ኣብ ሓደ ቤት ብልዒ ዝተፈፀመ ጾታዊ መጥቃዕቲ ቁጥዐ ፈጢሩ

ኣብ ቻይና ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ

ምንጪ ስእሊ, WEIBO

ኣብ ከተማ ታንግሻን ኣብ ሓደ ቤት ብልዒ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ ደቂኣንስትዮ፡ ኣወዳት ብጉጅለ ኮይኖም ጨካን መጥቃዕቲ እንክፍፅሙ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) ምዝርግሑ ስዒቡ፡ ሓያል ቁጥዐ ኣልዒሉ።

ፖሊስ ቻይና፡ ነዚ ፆታዊ መጥቃዕቲ ፈፂሞም ኢሉ ዝጠርጠሮም ትሽዓተ ሰባት ከምዝኣሰረ ኣፍሊጡ።

ነዚ ስዒቡ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ብዛዕባ ኣብ ቻይና ዘሎ ፆታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ብማሕበራዊ ሚድያ ሓያል ክትዕን ተቓውሞን ይገብሩ ኣለዉ።

እቲ ፍፃመ፡ ኣብ ሓደ እንዳ ቤት ብልዒ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ ሑቐ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ኢዱ ከቐምጥን ንሳ ድማ ንተግባሩ ብምቅዋም ክትደፍኦ ይጅምር።

በዚ ዝሓረቐ እቲ ውልቀሰብ ነታ ጓልኣንስተይቲ ከጥቅዓ ይረኣይ፤ ፀኒሖም ድማ ካልኦት ደቂተባዕትዮ ጎቲቶም ናብ ደገ ብምውፃእ ኣብ መሬት ኣውዲቖም ብጉጅለ ክወቕዕዋ ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ይረኣይ።

እቶም ጉጅለ ደቂተባዕትዮ በዚ ኣየብቅዑን፡ ነተን ምስታ ግዳይ ኣብቲ እንዳ ቤት ብልዒ ይምገባ ዝነበራ ካልኦት ደቂኣንስትዮ እውን ኣጥቂዖመን።

ሰብመዚ እቲ ከባቢ፡ ካብ ሞንጎ እተን ደቂኣንስትዮ፡ እተን ክልተ ብዘጋጠመን ጉድኣት ናብ ሆስፒታል ዝኣተዋ እንትኾና፡ እተን ካልኦት ክልተ ድማ ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዝርከባ ገሊፆም።

ትማሊ ቀዳም፡ ኣጀንዳ ማሕበራዊ ሚድያ ቻይና ድማ ብክትዕን ቁጠዐን እዚ መጥቃዕቲ ተዓብሊሉ ዝወዓለ እንትኾን፡ ሃገራዊ ተሌቬዥን ቻይና ድማ ኣብ ልዕሊ እዞም ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ጥርጡራት ብከቢድ ክቕፅዑ ፀዊዑ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ልዕሊ 100 ሽሕ ‘ላይክ’ ዝረኸበ (ዝተፈተወ) ርኢቶ፡ “እዚ ኩሉ ኣብ ልዕለይ ክፍፀም ይኽእል’ዩ፤ ኣብ ኩለና’ውን ከጋጥም ይኽእል’ዩ” ይብል።

ካልእ ተጠቃሚ ማሕበራዊ ሚድያ ድማ፡ “ኣብ 2022 ብኸመይ ከምዚ ዝበለ ነገር ይፍፀም ኣሎ? በይዛኹም ፍርዲ ገበነኛ ሃብዎም፡ ሱቕ ኢልኩም ከይትሰድዎም” ኢሉ ይምሕፀን።