤላውያን ክፍትሑ ኣኽኢሉ።

እቲ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዝተግበረ ልዝብ ስዒቡ ዝተበፅሐ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ፈለማ ብጆ ባይደን ዝቐረበ ኰይኑ፡ ሰለስተ ምዕራፋት ዝሓዘ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ካብ 19 ጥሪ 2025 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ኰይኑ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብቂዑ ኣሎ።

ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ፡ ቀዋሚ ተኹሲ ደው ምባል፡ ምፍታሕ ኵሎም ብህይወት ዘለዉ ጅሆታትን ምስሓብ ሓይልታት እስራኤል ካብ ቃዛን ዝዓለመ ድርድር፡ ቅድሚ ሰሙናት ክጅምር ነይርዎ፤ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተጀመረን።

ሳልሳይ ምዕራፍ ድማ ኵሎም ዝተረፉ ሬሳታት ምዉታት ጅሆታት ክምለሱን ዓመታት ክወስድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዳግመ ህንጸት ቃዛን ዝዓለመ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ሓማስ ካልኣይ ምዕራፍ ከም ዝፍጸም ካብቶም መንጐኛታት ውሕስነት እንተዘይተዋሂቡ ዝዀነ ይኹን ምንዋሕ ምዕራፍ ሓደ ከም ዘይሰማማዕ ገሊጹ ነይሩ።

ቀዳማይ ምዕራፍ ናይቲ ስምምዕ ብቐዳም ኣብ ዝተዛዘመሉ እዋን፡ ቤት ጽሕፈት ናታንያሁ፡ እስራኤል ነቲ ዊትኮፍ ዘቕረቦ ሓሳብ፡ ኣብ እዋን ወርሒ ሮሞዳንን ናይ ኣይሁድ ፋስጋን ግዜ ጀሚኡ ንሽድሽተ ወርሒ ዝፀንሕ ምዃኑ እዩ ዝንገር።

ናታንያሁ፡ እቲ ስምምዕ ሰላም እንተዘይተናዊሑ ግን፡ እስራኤል ናብ ውግእ ናይ ምምላስ መሰላ ዝተሓለወ እዩ ኢሉ።

ዊትኮፍ ነቲ ዘቕረቦ እማመ-ትራምፕ ንህዝቢ ኣይገለጾን።

ብመሰረት እስራኤል፡ ፍርቂ ካብቶም ዝተረፉ ብህይወት ዘለዉን ዝሞቱን ጅሆታት ብምፍታሕ ክጅምር እዩ።

ክልከላ ረድኤት

እዚ ከምዚ እንተሎ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ነታንያሁ ዝወጽአ መግለጺ ከም ዝብሎ፡ ካብ ትማሊ ንግሆ ጀሚሩ ናብ ወሽመጥ ቓዛ ዝግበር ዝነበረ ኵሉ ምእታው ኣቑሑትን ቀረብን ደው ኢሉ።

"እስራኤል ጅሆታትና ከይተፈትሑ ተኹሲ ደው ምባል ኣይትፈቅድን እያ። ሓማስ እምቢታ እንተቐጺሉ፡ ተወሳኺ ሳዕቤን ክህሉ'ዩ፡" ክብል ድማ ኣፈራሪሑ።

ወሃቢ ቃል ሓማስ "ናታንያሁ ናብ ቃዛ ዝኣቱ ሓገዝ ደው ንምባል ዝወሰዶ ውሳነ ዳግማይ እኩይ ተግባር እቲ ጐባጢ ሓይሊ ዘርኢ እዩ፤ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ጸቕጢ ክገብር ኣለዎ፤ ህዝብና ብጥሜት ክውድኦ ክፍቀድ የብሉን፡" ኢሉ።

ትካላት ረድኤት፡ ትማሊ ሰንበት ንግሆ ዝዀነ ናይ ረድኤት መኪና ናብ ቃዛ ክኣቱ ከም ዘይተፈቕደ ኣረጋጊጾም።

"ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቃዛ ክውሕዝ ኣለዎ። ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኩሎም ወገናት ድማ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ንጽውዕ ኣለና፡" ክብል ሰራሕተኛ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣንቶን ረናርድ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ፡ እቲ ተኹሲ ደው ምባል ስምምዕ ካብ ዝፍረም ንደሓር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብኣሽሓት ዝቑጸራ ረድኤት ዝጸዓና መካይን ናብ ወሽመጥ ቓዛ ይኣትዋ ነይረን።

ግብጺ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተበፅሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ክኸውን ጸዊዓ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ህዝቢ ቃዛ ከይተመዛበለ ዳግም ንምህናጽ ትልሚ ከተቕርብ ምዃና፡ ኣብ ህጹጽ ዋዕላ ዓረብ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ቓዛ 24 ጅሆታት ብህይወት ከም ዘለዉ ዝእመን ኰይኑ፡ ካልኦት 39 ከም ዝሞቱ ይግለጽ።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ተወሲዶም።

እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ወሽመጥ ቓዛ ብዝወተሰዶ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ድማ ብውሕዱ 48 ሽሕን 365 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።