ኲናት ትግራይ፡ 8 ቀንዲ ነጥብታት ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ክልተ ዓመት መሊእዎ ዘሎ ደማዊ ኵናት ትግራይ ብሰላማዊ ልዝብ ዕልባት ክረክብ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘተ ሰላም ከካይዱ ዝቐነዩ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን "ቀዋዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት" ፈሪሞም ኣለዉ።
እቲ ካብ ዝሓለፈ 25 ጥቅምቲ 2022 ክሳብ ሎሚ 02 ሕዳር 2022 ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ርእሰከተማ ፕሪቶርያ ክካየድ ዝፀንሐ ድርድር ብረቡዕ ክልቲኦም ወገናትን ተዓዘብትን ኣብ ዝተረኽብሉ በቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ተዛዚሙ'ሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐፀለ ደማዊ ኵናት ደው ክብል፣ ዘይድሩት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ፣ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱን ድሕነት ሰላማውያን ዜጋታት ከውሕሱን ከም ዝተሰማምዑ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።
ብወገን ኢትዮጵያ ኣማኻሪ ጉዳይ ድሕነትን ጸጥታን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ነቲ ስምምዕ ክፍርሞ እንከሎ፡ ብወገን ህወሓት ድማ ወሃቢ ቃል ናይቲ ውድብን ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሓይልታት ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ክታሙ ኣንቢሩሉ።
ብፍሉይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ጉዳይ ፕረዚደንት ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ምላምቦ-ንጹካን ዝምራሕ ጉጅለ ንትግባረ ናይቲ ስምምዕ ክከታተልዎ ምዃኖም'ውን ተገሊጹ።
ሰለስቲኦም ኣደራደርቲ ኣብቲ ናይ ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺ ተረኺቦም ነቲ ስምምዕ ክታሞም ኣንቢሮምሉ። ኣመሪካን ኢጋድን'ውን ከም ተዓዘብቲ ተሳቲፎም ነይሮም።
ቀንዲ ነጥብታት ናይቲ ስምምዕ እንታይ'ዮም?

1. ወከልቲ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ድሕሪ እቲ ን10 መዓልቲ ዝተኻየደ ጽዑቕ ድርድር ኣብ ስምምዕ ሰላም ከም ዝበፅሑ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ዓለምን ከፍልጡ ተሰማሚዖም።
2. ብረታት ንሓዋሩ ንምህዳእን፡ እቲ ክልተ ዓመት ገይሩ ዘሎ ጎንጺ ሰሜን ኢትዮጵያ ከብቅዕን ተሰማሚዖም።
3. እቲ ኵናት ኣብ ሂወትን መነባብሮን ዘሕዝን ዕንወት ከም ዘውረደን፡ ብመሰረት ድሌት ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ፡ ነዚ ናይ ግጭት ምዕራፍ ንድሕሪት ብምግዳፍ፡ ብሰላምን ስኒትን ምንባር ረብሓ ምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምዃኑ ገሊጾም።
4. ንሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን፡ ከምኡ'ዉን ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ከውሕሱ ብምርግጋጽ፡ኢትዮጵያ ሓደ ሰራዊት ምክልኻል ከም ዘለዋ። ኣብ ባይታ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ዕጡቓት ህወሓት ብረቶም ኣውሪዶም ናብ ማሕበረሰብ ተመሊሶም ክጣየሱን ተሰማሚዖም።
5. ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ረድኤት ክበጽሕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ረድኤት ክተሓባበር።
6. ኣብ ትግራይ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ናብ ንቡር ክምለስ፣ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ዝፍተሓሉ ባይታ ክፍጠር፣ ከምኡ'ውን፡ ተሓታትነት፣ ሓቂ፣ ዕርቅን ሕውየትን ንምውሓስ ፖሊሲ መሰጋገሪ ፍትሒ ምርግጋጽን ኣብ ዝብል ተሰማሚዖም።
7. እዚ ስምምዕ ብዘይ ገለ ምድንጓይ ተግባራዊ ክኸውን፡ ኩሉ ዓይነት ተፃባኢ ፕሮፖጋንዳ ደው ክብል ይጠልቡ።
8. መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ ህዝባዊ ኣግልግሎታት ናብ ንቡር ክመልስን፡ በቲ ኵናት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓትን ዳግም ክሃንፅን፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ በፂሖም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Workneh Gebyehu/Twitter




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







