ስምምዕ ፕሪቶርያ 'ዕዉት' ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኢዱ

ሸምገልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኣኼባ መቐለ

ምንጪ ስእሊ, AU

ቅድሚ ሓደ ዓመት ልክዕ ከምዛ ሎሚ 2 ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም 'ዕዉት' ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኢዱ።

እቲ ደማዊ ኲናት ደው ኢሉ ምህላዉ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ ጸኒዑ ይቕጽል ከምዘሎ ዘርኢ ምዃኑ እቲ ሕብረት ጠቒሱ።

ዳይረክተር ጉዳያት ኣተሓሕዛ ግጭታት፡ ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ሰላምን ጸጥታን ዝዀነ ሳርጆህ ባህ ብኣጋጣሚ ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ስምምዕ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ኣገደስቲ ረብሓታት ከም ዝተረኣዩ ገሊጹ።

"ካብ ዝፍረም ኣትሒዙ፡ ኣገደስቲ ረብሓታት ርኢና ኣለና። ንጡፍ ውግእ ኣብ ትግራይ ደው ኢሉ፡ ከቢድን ማእከላይን ኣጽዋራት ተረኪቡ፡ ኣገልግሎታት ተጀሚሮም፡ ተፈናቐልቲ ናብ ገለ ክፋላት ትግራይ ተመሊሶም"።

ነቲ ስምምዕ ኣብ ባይታ ንኽፍጽም ዕማም ዝተዋህቦ፡ ተዓዛብን ተኸታታልን ኣካል ናይቲ ሕብረት ንትግባረ ናይቲ ስምምዕ ምክትታል ክቕጽል ምዃኑ'ውን ባህ ብመንገዲ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ገሊጹ።

"እዚ ዕዉት ኣብነት ኣፍሪቃዊ ፍታሕ ንኣፍሪቃዊ ጸገም ክድገፍ፡ ክሕሎን ብጭቡጥ ረብሓታት ሰላም ክድራዕን የድልዮ"።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብመንገዲ ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ዝርከቦን ፓነል ነቲ ስምምዕ ክፍረም ዓቢ ግደ ምጽዋቱ ይፍለጥ።

ኣመሪካ'ውን ብመንገዲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርነ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ኣብ ኩሉ'ቲ መስርሕ ዘተ ሰላም ተሳቲፋ ነይራ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ናይሮቢ፡ ኬንያ ብዝቐጸለ ተወሳኺ ስምምዓት ሓይሉ ዝወጸ'ዩ።

ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶርያን ናይሮቢን፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ደው ዘበለ'ዩ።

ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐለ ኲናት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሳባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።

እታ ኣብ ፍጹም ወተሃደራዊን ቁጠባዊን ከባባን ዕጽዋን ኣትያ ዝነበረት ክልል ሳላም ረኺባን ንቡር ማሕበራዊ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ተመሊሱን'ዩ።

እንተኾነ ግን እቶም ስምምዓት ኩሎም ኣብ ባይታ ብዘይምፍጻሞም ሓያለ ጸጥታዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዓበይቲ ብድሆታት ፍታሕ ይጽበዩ ኣለዉ።

ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ነጥብታት ናይቲ ስምም ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ'ኳ እንተኾነ፡ ካብ ምዕራብ ትግራይን ሓያለ ካልኦት ከባቢታትን ዝተመዛበሉ ሰባት ክሳብ ሎሚ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ይጽበዩ ኣለዉ።

ምስ ምውራድ ዕጥቂን ምጥያስ ዕጡቓት ህወሓትን ዝተሓሓዝ'ውን ብዙይ ዘይተፈትሐ ጸገም ኣሎ።

ትግራይ ብሃገር ደረጃ ኣብ ፓርላማን ካልኦት ፈደራላዊ ትካላትን ዘለዋ ውክልናን ተሳትፎን ዘይምርግጋጹ'ውን ተወሳኺ ፖለቲካዊ ሃጓፍ ተፈጢሩ ይርከብ።

ምስ ባጀትን ዳግመ-ህንጻ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጽታት ዝተሓሓዝ ዓበይቲ ማሕንቖታት'ውን ገና መሊኦም ኣይተፈትሑን።

እቲ ካብ ዝርዝር ኣሸባርነት ዝተሰረዘ ህወሓት ብሃገር ደረጃ ሕጋውነት ከምዘይህልዎ ምግባሩ'ውን ነቲ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ዘለዎ ዝምድና ሓላሊኽዎ ይርከብ።

ምስቲ ኣብቲ ኲናት ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከቦ ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ዝተኣሳሰር ክረጋገጽ ኣለዎ ዝተባህለ ተሓታትነት'ውን ኣመት የብሉን። ብዙሓት ግዳያት ድማ ፍትሒ ክረኽቡ ይጽበዩ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።