ጠንቂ ርእሰ ቅትለት ከይኮኑ ዝተጠርጠሩ መድሃኒታት ይምርመሩ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትካል ቍጽጽር መድሃኒታት ኣውሮጳ፡ ምስ ርእሰ ቅትለትን ምጕዳእን ምትእስሳር ክህልዎም ይኽእል ተባሂሎም ኣብ ዝተጠርጠሩ ክታበታት ምንካይ ክብደት ምርመራ የካይድ ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣባል እቲ ማሕበር ዝኾነት ኣይስላንድ፡ ሰለስተ ተርእዮታት ከምዝረኸበት ንኤጀንሲ መድሃኒታት ኣውሮጳ (ኢ ኤም ኤ) ኣፍሊጣ እያ።
እቲ ፍተሻ ድሕነት ን ከም ወጎቪ፡ ሳክሰንድራን ኦዘምፒክን ዝተባህሉ ሸውሃት ምግቢ ዝዓጽዉ መድሃኒታት ክግምግም እዩ።
መድሃኒታት ምንካይ ክብደት፡ ድርኺት ርእሰ ቅትለት ክዀኑ ተኽእሎ ከምዘለዎም ኣብ ዝርዝር ጐድናዊ ሳዕቤናቶም ይሰፍር እዩ።
ኣብቶም ዝተጠቐሱ መድሃኒታት ግን ባህርያት ርእሰ ቅትለት ብዛዕባ ምህላዉ ኣይተጠቐሰን።
ነቲ ምርመራ ዘካይድ ትካል ካልኦት ከም ጂፒኤል-1 ዝበሉ ተመሳሰልቲ መድሃኒታት ክገምገሙ እንተዀይኖም እውን ክርአ እዩ።
መጀመርታ ግን ሴማግሉታየድ ሊራግሉታይድን ዝበሃሉ ንጥረ ነገራት ዘለዎም መድሃኒታት ምንካይ ክብደት ዘለዎም ሓደጋ ጥራይ እዩ ክምርምር።
እቲ ምርመራ ኤጀንሲ መድሃኒታት ኣይስላንድ፡ ሰለስተ ተርእዮታት ጠቒሱ ብዝቐረበ ስምዕታ ይካየድ ከምዘሎ ሓደ ሓላፊ ኤጀንሲ መድሃኒታት ኣውሮጳ ገሊጹ።
"እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ክልተ ሓሳባት ርእሰ ቅትለት ዘጠቓልል እዩ፤ እቲ ሓደ ድሕሪ ምጥቃም ሳክሴንድራ እቲ ካልኣይ ድማ ድሕሪ ኦዘምፒክ።
"ሓደ ድማ ድሕሪ ሳክሴንድራ ዘጋጠመ ሓሳብ ርእሰ ምጉዳእ'ዩ፡" ኢሉ።
እቲ ትካል ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ዝረኸበሉ መብርሂ ከምዝህብ እውን ኣፍሊጡ።
ሕጽረት መድሃኒታት
ፍሉጣት ሰባት ብዙሕ ክብደት ከምዝቐነሱ ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርግሑ ሓበሬታታት፡ ጠለብ መድሃኒታት ምንካይ ክብደት ከም ዝውስኽ ገይሩ እዩ።
ሳክሰንድራን ወጎቪን ፍቓድ ዘለዎም መድሃኒታት ምንካይ ክብደት እዮም። ወገቪን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ብሪጣንያ ንገለ ተሓከምትን ፍሉያት ማእከላት ጥዕና ምንካይ ክብደትን ክቐርብ ከምዝኽእል ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ገሊጹ ነይሩ።
ኦዘምፒክ፡ ሕማም ሽኮር ንዘለዎም ሰባት መጠን ሽኮር ደምን ክብደት ንምቕናስ ዝወሃብ ኰይኑ ልክዕ ከም ወጎቪ ትሑት መጠን ሰማግሉታይድ ኣለዎ። ብዙሓት ሕማም ሽኮር ዘይብሎም ሰባት ክብደት ንምቕናስ ዝገዝእዎ ብምዃኑ ግን ብደረጃ ዓለም ከቢድ ሕጽረት ኣሎ።
ኵሎም መድሃኒታት ከጋጥም ዝኸእል ጐናዊ ሳዕቤን ኣሎዎም። ምስ ጥዑይ ኣመጋግባን ስፖርታዊ ምንቅስቓስን ክውሰዱ ዘለዎም መድሃኒታት ምንካይ ክብደት ድማ እዞም ዝስዕቡ ልሙዳት ሳዕቤናት ኣለዉዎም።
- ስምዒት ተምላስ (ዕግርግር)
- ተምላስ
- ሕማም ርእሲ
- ውጽኣት
- ድርቀት
- ቅርጸት ከብዲ
- ድኻም
ኣብ ዝርዝር ሓበሬታ እቶም መድሃኒታት ጭንቀት ወይ ሓሳብ ርእሰ ቅትለት ከጋጥም ከምዝኽእል ይግለጽ እዩ።
ንተጠቀምቲ "ዝዀነ ሃንደበታዊ ለውጢ ኲነተ ኣእምሮ (ሙድ)፡ ባህርያት፡ ሓሳባት ወይ ስምዒታት ዝኣመሰሉ ኣእምሮኣዊ ለውጢታt ክተቕልቡሉ ኣለኩም። ሓደሽቲ ዝገደዱ ወይ ዘሻቕልኹም ለውጢታት ኣእምሮ እንተርኢኹም ድማ ብቕልጡፍ ናብ ሓኪምኩም ደውሉ" ዝብል ምኽሪ ይህቡ።
ነቲ መድሃኒት ዝኣዘዙ ሰብ ሞያ እውን ክትትል ክገብሩ ይመኽሩ።
ምስ ኤጀንሲ መድሃኒታት ኣውሮጳ ብቐረባ ዝሰርሕ ኖቮ ኖርዲስክ፡ ንድሕነት ተሓከምቲ ቀዳምነት ከምዝህብ ይገልጽ።
ጂኤልፒ-1 ን ኖቮ ኖርዲስክ ዘፍርዮም ሰማግሉታይድን ሊራግሉታይድን፡ ደረጃ ክልተ ሕማም ሽኮር ንዘለዎም ን15 ዓመታት፡ መጠን ዝሓለፈ ክብደት ንዘለዎም ሰባት ድማ ን 8 ዓመታት እናተወሃቡ ከምዝጸንሑን ዛጊት ኣብ ዘካየድዎም ዓበይቲ መጽናዕቲታት እቶም ዘፍርይዎም መድሃኒታት ምስ ርእሰ ቅትለት ወይ ምጉዳእ ዘተኣሳስር ከምዘይረኸቡን ተወካሊ እቲ ትካል ይዛረብ።
‘‘ኤኤምኤ ጥቆማታት ድሕነት ብቐጻሊ ይቈጻጸር እዩ፤ ኖቮ ኖርዲስክ እውን ከምኡ።"
ቍጽጽር መድሃኒት ብሪጣንያ እውን ነቲ ኵነታት ይከታተሎ ከምዘሎ ብምሕባር ተመሳሳሊ ምልክታት ዝረኣዩ ሰባት ክሕብሩ ጸዊዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







