15 ኣዋርሕ ደሞዝ ዘይተኸፍሎም ሰብ ሞያ ሕክምና ትግራይ

ሕክምና መጥባሕቲ ዘካይዱ ዘለው ሓካይም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ናብ ኲናት ቅድሚ ምእታዎም፡ ገዛኦም መሊኡ፡ ደቈም ናብ ቤት ትምህርቲ ዝልእኩ ንቤተሰቦምን ፈተውቶምን ዝዀኑ ሰባት’ዮም ነይሮም።

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓካይም፡ መምሃራን ዩኒቨርሲቲን ካልኦት ኣብ ትሕቲ ትካላት መንግስቲ ፌደራል ዝነበራ ኣብያተ ዕዮ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ግን፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበሮም ህይወት ነቲ ሕጂ ዘሎ ዝመስል ኣይኰነን።

ንልዕሊ ሓደ ዓመት ወርሓዊ ደሞዝ ከም ዘይተኸፍሎምን ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጸገማት ተቓሊዖም ምህላዎምን ይግለጽ።

ሕጂ፡ እቲ ኲናት ሓድሕድ ተጋዲዱ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ተቛሪጹ፡ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት እዅል ኣብ ዘይኰነሉ፡ ኵሉ ሰብ ኢድ ሰብ ዝጽበ ከም ዝተገደደ ይንገር።

እተን ንኻልኦት ዝበጽሓ ዝነበራ ኣእዳው ንምጽዋት ዝዝርግሓ ኰይነን ኣለዋ፤ ንዝኣቱን ዝወጽእን እንጀራ ዝቝረሶ ዝነበረ መሶብ ጾሙ ይሓድር ኣሎ።

ዕድል ዝገበረ ክኣ፡ 15 ኪሎ ሕሩጭ ስርናይ ረድኤት ተቐቢሉ ደቁ ይዕንግል።

እቲ ዋላ ሓደ ክገብር ዘይክኣለ ድማ፡ ‘ዝሓሸ መዓልቲ ንኽመጽእ’፡ ኲናት ከብቅዕን ሰላምን ርግኣትን ክዓስል ይጽሊ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን እቲ ዝዓርግ ዘሎ ከቢድ ኲናት ነቲ ድሮ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ኣሰቃቒ ዝዀነ ኵነታት ከጋድዶ ከም ዝኽእል የጠንቅቝ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ ሰነ 2021 ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ጋዜጠኛታት ናብቲ ክልል ክኣትው ኣየፍቐደን፤ ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል ማሕበራዊ መራኸቢታት ተቛሪጾም ብምህላዎም፡ ስፍሓት ናይቲ ግጭትን ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝምልከት ምስሊ ክትህብ ኣጸጋሚ እዩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ኣብ ገዛኹም ህይወት እንታይ ይመስል ክብል ሓቲቱዎም።

ነሓሰ 2022፡ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ክኢላ መጥባሕቲ ዝዀነ ዶክተር፡ ንነዊሕ ኣዋርሕ ወርሓዊ ደሞዙ ከም ዘይተቐበለ ብምግላጽ፡ “ዕድል ገይሩ” እቲ ንኣዋርሕ ክጽበዮ ዝጸንሐ ብትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዝወሃብ ስርናይ ከም ዝተቐበለ ኣብ ትዊተር ኣስፊሩ ነይሩ።

ኩነታት ጥዕና ህጻናት ትግራይ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዶክተር ፋሲካ ዓምደስላሴ፡ “ምስቶም ህይወት ንምድሓን ዝኸውን መግቢ ዘይረኸቡ ሚልዮን ህጻናት ብምንጽጻር፡ ደቀይ ዕድለኛታት እዮም” ብምባል ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዝሃቦ ሕሩጭ ስርናይ እናተቐበለ ዘርኢ ምስልን ጽሑፍን ጠቂዑ።

“ረድኤት ምስ ረኸብኩ፡ ብጣዕሚ እየ ተሓጒሰ፤ ካብዚ ንታሕቲ ምጥፋእ፡ ምሕማምን ምሟትን’ዩ ዝመጽእ። ብዙሓት ደሓን ህይወት ዝነበሮም፡ መምሃራን . . . ናብ ጐደናታት ወጺኦም ኢና ንርኢ ዘለና፤ ዝስከሙ፡ ሳሙና ዘርጊሖም ዝሸጡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣለው። ሕጂ ውልቃዊ ክብሪ ዘይኰነ ብህይወት ምጽናሕ’ዩ እቲ ዓቢይ ነገር” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና ዝሰርሕ ካልእ ዶክተር፡ ካብ 30 ሰነ 2013 ዓ.ም [ግእዝ] ጀሚሩ፡ ክሳብ ሕጂ ወርሓዊ ደሞዝ ከም ዘይተቐበለ ብምግላጽ፡ “ብምሉኦም መሳርሕተይ ኣብ ጸገም’ዮም ዘለው” ክብል ይገልጽ።

እቲ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብቲ ሆስፒታል ዘገልገለ ዶክተር፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ቈልዓን’ዩ።

“ናብራይ እናመራሕኩ፡ ንወለደይ’ውን ይሕግዝ ነይረ። ሕጂ ግን፡ ኣነ ተመሊሰ ከም ትሕቲ ወዲ 18 ዓመት ቈልዓ ብወለደይ ይሕገዝ ኣለኹ። ምስኦም፡ ካብታ ኣብ ገጠር ዝረኸብዋ እናተኻፈልና ንነብር ኣለና” ኢሉ።

መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ማዕረ እቲ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ተጸበይቲ ረድኤት ኰይኖም’ዮም እትብል ነርስ ፍረ ብወገና፡ “ካብ ሓረስቶት ኣዝማድን ኣሓትን እናተቐበልኩ’የ ህይወተይ ዝመርሕ ዘለኹ” ትብል።

ቅድሚ እቲ ኲናት’ውን እንተዀነ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ክልል ዝጸንሐ ማሕበራዊ ጸገማትን ውሑድ ዕድላት ስራሕን ብርክት ዝበላ ስድራቤታት ኣብ ዓርሰ ምትሕግጋዝ ተመርኲሰን እየን ክናበራ ጸኒሐን።

“ሓላፍነት ቤተሰብን ኣዝማድን ወሲዱ ከም ዝነብር ዜጋ፡ ደሞዝ ከይተኸፈለካ ቈልዑ ምዕባይ ከቢድ እዩ። በሊዕካ ብህይወት ምጽናሕ ከቢድ ኰይኑ እናሃለወ፡ ብስነ ምግባር ሕክምና ንህይወት ካልእ ክትግደስ ስለ ዘለካ፡ እቲ ሰራሕተኛ ስራሕ ክቋረጽ የብሉን ብምባል ጾሙ እናሓደረ ናብ ስራሕ መጺኡ እናወደቐ’ውን’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ” ትብል።

መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር፡ ኣብ ትሕቲ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝቘመ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኰይኑ፡ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ድማ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ዝመሓደራ እየን።

በዚ መሰረት፡ ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ክህቡና ብተደጋጋሚ ብተሌፎንን ናይ ጽሑፍ መልእኽትን ዝተወከስናዮም ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ቤት ዕዮ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስትሪ ጥዕና ምላሽ ኣይሃቡን።

ስርዓተ ህክምና ትግራይ ዓንዩ'ዩ

‘ንተሓከምቲ መግቢ ብልዑ ምባል ይኸብደና’

ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል፡ መወዳእታ ግንቦት 2013 ዓ.ም [ግእዝ] ደሞዝ ምስ ተኸፍሎም፡ ኣብ ሰነ እቲ ዓመት ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቍጽጻሮም ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ደሞዝ ከም ዘይመጽኣሎም ይገልጹ።

ኣብቲ ክልል፡ ኣገልግሎት ባንክን መጓዓዝያን ካብቶም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝተቛረጹ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኰይኖም፡ ኣብ ዕዳጋ ዝቐርቡ መሰረታዊ ሸቐጣት ብኮንትሮባንድ ካብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝመጽኡ ከም ዝዀኑ ምንጪታት ቢቢሲ የረድኡ።

በዚ ምኽንያት፡ ዋጋ ሃለኽቲ መግብታት ብሰንኪ ሕጽረት ነዳድን ክብሪ መጓዓዝያን ስለዘይልከፍ፡ ዋሕዲ ገንዘብ እውን ስለዘሎ ናብራን ሃለዋትን እቲ ህዝቢ ከቢድ እዩ ዘሎ።

“ንባዕልኻን ደቅኻን ክትከውን ዘይምኽኣል ናይ ምንባር ዕላማኡ ክጠፍኣካ’ዩ ዝገብር። ማኮሮኒ፡ ሩዝ፡ ዘይቲ ዋግኦም ክቡር እዩ” ክብል ሓደ ስሙ ክዕቀብ ዝሓተተ ዶክተር ገሊጹ።

መብዛሕትኡ ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ ኣብ ክራይ ገዛ ዝነብር ብምዃኑ ድማ፡ ገንዘብ ዘይምህላው ንተኻራይን ኣካራዪ ገዛን ኣብ ዓቢይ መዋጥር ዘእቱ ኵነታት ፈጢሩ’ዩ ብምባል ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ መምህርን በዓል ሞያ ጥዕናን ዝዀነ ውልቀ ሰብ ሓቢሩ።

“ኣነ፡ ካብ ገጽ ሰብ ክውል ንኽብል ሙቐት ዋላ ኣይሃልዎ፡ ኣብ ዘይተወድአ ገዛ 70 ካሬ እየ ዝነበር። መብዛሕትኡ ንታክሲ ዘይብሉ ገዛ ክራይ ክኸፍል ኣይክእልን። መብራህትን ማይን ፈጺሙ ኣይሕሰብን። እንሰትዮ ማይ ካብ ጉድጓድ እዩ ዝመጽእ፤ ነዚ መሐከሚ መድሃኒት ኣይርከብን፤ ከይነፍልሖ እውን ዕንጸይቲ እንገዝኣሉ ገንዘብ የለን። ጸሓይ ከይዓረበት እታ ዘላትና በሊዕና ድሕሪ ሰዓት 12 [ናይ ምሸት] ኣብ ዝረኸብናዮ ተገምሲስና ንሓድር” ይብል።

እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕጽዋ ብሰንኪ ምንውሑ፡ ሓካይም ኰነ ተሓከምቲ ሓገዝ ኣልቦ ኰይኖም’ዮም ዝብሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ባይታ ዘቢጡ፡ ቀረብ ኣገደስቲ መድሃኒታት ተመናሚኑ ሕሙማት መንሽሮ፡ ኩሊትን ሽኮርን ኣብ ኢዶም ይሞቱዎም ከም ዘለው ይጠቕሱ።

ህጻናት፡ ቀንዲ ተጠቃዕቲ ብሕጽረት መግቢ ዝመጽኡ ሕማማት ኰይኖም’ዮም ዝብሉ እዞም ሓካይም፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ኣስታት 2500 ህጻናት ከም ዝሞቱ ቢቢሲ ዝረኸቦ መረዳእታ የመልክት።

ሕክምና ዝህቡ ዘለው ሓካይም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት፡ እቲ ኲናት ኣሰካፊ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘስዓበ፡ ኣሽሓት ሰባት ከም ዝተቐትሉን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ከም ዘመዛበለን ይገልጹ።

“እቲ ዘሎ ኵነታት ኣሰካፊ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ንሕና ብዘይ ደሞዝ ምስራሕና ጥራይ ዘይኰነ እቲ ጸገም ዝያዳ ኣብ ተሓከምቲ ክትሪኦ እንከለኻ ዝኸበደ ይገብሮ። ጠሚኻ መጺእካ፡ ዝጠመዩ ክትሕክምን፡ ከምዚ ዓይነት መግቢ ብልዑ ክትብልን ይኸብደካ። እቲ እንሰርሐሉ ዘለና ሆስፒታል እንተዀነ’ውን ዳርጋ ናብ ምዕጻው ዝኸደ እዩ” ክብል ሓደ ስሙ ክዕቀብ ዝመረጸ ዶክተር ተዛሪቡ።

ወሲኹ፡ “መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ስራሕ ኢና ነሕልፎ፤ ኣብታ ዘላትና ግዜ ክኣ ረድኤት ሎሚ’ዶ ጽባሕ ክወሃበና ይኸውን እናበልና እናሓተትና ንውዕል። ወለደይ ሕርሻ ኣለዎም፤ ሕጂ ንሶም’ዮም ዝሕግዙኒ ዘለው፤ ተሌፎን ስለ ዘይሰርሕ ግን ረኺበዮም ስለ ዘይፈልጥ፡ ብሰብ እዮም ዝልእኩለይ” ኢሉ።

ነርስ ፍረ፡ እቲ ዘላቶ ህይወት “ብልግሲ ፈጣሪ ኢና ንነብር ዘለና” ብምባል ትገልጾ። ንሳ፡ ኣደ ትሕቲ ሸውዓተ ዓመት ዝዀኑ ቈልዑ ኰይና፡ ደቃ ቅድሚ ሕጂ ዝለመዱዎ መግቢ ከተቕርበሎም ክሓቱዋ እንከለው ከም ዝጨንቃ ትዛረብ።

“በሊዖም ዘይሓድሩሉ ግዜ ስለ ዘሎ፡ ነዚ መልሲ ክትስእን እንከለኻ ዝስምዓካ ቃንዛ ከቢድ እዩ፤ ብጭንቀት ክኣ ዓርስኻ ከይትጐድእ ትፈርሕ።”

ኣብ መጀመርታ ሰነ 2022፡ ሜዲካል ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ክብሮም ገብረስላሰ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ዝዓበየ ሆስፒታል ዓይደር ብሰንኪ ምቍራጽ መብራህቲን ስእነት መድሃኒትን ስሩዕ ስርሑ ደው ከም ዘበለ ገሊጹ ነይሩ።

ይዅን’ምበር፡ ብሰንኪ እቶም ተደራረብቲ ጸገማት እቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት ክንዲ ዝድለ ዕግበት ዋላ ኣይሃልዎ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል፡ ካብ ዘለዎም ውልቃዊ ጸገማት ብዝብገስ ስራሕ ደው ንምባል ‘ሓሲቦም ኣይፈልጡን’ ክትብል ነርስ ፍረ ትገልጽ።

“መንግስቲ ግዴታኡ ይፍጽም ከም ዘየሎ ይፈልጥ’የ፤ ግን ኣነ ብዘይምምጽአይ ዝጠፍእ ህይወት ኣሎ’ዩ ኢለ ስለ ዝሓስብ እየ ናብ ስራሕ ዝመጽእ" ትብል እታ ነርስ።

"ጽባሕ ንግሆ መን’ዩ ክነብራ እዛ ዓዲ? ሰአን መድሃኒት፡ መግብን ኦክስጅንን ብዙሕ ተሓካሚ ሞይቱ’ዩ። ግን ነቲ ብህይወት ክተርፍ ዝኽእል ሰብ ብምትራፈይ ውጽኢታዊት እየ ኢለ እሓስብ” ዝብል እምነት ከም ዘለዋ'ውን ትዛረብ።

‘ሓሊምናዮ ዘይንፈልጥ ሕሰም’ዩ’

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጥምየት

ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ምስ ቢቢሲ ቃለ መጠይቕ ዝገበረ ዶክተር ፋሲካ ዓምደስላሴ፡ ናይ ሞያ ብጾቱን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ህይወት ክብደት ናይቲ ጸገም ዝገልጽ ኣይኰነን ኢሉ ነይሩ።

“ብጋህዲ ዝነብሮ ዘለኹ ህይወት ስለዝዀነ ስምዒታተይ ተጸንቂቝ’ዩ” ዝበለ እቲ ዶክተር፡ “ስምዒታትና ክንሕሉ ጻዕሪ ንገብር ኣለና፤ እቲ ጸገም ክሳብ ዘይተቐረፈ ክንደይ ዝኣክል ጾር ከም ዝተሸከምና ክንፈልጦ ኣይንኽእልን” ኢሉ’ዩ።

ዶክተር ፋሲካ ንርእሱ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝቕመጡ መሓዙቱን ኣዝማዱን ብዝልኣኸሉ ተቘራሪጹ ብዝበጽሕ ገንዘብ ከም ዝናበር እዩ ዝገልጽ።

ግን ከኣ፡ ኵሉ ሰብ ካብ ወጻኢ ገንዘብ ዝልእከሉ ሰብ ኣለዎ ማለት ስለ ዘይኰነ፡ ኣዝዮም ዝተጸገሙ ሰራሕተኛታት ከም ዘለው ይዛረብ። ብሰብኣዊ ረድኤት ዝመጽአ ስርናይ ተቐቢሎም ንመጥሓኒ እኽሊ ዝኸውን ገንዘብ ዝጽገሙ ብዙሓት’ዮም።

“ቁርሲ ከይበልዑ መጺኦም ኣብ ስራሕ ዝወደቝ ነርሳት ኣለው፤ ናይ ብሓቂ ዘሕዝን ኵነታት እዩ ዘለናዮ። ሓንቲ ነርስ፡ ሰብ ዘምጽኦ መግቢ’ውን ጠዓሚ ተባሂላ፡ ደቀይ ቁርሲ ከይሃብኩዎም እየ መጺአ ኢላ በኽያ፤ ብጸገም ናብ ልመና ዝወጽኡን ናብ ቤተሰቦም ዝኸዱን’ውን ኣለው።

እቲ ዘለናሉ ህይወት ‘ሓሊምናዮ ዘይንፈልጥ ሕሰም’ዩ’ ዝብል መምህርን በዓል ሞያ ጥዕናን እቲ ሆስፒታል ዝዀነ ካልእ ዶክተር ብወገኑ፡ ብምኽንያት ምቍራጽ መጓዓዝያን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ደሃይ ኣብ ገጠራት ዘለው ስድራቤቱ ክፈልጥ ከም ዘይክኣለን ብእግሩ ስለ ዝጓዓዝ ናብ ስራሕ ደኺሙ ከም ዝኣቱን ገሊጹ።

“እቲ ህይወት ዘለናዮ ብቓላት ዝግለጽ ኣይኰነን፤ ስራሕ ግን ኣየቋረጽናን። ካልእ እንተተረፈ እቶም ተሓከምቲ መድሃኒት እንተስኣኑ እውን ‘ኣጆኻ’ ንምባል ክንርሕቘም ስለ ዘይብልና ኢና ንኸይድ። ነቲ ዝጠመየ'ኳ እንተዘየብላዕኩዎ፡ ነቲ ዝሓመመ ግን እታ ዘላ መድሃኒት ሂበ ብህይወት ከም ዝጸንሕ ክገብር እኽእል እየ።”

እቶም ዶክተራትን ነርሳትን እቲ ሆስፒታል ብፌደራል መንግስቲ ዝተቘጸሩ ስለ ዝዀኑ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ደሞዝና ኰነ ተባሂሉ’ዩ ተታሒዙ ዝብል ቅሬታ ኣለዎም።

“ብዙሓት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት፡ ገንዘብ እናምጽኡ ንሰራሕተኛታቶም ይኸፍሉ እዮም፤ እቲ ዝቘጸረና ኣካል ግን ስቕ ኢሉ። ባንክ ዕጽው’ዩ፤ ዝዓቘርኩዎ ገንዘብ ኣብ ግዜ ጸገም ከይጥቀመሉ’ውን ተኸሊአ እየ ዘለኹ። ይግባይ ዘይብሉ ፍርዲ” ክብል ሓደ ካብኣቶም ቅሬታኡ ገሊጹ።

“እቲ ኣመና ዘተሓሳስብኒ ጉዳይ፡ እቲ ኵነታት መዓስ ከም ዝውዳእ እዩ። እቲ ዝልእኽ እውን ክስልችዎ’ዩ፤ ደቅና ሒዝና ከይንወጽእ እቲ መገዲ ስደት ብእግሪ ስለ ዝኽየድ፡ ወተሃደራት ከይቐትሉኻ ትሰግእ። ብዅሉ ተዓጽዩ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ ጠሚኹም ጥፍኡ ዝዓይነቱ እዩ ዘሎ” ብምባል ሓደ ዶክተር ስግኣቱ ገሊጹ።