'ሓደ እዋን ዘሐጕሱኒ ዝነበሩ ትርጕም ስኢነሎም - ሰብ ጸሊአ' እቲ ጠንቂ ግን እንታይ'ዩ?

ሰላምን ቃልኣብን

ምንጪ ስእሊ, SELAM/KALEAB

ቃልኣብ ሰሎሞን ብዙሓት ኣዕሩኽ ኣለዎዎ። ኣብ ዝኸዶ ድማ ተጻዋትን መድመቒን እዩ።

ይስሕቕ፡ ሰብ’ውን የስሕቕ፤ ስድራኡን ኣዕሩኽቱን ነዚ እዮም ዝፈልጡ ዝፈልጡ።

ንሱ’ውን "ኣዝየ ተጻዋታይ’የ ነይረ" ይብል።

ኣብ ዝዀነ እዋን ግን ቅዛነት ሓዲርዎ። ዘሐጕስዎ ዝነበሩ ነገራት 'ጸሊእዎም'፤ ተገዳስነቱ ነክዩ። ካብ ኣዕሩኽቱ ክርሕቕን ንበይኑ ክኸውንን ምምራጽ ጀሚሩ።

“ኣዝየ መዕረምረሚ ኰይነ። በይነይ ክኸውን ከለኹ እሓዝን፡ ብዙሕ ይበኪ ነይረ” ብምባል ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝነበሮ ኵነታት ይዝክር።

ኣዕሩኽቱ ብዙሓት’ኳ እንተዀኑ፡ እቶም ጸገሙ ዝርድኡ ግን ክልተ ጥራይ እዮም።

ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድመኡ ከቢድ ቅዛነት ዝፈጠሩሉ፡ ክዝክሮም ዘይደልዮም ተዘክሮታት ንእስነቱ ምንባሮም ይዛረብ።

ቅዛነት እንታይ እዩ?

ቃልኣብ፡ ቅዛነት "ሓደ ሰብ ክፍጽሞ ዝግባእ ነገር ከይፍጽም ዝገብር ስምዒት’ዩ" ይብል። እዚ ድማ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመኵሮ ተበጊሱ ዝሃቦ ትርጕም’ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰላም ኣታላይ ብወገና "ካብ ሕሉፍ ግዜ እነምጽኦ በሰላ ተደራሪቡ ንመዓልታዊ ህይወትና ክጸልዎ ከሎ፡ ትማሊ ዘሐጕሰና ዝነበረ ነገር ሃንደበት ኣብ ሕቶ ኣብ ዝኣትወሉ" ቅዛነት ክኸውን ከም ዝኽእል ትገልጽ።

ሰላም ኣማኻሪት ስነ-ልቦና እያ።

"ቅዛነት ክስምዓና እንከሎ፡ 'ኣብዛ ዓለም ነበርኩ ኣይነበርኩ፡ ዝውስኾ ወይ ዘጕድሎ ነገር የለን፤ ብዛዕባይ ዝግደስ ሰብ የለን፡ ኣብ ህይወት ዋላ ሓንቲ ዋጋ የብለይን' ዝብል እኩይ ድምጺ ኣዝዩ እናጐልሐ ይመጽእ" ትብል።

ሰላም ንገዛእ ርእሳ፡ ተምሃሪት ካልኣይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብቅዛነት ትሳቐ ከም ዝነበረት ትዛረብ።

"ቀዳማይ ዓመት ከም ዋዛ’የ ተማሂረ" ትብል፡ ለውጢ፡ ሃዋህው ቅዛነት ከም ዘስዓበላ ትጠቅስ።

ቃልኣብን ሰላምን፡ ብዙሓት ሰባት ቅዛነት ከም ቀሊል ነገር’ዮም ዝቘጽርዎ ብዝብል ሓሳብ ይሰማምዑ።

"ገለ ሰባት 'ጽቡቕ ህይወት እናነበርካ ከመይ ጌርካ ተዕረምርም?' እንታይ ጐዲሉካ? ንሕና’ኮ ካብዚ ዝኸፍአ ነገር ሓሊፍና ኢና' ይብሉ" ይብል ቃልኣብ።

ሰላም ድማ "ካብቲ ቅዛነት ንላዕሊ ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ዘይርአ ነገር ምግላጽ’ዩ ከቢዱኒ። ምኽንያቱ ኣብ ሃገርና ሓደ ሰብ 'ቅዛነት ተሰሚዑኒ' እንተኢሉ ከም ሕንቃቐ’ዩ ዝርአ... ስለዚ ካብዚ ንምህዳም ንሰብ ኣይነግርን ነይረ" ትብል።

ሰላም፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስነ-ልቦና’ያ ተማሂራ። ምስኣ ብሓባር ዝምሃሩ ሰባት ከይተረፉ ነቲ ኵነታታ ክርድእዎ ዘይምኽኣሎም፡ ክሳብ ክንደይ ቅዛነት ከም 'ቀሊል’ ነገር ከም እንወስዶ ዘርኢ ምዃኑ ትገልጽ።

ብሓቂ ግን ቅዛነት ቀሊል ኵነታት ኣይኰነን።

"ቅዛነት ቀታሊ ሕማም’ዩ" ይብል ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ፕሮፌሰር ሰሎሞን ተፈራ። 15 ሚእታዊት ካብቶም ብቅዛነት ዝሳቐዩ ሰባት ነብሰ ቅትለት ከም ዝፍጽሙ መጽናዕትታት የመልክቱ ይብል።

ስለዚ ቅዛነት ከቢድ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ’ዩ።

ፕሮፌሰር ሰሎሞን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ሓኪም ስነ-ልቦና’ዩ፤ ብተወሳኺ ኣብ ማእከል ጥዕና ኣእምሮን ተሃድሶ ወልፍን ሬኔይዛንስ ኣካያዲ ስራሕ እዩ።

ንሱ፡ ቅዛነት ሓደ ካብቶም ልሙዳት ጸገማት ምዝንባዕ ጥዕና ኣእምሮ ከም ዝዀነ ይዛረብ።

ካብ 5 ክሳብ 10 ሚእታዊት ሓፈሻዊ ህዝቢ፡ እዚ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከጋጥሞ ከም ዝኽእል’ውን ይገልጽ።

እቲ ክኢላ ከም ዝብሎ፡ ኣእምሮ ናይ ምሕሳብ፡ ናይ ስምዒትን ናይ ባህርን ተግባራት ኣለዎ። ቅዛነት፡ ምዝንባዕ ተግባራት ስምዒት (mood disorder) ከስዕብ ይኽእል።

ቀሊል፡ ማእከላይን ከቢድን ደረጃ ኣለዎ፤ ከቢድ ቅዛነት ንባዕሉ ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዎ’ዩ።

ጠንቂን ምልክታትን ቅዛነት

ቃልኣብ "ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ጽምዋ ይስምዓኒ ነይሩ" ብምባል፡ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ዘሕለፎ 'ሕማቕ ግዜ' መንቀሊ’ቲ ኵነታት ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ ቃልኣብ 'ሸለል' ዝተበሃለ ኰይኑ ተሰሚዕዎ። እዚ ድማ ቅሬታ ወሊዱ።

ድሕሪ ዓመታት ኣብ ፍቕራዊ ህይወቱ ዘጋጠሞ ጸገማት ምስቲ ኣብ ግዜ ቍልዕነቱ ዝነበረ ሕማቕ ተዘክሮታት ተደሚሩ ንቅዛነት ኣቃሊዕዎ።

እዚ ድማ "ናብ ሓያል ጭንቀት (anxiety) ተቐይሩ። ነፍሰይ ተናዊጻ። ሓሳባተይ ኣብ ኵሉ ፋሕ ኢሉ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ኣይረግእን፤ ካብ ልበይ ዝገብሮ ነገር ኣይነበረን።”

ጽምዋ፡ ሓዘን፡ ብኽያትን ዓቕሊ ጽበትን መግለጺኡ ኰይኖም ነይሮም።

ቃልኣብ ካብቲ ጽምዋ ኣዝዩ ይርሕቕ ነይሩ። ንምንታይ?

“[በይነይ ክኸውን ከለኹ] ሓሳባተይ ደስ ኣይብሉንንየ። ብዛዕባኦም ኣጕሊሐ ክሓስብ ኣይደልን። ምስ ሓደ ሰብ ክኸውን ከለኹ ድማ ምስ ቅኑዕ ሰብ ኣብ ቅኑዕ ግዜን ቦታን ዘለኹ ኰይኑ ኣይስምዓንን። ኣእምሮይ ምስ ቅኑዕ ሰብ ኣይኰንካን ዘለኻ ኢሉ ኣዝዩ ይሓስብ" ይብል።

በይኑ ምስ ዝኸውን ሓሳባቱ ከበድቲን ኣሉታዊን እዮም።

“ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት ኣዝየ ይሓስብ ነይረ። ‘ትርጕም ህይወተይ እንታይ እዩ? 'ኣነ መን እየ?' ኢለ እሓትት። እዚ ድማ ብሰንኪ ኣብ ንእስነተይ ዝስምዓኒ ዝነበረ ሸለል ናይ ብምባልን ስምዒት ጽምዋን ዝመጸ’ዩ። [ስድራይ] ዝከናኸኑኒ ኣይመስለንን ነይሩ” ይብል።

ሰላም ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ዝጸንሐ ቅዛነት፡ ሓሳባታ 'ላዕልን ታሕትን' ይብሉ ነይሮም።

"ንገዛእ ርእሰይ ኣብ ዝነጸልኩሉ እዋን 'ጾር ስለዝዀንኪ ምስ ሰብ ክትኰኒ የብልክን' ኢለ ይሓስብ ነይረ። ድሕሪኡ በብቕሩብ ተቐይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን [እቲ ሓሳባት] ኣሉታዊ’ዩ” ትብል።

ፕሮፌሰር ሰሎሞን፡ ቅዛነት ሓያሎ ምልክታት ከም ዘለዎን፡ ካብዚኦም እቶም ክልተ መሰረታዊ ከም ዝዀኑን ይገልጽ።

እቲ ቀዳማይ "ብርቱዕ ጭንቀትን ጓህን ሓጐስን ምስኣንን" ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ "ቅድሚ ሕጂ ዘዘናግዕን ዘሐጕስን ብዝነበሩ ነገራት ክትሕጐስ ዘይምኽኣል" እዮም።

"ካብዞም ክልተ ነገራት ሓደ እንተሃልዩ፡ ምልክት [ህላወኡ] እዩ" ይብል።

ኣብ ሓንጐል ዝውሕዝ ጸዓት ስለዝንኪ ቀስ ኢልካ ምሕሳብ ወይ "ድኻምን ቅዝዝ ምባልን" ካልእ ምልክት ቅዛነት’ዩ።

ስእነት ሸውሃት ወይ ሓሓሊፉ ልዑል ሸውሃት እውን ምልክት ቅዛነት ክኸውን ከም ዝኽእል ፕሮፌሰር ሰሎሞን ይሕብር።

ምኽንያት ዘይብሉ ድኻም፡ ትኹረት ምስኣን/ምርሳዕ፡ ምንካይ/ምዝንባዕ ድቃስ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ብኣሉታዊ ሓሳባትን ዝተጋነነ ስምዒት በደልን ምጽማድ፡ ህይወት ምጽላእ/ድሌት ሞት፡ ከምኡ'ውን "ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ክበጽሕ ከሎ" ነብሰ ቅትለት ምሕሳብ ወይ ምፍታን ገለ ምልክታት ቅዛነት እዮም።

እዞም ስምዒታት፡ እንተወሓደ ንኽልተ ሰሙን እንተቐጺሎም፡ ቅዛነት ከም ዘሎ ከመልክቱ ይኽእሉ።

ኣብዚ ክልተ መሰረታዊ ነጥብታት ምዝካር ከም ዘድሊ ድማ እቲ ፕሮፌሰር የስምር።

ቀዳማይ፡ "ግዝያውን ሓጺርን ናይ ስምዒት ምልውዋጥ ወይ ጭንቀት ኣብ ዝዀነ ሰብ ከጋጥም ይኽእል'ዩ።"

ካልኣይ፡ በዞም ምልውዋጣት ስምዒት “ኣዚኻ ምርባሽ፡ ንምስራሕ ወይ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ንምስታፍ ብዘጸግም ደረጃ” ጽልዋ እንተሕዲሩ ምስ ቅዛነት ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል።

ስለዚ ብሓደ ስምዒት ዝግለጽ ዘይኰነስ ድምር ብዙሕ ስምዒታት’ዩ።

ፕሮፌሰር ሰሎሞን፡ ቅዛነት ብውርሻ ክመጽእ ከም ዝኽእል’ዩ ዝጠቅስ።

እዚ ማለት ግን ንቅዛነት ዘለዎም ተቓላዕነት ይወርሱ እምበር ብቐጥታ ብቅዛነት ይጥቅዑ ማለት ኣይኰነን።

ብተወሳኺ ንልዑል ጭንቀት ምቅላዕ፡ በሰላ ኣእምሮ (Trauma)፡ ጸቕጢ፡ ኣካላዊ መጥቃዕቲን ጾታዊ ዓመጽን ዝኣመሰሉ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ጸገም ዘስዕቡ ኵነታት’ውን ጠንቂ ቅዛነት ክዀን ይኽእሉ እዮም።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣልኮላዊ መስተታትን ሓሽሽን፡ ከም መንሽሮ ዝኣመሰሉ 'ሕዱር' ሕማማትን "ውሱናት መድሃኒታትን" ጭንቀት ከስዕቡ ከም ዝኽእሉ እቲ ክኢላ ይገልጽ።

እዚኦም ከም ግዳማዊ ጠንቂ ጭንቀት ክቝጸሩ እንከለዉ፡ ውሽጣዊ ጠንቅታት እውን ኣለዉ።

ፕሮፌሰር ሰሎሞን ከም ዝብሎ፡ “ገለ ሰባት ብዘይ ገለ ምኽንያት ምልክታት ጭንቀት ከርእዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሓንጐሎም ኣእምሮኣዊ ምልዕዓል ዝፈጥሩ ዝተወሰኑ ንጥረ ነገራት ምስ ዝጐድሉ" ቅዛነት ክስምዖም ይኽእል።

ሰላም ብቅዛነት ኣብ ትሳቐየሉ ዝነበረት እዋን፡ ሰባት ዝሕግዝዋ ስለዘይመስላ ምስ ሰብ ተፈላልያ’ያ።

"ካብ ሽዑ ጀሚረ ብኡ ኣቢለ ተፈልየዮም ዝተረፍኩ ሰባት ኣለዉ" ትብል። እንተዀነ ኣብ ቅዛነት ዘሕለፈቶም ኣዋርሕ ብዙሕ ከም ዝመሃርዋ’ያ ትዛረብ።

ቃልኣብ’ውን ተመሳሳሊ ሓሳብ’ዩ ዘለዎ። ኣብ ስድራ፡ ስርሑን ኣብ ፍቕራዊ ህይወቱን ከይተረፈ ጽልዋ ኣሕዲሩሉ’ዩ።

ግን "ዝያዳ ተጠቒመ" ይብል። ካብቲ ስምዒት ምስ ወጸ ንነብሱ ክርድኣ፡ ንሰባት ቦታ ክህብን ዝያዳ ክነብርን ድሌት ኣሕዲሩ።

ግን ካብቲ ኵነታት ብኸመይ ወጺኦም?

ኣብ ጭንቀት ዘላ መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቃልኣብ ኣብ ካልእ ከተማ ክዘናጋዕ ወጺኡ ከይተዘናግዐ ይምለስ።

“በኽየ ናብ ገዛይ ክምለስ እዝክር። ክሳብ ክንድዚ ተጓዒዘ ክሕጐስ እንተዘይክኢለ መዓስ’የ ክሕጐስ ዝኽእል? እዚ ድማ [ኽወጽእ] ንኽውስን ሓጊዙኒ” ብምባል ናብ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ከም ዝኸደ ይገልጽ።

“[ሕክምና ቅዛነት] ኣበይ ከም ዝወሃብ ኣይፈልጥን፤ መን ከም ዝገብር ኣይፈልጥን። ዋላ ብኢንተርነት እንተደለኹ፡ ዋላ ሰብ የለን ዋላ እንተሓተትኩ ዝፈልጥ ኣይረኸብኩን” ሓኪም ስነኣእምሮ ምርካብ ቀሊል ከም ዘይኰነ ይጠቅስ።

እዚ ድማ እቲ ሕክምናኡ ከም “ሕንቃቐ” ከም ዝቝጸር ክርዳእ ኣኽኢልዎ።

“ኣብ ሃገርና ኣዝዩ ብዙሕ ጸገማትን ጽጕማትን ስለዘለዉ [ሕማም ኣእምሮ] ከም ዋዛ እዩ ዝረአ” ይብል።

ኣብ መወዳእታ ምስ ረኸበ ግን ግቡእ ምክትታል ገይሩ ውጽኢት ረኺቡ።

“ሕጂ ኣብ ዝሓሸ ኵነታት’የ ዘለኹ። ሕጂ ሕጕስ’የ። ብሰንኪ ቅዛነት ዘጋጥመኒ ዝነበረ ሕጂ የለን" ይብል።

ሰላም እውን ብኻልእ መንገዲ ንቅዛነት ክትስዕር ክኢላ እያ።

“ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም’የ ተማሂረ። ናብ ኣኽሱምን ጽዮንን ማርያምን እኸይድ ነይረ። ናብኡ ምኻድ ቀሊል ገይሩለይ” ክትብል ጠቒሳ።

ብተወሳኺ፡ “ምስ ሰባት ክዘራረብ ጀሚረ። ቀሊል ኣይነበረን፡ እንተዀነ ግን ተሌፎን ኣልዒለ ካብ ልበይ ክዛረብ ጀሚረ" ብምባል ኣነባብራኣ ምቕያራ ካብ ቅዛነት ክትወጽእ ከም ዝሓገዛ ትገልጽ።

ምንቅስቓስ ኣካላት ምጅማራ፡ ኣብ መጽናዕታ ጥራይ ከተተኩር ምፍታና፡ ነቲ ኵነታት ክትቈጻጸሮ ሓጊዝዋ።

ቃልኣብ ኰነ ሰላም ከም ዝብልዎ ግን ካብ ቅዛነት ንምውጻእ እቲ ቀንዲ ነገር ‘ኣብ ቅዛነት’የ ዘለኹ’ ኢልካ ምእማን’ዩ።

ፕሮፌሰር ሰሎሞን እውን፡ ቅዛነት ቀልጢፉ እንተተሓኪሙ ክሓዊ ከም ዝኽእል’ዩ ዝሕብር። ግዜ እናወሰደ ክኸድ ከሎ እቲ ኵነታት ዝያዳ ሱር ይሰድድ። እዚ ድማ ንሕክምና ኣጸጋሚ ይገብሮ።

ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ሱር ጠንቂ እቲ ጸገም ምልላይ ወሳኒ ምዃኑ ድማ ይገልጽ።

እቲ ፕሮፌሰር ከም ዝብሎ፡ ካብ መዓልታዊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክሳብ ንዝረት ኤሌክትሪክ ነቲ ጸገም ንምፍዋስ ክውዕል ይኽእል።

ካብ ቀሊል ክሳብ ማእከላይ ደረጃ ቅዛነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ ካብ 30 ክሳብ 40 ደቓይቕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምግባር ነቲ ኵነታት ምምካት የኽእሎም’ዩ።

"ብትሪ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባር’ውን ንምፍዋስ ዝሕግዝ ዓቢ ሕክምና'ዩ" ይብል እቲ ክኢላ።

ይዅን እምበር፡ ከም ነብሰ ቅትለት ዝሓስቡ ወይ ዝፍትኑ ከቢድ ቅዛነት ዘለዎም ሰባት፡ ብመድሃኒት ዝተሓገዘ ሕክምና ወይ ኣብ ሆስፒታል ኣትዮም ክሕከሙ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ብሰንኪ እቲ ኵነታት መድሃኒት ክወስዱ ዝጀመሩ ሰባት ካብ ትሽዓተ ወርሒ ክሳዕ ሓደ ዓመት ብግቡእ ክወስዱ ከም ዘለዎም ዝጠቐሰ ፕሮፌሰር ሰሎሞን "ብዙሕ ግዜ ሰባት ጽቡቕ ምስ ዝስምዖም መድሃኒት ምውሳድ የቋርጽ። ሽዑ እቲ ቅዛነት ክምለስ ይኽእል እዩ” ክብል የጠንቅቕ።

ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ሓደጋ ኣዝዩ ልዑልን ከቢድን እንተዀይኑ፡ ከም ኤሌክትሮኮንቨልሲቭ ቴራፒ (ብንዝረት ኤለትሪክ) ዝኣመሰሉ ካልኦት "ጽዑቕ" ምትእትታዋት ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ቃልኣብን ሰላምን ኣብዚ ሕጂ እዋን

ቃልኣብ፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ተኸታተልቲ ኣብ ዘለዎ ቲክ ቶክ ሕሳቡ ብዛዕባ ቅዛነት ክዛረብ ካብ ዝጅምር ኣዋርሕ ኣሕሊፉ’ሎ።

ካብ ሕክምና ብተወሳኺ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ሰባት ብዛዕባ ቅዛነት ኣብ ዩትዩብ ክገልጹ እንከለዉ ምክትታሉ ሓጊዝዎ’ዩ።

ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ተመሳሳሊ ጸገም ዘለዎም ሰባት ድማ ‘በይኖም ከም ዘይኰኑ’ ንኽነግሮም መበገሲ ከም ዝዀኖ ይዛረብ።

እዚ ንጥፈቱ ውጽኢት ከርኢ ጀሚሩ ኣሎ። ተስፋ ከም ዝሃቦም ዝገልጹ ርእይቶታት ይመጽዎ ኣለዉ።

እቶም ተዓዘብቲ፡ ‘ከምቲ ዝስምዓኒ ትዛረብ ምህላውካ ደስ ይብለና’ ኢሎምኒ። ካብ ከምዚ ዝበለ ነገር ክትወጽእ ምርኣይካ ጽባሕ ካብዚ ወጺእና ኣብ ዝሓሸ ነገር ክንበጽሕ ኢና ዝብል ተስፋ ይህበና።

ሰላም’ውን ቡና ኣብ ዝብል መደብ ፖድካስትን ብራድዮን ካብ እተልዕሎም ሓሳባት ሓደ ቅዛነት’ዩ፤ ነቲ ባዕላ ዘሕለፈቶ ስቓይ’ውን ወሲኻ ትጠቅስ’ያ።

"ልክዕ ሕማም ርእሲ ከጋጥመና ከም ዝኽእል፡ ቅዛነት’ውን ክኽሰት ይኽእል’ዩ።. . . ንቡር ከም ዝዀነ ክርአ እንከሎ ሰባት ሓገዝ ምሕታት ክጅምሩ’ዮም። ነዚ ድማ’የ ኣብዚ [ቅዛነት] ክሰርሕ ዝደለኹ” ትብል።