ኢትዮጵያ፡ ኣዋርሕ ደሞዝ ዘይተኸፍሎም ሓካይም እንታይ ይብሉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ማእከላይ ኢትዮጵያ፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ዞባ ሃዲያ ዝርከባ ክልተ ሆስፒታላት ሾኔን ሆመቾን ዝዀኑ ሰብ ሞያ ጥዕና ደሞዞም ብምቍራጹ ብኸፊልን ምሉእ ብምሉእን ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ገይሮም።
ሓኪም መባእታዊ ሆስፒታል ሾኔ ዝዀነ ዶክተር መሓመድ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተቘራረጸ ደሞዝ ይኽፈሎም ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር፡ ሕጂ ስሩዕ ደሞዝ ምሉእ ብምሉእ ካብ ዝቋረጽ ኣዋርሕ ከም ዝሓለፎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“ዝተቘራረጸ ክፍሊት ነይሩ፤ ኣብ ሞንጐ ናይ ሓደ ወርሒ ይኽፈለና ነይሩ። ሕጂ ግን ናይ ወርሒ ነሓሰ፣ መስከረምን ጥቅምንትን ኣይተኸፍለናን” ይብል።
ንሱ ከም ዝብሎ እንተዀይኑ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ንዘቕረቡዎ ሕቶ ምላሽ ብዘይምርካቡ ከኣ እቲ ሆስፒታል ንሒደት መዓልታት ተዓጽዩ ነይሩ።
“እቲ ሆስፒታል ምዕጻው ኣግባብ እኳ እንተዘይኰነ፡ እዚ ግን እቲ በዓል ሞያ ዝወሰዶ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ እዩ ነይሩ” ክብል ዶክተር መሓመድ ይዛረብ።
ነዚ ዝምልከት ንዝቐርቡ ሕቶታት፡ ዝምልከቶም ኣካላት “ዋሕዲ ባጀት” ኣሎ ዝብል መልሲ ከም ዝሃብዎም ድማ ገሊጹ።
እዞም ብዘይ ደሞዝ ናብራ ክደፍኡ ዝተገደዱ ሓካይም እቲ ከባቢ ናብ ስድራኦም ብምኻድ ከም ዝምገቡ ዝገልጽ እቲ በዓል ሞያ፡ ክፍሊት ትምህርቲ ደቈም ንምሽፋን ተጸጊሞም ደቈም ካብ ትምህርቲ ይበዅሩ ምህላዎም ብሓዘን ኣብሪሁ።
“መንግስቲ ኣብ ዘለዎ ሃገር፡ ናይ ሰለስተ ወርሒ ደሞዝ ከይተኸፍለካ በዚ ሕጂ ዘሎ ምኽባር ናብራ ከመይ ኢልካ ይንበር? ምዕጻው እቲ ሆስፒታል ዝስቈሮ ኣካል እንተሃልዩ ወጺኡ ክሓተና ንደሊ ኢና።”
'ከይበላዕና፡ ከይተሰና ከመይ ኢልና ንሕክም?'
ካልእ ስሙ ክጥቀስ ዘይፈቐደ ሓኪም ሆስፒታል ሾኔ፡ ክፍሊት ትርፊ ሰዓትን ደሞዝን ይፍጸም ብዘይምህላው ናብራይ ክመርሕ ኣይከኣልኩን እዩ ዝብል።
ሕብረተሰብ ሰኣን ኣገልግሎት ሕክምና ከይጽገም ብዝብል ጐድኒ ጐድኒ ስርሑ ሕቶኡ ከቕርብ ከም ዝጸንሐ ዝዛረብ እቲ በዓል ሞያ፡ “ብተደጋጋሚ ዘቕረብናዮ ሕቶ ግን መልሲ ስለ ዘይረኸበ ኣድማ ክንገብር ተገዲድና ኢና” ኢሉ።
“ደሞዝ ካብ ዝኽፈለና ሳልሳይ ወርሒ ሓሊፉ። ቅድሚ ሸውዓተ መዓልታት ስራሕና እናሰራሕና ሕቶና ከነቕርብ ጸኒሕና። ንሰለስተ መዓልቲ ኣገልግሎት ህጹጽ ሕክምና ክፉት ገይርና ስራሕ ጠጠው ኣቢልና። ሽዑ ሰብ መዚ መጺኦም ኣዘራሪቦምና። ከይበላዕና፡ ከይሰተናስ ከመይ ኢልና ኢና ንሰባት ክንሕክም?” ብምባል ኣምሪሩ ይዛረብ።
እዚ ሕቶ ኣብ ዘቕርብሉ እዋን “ሕጽረት ባጀት ኣሎ” ዝብል መልሲ ከም ዝወሃቦም ዝገልጽ እቲ በዓል ሞያ፡ “ክንከፍለኩም ኢና ኢሎም ግን ኣይከፈሉናን። ንሕና’ውን ምሉእ ብምሉእ ስራሕ ደው ኣቢልና” ብምባል ነቲ ዘሎ ኵነታት ኣረዲኡ።
“ቅድሚ ሒደት መዓልታት ደሞዝ’ዩ ኢሎም (ናብ ባንክ ሕሳብ) ኣእቲዮምልና። ግን ምሉእ ደሞዝ ኣይኰነን በጺሑና፤ እኳ ደኣ 84 ሚእታዊት ናይቲ ደሞዝና እዮም ከፊሎምና። ሰለስተ ወርሒ ምሉእ ብልቓሕ ኣሕሊፍናዮ።”
እቲ ሕጂ ዝተዋህቦም ደሞዝ እኹል ኣይኰነን ዝብል እቲ ሓኪም፡ “እዚ እንታይ ኢና ክንገብሮ? እንታይ በሊዕና ንስራሕ? እዩ ሕቶና። ሰለስተ ወርሒ ምሉእ ደሞዝ ኣይተኸፍለናን፤ ቁርሲ፡ ምሳሕ እናፈረምና ኢና ንበልዕ ዘለና። ክሳብ ሕጂ ብልቓሕ ብዝምግቡና ሰባት ኢና ጸኒሕና” ኢሉ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ሃዲያ ኣብ ዝርከብ መባእታዊ ሆስፒታል ዝሰርሕ ሽሙ ክርቋሕ ፍቓደኛ ዘይኰነ ካልእ ሓኪም፡ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ናይ ስራሕ ኣድማ ከም ዝገበሩ ኣረጋጊጹ።
እቲ በዓል ሞያ ከም ዝብሎ እንተዀይኑ፡ ክፍሊት ሰራሕተኛታት ድሕሪ ምቍራጹ እቲ ሆስፒታል ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ምሃብ ጠጠው ካብ ዘብል 10 ኣዋርሕ ገይሩ ኣሎ።
“ሕጂ እቲ ሆስፒታል ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ኣይህብን። ናይ ትርፊ ሰዓት ክፍሊት ስለ ዘይክፈለና ከም ሆስፒታል ዘይኰነ ልክዕ ከምቲ ካልእ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኢና ንሸሞንተ ሰዓታት ጥራይ ንሰርሕ ዘለና” ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ “ካልእ ተሪፉ ኣብ ሰዓት ምሳሕ ወላድ እንተመጺኣ ኣገልግሎት ዝህባ የለን። ደቂሱ ዝሕከም ሕሙም ኣብቲ ሆስፒታል ኣገልግሎት ኣይረክብን። ናብ ካልእ ሆስፒታል’ዩ ሪፈር ዝጽሓፈሉ” ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ዝምልከቶም ኣካላት ነዚ ጸገማት ክፈትሑ ዘይምኽኣሎም ከም ዘተሓሳስቦ ዝገልጽ እቲ በዓል ሞያ፡ “ኣብ ሓሰ 70 ሚእታዊት ደሞዝኩም ይእተወልኩም ተባሂልና። በጃኹም በዓል ተለቂሕና ኢና ነሕልፍ ዘለና ኢለን ዝበኸያ ኣደታት እዝክር’የ። ዋላ ሓደ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢሎም ኣብ መፋርቕ መስከረም 70 ሚእታዊት ናይ ነሓሰ ደሞዝና ከፊሎምና” ይብል።
በዚ ምኽንያት፡ “ንሕና ጥራይ ዘይኰንና እቲ ሕብረተሰብ’ውን’ዩ ኣብ ጸገም ወዲቑ ዘሎ። ንሕና ቅሩብ እንተሓገዝናዮ ብዝብል ኢና ንሸሞንተ ሰዓታት ንሰርሕ ዘለና። ሕጂ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኴንካ ናብራ ክትመርሕ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ። ኣብ ርእሲኡ ደሞዝ ዘይምኽፋል እንታይ ከም እትገብር እዩ ዝጨንቀካ” ክብል መረረኡ ይገልጽ።
ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ “ስድራ ዘለዎም ኣቝሑ ገዛኦም ክሸጡ ከም ዝጀመሩ ሰሚዐ ኣለኹ። ተሌቪዥን፡ ዓራት፡ ዝኣመሰለ ኣቝሑ እናሸጡ ናብራኦም ከካይዱ ይፍትኑ ኣለው” ኢሉ።
እቶም ሓካይም ከም ዝብልዎ፡ ክልቲኦም ሆስፒታላት ልዕሊ 800 ሰራሕተኛታት ዝሓዙ’ዮም።
ቢቢሲ እዞም ሰብ ሞያ ዘቕረብዎ ቅሬታ ዝምልከት ካብ ቢሮ ጥዕና እቲ ዞባ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







