ሃንዳሲ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ሄንሪ ኪሲንጀር ኣብ መበል 100 ዓመቱ ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃንዳሲ ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ እናተባህለ ዝግለጽን ተዓዋቲ ኖቤል ሰላምን ሄንሪ ኪሰንጀር ኣብ መበል 100 ዓመቱ ሎሚ ዓሪፉ።
ሄንሪ ኪሲንጀር ኵናት ኣመሪካን ቬትናምን ንከኽትም ብዘካየዶ ጻዕሪ’ዩ ኣብ 1973 ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ኮይኑ።
ኣብ ኣመሪካ ኣማኻሪ ጸጥታ፣ ጸሓፊ ጉዳያትን ካልእ ዓበይቲ ጽፍሕታትን ሒዙ ዝሰርሐ ሄንሪ ኪሰንጀር ዋላ’ኳ ኣብ 1973 ሽልማት ኖቤል ሰላም እንተተውሃበ፡ ብዙሓት ድማ 'ገበን ኵናት ፈጺሙ’ዩ' እናበሉ ይኹንንዎ'ዮም።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ፡ “ኣመሪካ ሓደ ካብ ቀንዲ ድምጺ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝኾነ ሰብ ከሲራ” ብምባል ብሕልፈት ሄንሪ ኪሰንጀር ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ።
ሄንሪ ኪሲንጀር ካብ ማእከላይ ናብራ ዝነበሮም ኣይሁድ ብ27 ግንቦት 1923 ኣብ ባቨርያ ተወሊዱ።
ወዲ 15 ዓመት እንከሎ’ዩ ስድርኡ ካብ ናዚ ሃዲሞም ንሄንሪ ኪሲንጀር ሒዞም ኣብ 1938 ናብ ኒው ዮርክ ኣትዮም።
ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ ብፖለታካል ሳይንስ ተመሪቑ፡ ኣብ ሰራዊት ኣመሪካ ተኸቲቡ ድሕሪ ምግልጋል ከኣ ዓቕሚ ኣዕብዩ፡ ኣብ 1969 ቀንዲ ኣማኻርን የማናይ ኢድን ፕረዚደንት ሪቻርድ ኒክሰን ብምዃን ናብ ዋይት ሃውስ ሰተት ኢሉ ኣትዩ።
ኣብ ሞንጎ ቻይናን ኣመሪካን ዝነበረ ወጥሪ ብጻዕሩ ብምልስላስ፡ ፕረዚደንት ሪቻርድ ኒክሲን ኣብ 1972 ናብ ቻይና ታሪኻዊ ምብጻሕ ንኸካይድ ባይታ ኣጣጢሑ።
ኣብ 1973’ውን ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣዕራብን እስራኤልን ዝነበረ ኵናት ደው ንኽብልን ውዕል ምቁራጽ ቶኵሲ ንኽግበርን ብቐዳምነት ሰሪሑ።
ኣብ 1973 ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኮይኑ ዝተሾመ ሄንሪ ኪሲንጀር፡ ኣብ እዋን ዝሑል ኵናት ኣመሪካ ኣብ ዓለም ጎብለል ኮይና ንኽትወጽእ ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኑ፡ ንኹሉ ፖሊሲታት ወጻኢ ኣብ ምህንዳስ ርኡይ ስራሓት ኣበርኪቱ።
ሄንሪ ኪሲንጀር፡ ኣመሪካ ምስ ሕብረት ሶቭየት ነበርን ምስ ቻይናን ልኡም ዝኾነ ርክብ ንኽህልዋ ዝዓየየን፡ ኣብ እዋን ኵናት ቬትናም ዝነበሮ ጽልዋ’ውን ካብ ቀንዲ ዘዘክርዎ ስርሓት’ዮም።
ኣብ እዋን ሽምግልንኡ’ውን እንከይረፈ፡ ኣመሪካ ኣብ ወጻኢ ጉዳያት እትኽተሎ ፖሊሲታትን ምስ ዓበይቲ ሃገራት ዝህልዋ ርክባትን ኣብ ምድልድላ ጸላዊ ኮይኑ ክሰረሕ ጸኒሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 100 ዓመት ኣብ ዝመለኣሉ’ውን ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ብምርኻብ ኣመሪካን ቻይናን ክህልወን ዝግባእ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣመልኪቱ ሰፊሕ ዘተ ኣካይዱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







