ትግራይ፡ ንመራሕቲ ህወሓት 'ካልእ መርዘን' ዝዀኖም ጉዳይ ሽመት

ምንጪ ስእሊ, BBC/DIMTSI WOYANE
ምስ ምክያድ መበል 14 ጉባኤን ምምላስ ሕጋዊ ኣፍልጦን ህወሓት ተታሓሒዙ ቃልዕ ዝወጽአ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ወጥሪ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ውድብ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ኣጋጣሚታትን ረስኑ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ብዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ሓደ ጕጅለ ህወሓት ኣብ ጽባሕ ዘካየዶ ኣካታዓይ ጉባኤኡ ነቲ ብፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ካልእ ጕጅለ ላዕለዎት መሪሕነት “ንውድብ ኣይውክሉን፤ ካብ ዝነበሮም ቦታ ላዕለዋይ መሪሕነት ኣልዒለዮም ኣለኹ” ከምዝበለ ይፍለጥ።
ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ዶክተር ደብረጽዮን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ’ውን ንውሳነን መደምደምታን መበል 14 ጉባኤ ደጊሙ ወግዓዊ ዝገበሮ ኰይኑ፡ “ኣብ ጉባኤ ዘይተሳተፉ ኣባላት ማእከላይ ንህወሓት ብምውካል ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክቕጽሉ ከምዘይክእሉ” እዩ ኣነጺሩ።
ብኻልእ ወገን ዘለዉ ኣቶ ጌታቸው ዝርከቦም ላዕለዎት መሪሕነት ድማ እቲ ዝተኻየደ ኣካታዒ ጉባኤ ሕጋዊ ከምዘይኰነ ብምግላጽ፡ “ንስልጣንን ውልቃዊ ረብሓን ገለ መራሕቲ” ስለዝተኻየደ ውሳነታቱ ቅቡልነት ከምዘይብሉ ይሕብር።
“ምንቅስቓስ ሓደ ጕጅለ ስለዝዀነ ብጽንዓት ክቃለሶ እየ” ክብል ኣብቲ እዋን ተቓውሞኡ ዝገለጸ ኣቶ ጌታቸው፡ ንዕኡን ካልኦትን ንምእላይ ኰነ ተባሂሉ ብቕልጡፍ ዝተጸውዐ ጉባኤ ከምዝዀነ ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት እውን ግዝያዊ ምምሕዳር ይዅን ብዶክተር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ብምኻድ ህዝባዊ መድረኻት ኣብ ምክያድ ተጸሚዶም ቀንዮም ኣለዉ። እዚ ኣካይዳኦም ነቲ ኣብ መንጐኦም ዝተፈጠረ ምምቕቓል ናብ ህዝቢ’ውን ከልሖዀ ከምዝኽእል ስግኣት ብዙሓት ኰይኑ’ሎ።
ሹመት - ‘ካልእ መርዘን’ ፖለቲካ
ፖለቲካዊ እንካን ሃባን መራሕቲ ህወሓት እናተጓሃሃረ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዚ እዋን እቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዝካየድ ዘሎ ምሻምን ምውራድን ኣመሓደርቲ ዞባታት ኣብቲ ረስኒ ተወሳኺ ነዳዲ ወሲኹ ኣሎ።
ምሁር ሕጊ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሓጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ካሳ፡ “እዚ ምስ ሽመት ብዝተሓሓዝ ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብ ውጽኢት ናይቲ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ውጥሪ ኰይኑ ስልጣን ንምቍጽጻር ዝግበር ምጕያይ ከምዝዀነ” ይገልጽ።
እዚ ኣብ መንጐ ናብ ክልተ ዝተመቐሉ መሪሕነት ሓደ ውድብ ዝረአ ዘሎ ‘ነዛ እምባይ መን ወርሳ’ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ንህዝቢ ኣብ ጐንኻ ንምስላፍ ብዝካየዱ ሰልፍታት እናተዓጀበ ናብ ዝለዓለ ሓደገኛ ጠርዚ ይሰጋገር ከምዘሎ’ውን ይኣምን።
በዓል ሞያ ሕጊ ተኽሊት ገብረመስቀል እውን ብተመሳሳሊ “እቲ ውጥጥ ናብ ጫፍ ይበጽሕ ከምዘሎ ዘመልክቱ ምልክታት ይረኣዩ ኣለዉ” ብምባል መሪሕነት ህወሓት ንትግራይን ህዝባን ከምኡ’ውን ንባዕሎም ሓደጋ ኣብ ምጽዋዕ ከምዘለዉ ስግኣቱ ኣቐሚጡ።
“ህወሓት ኣብ ጉዳይ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘልዕሎ ዘሎ ክትዕ ‘ተጸዋዕነት እቲ ምምሕዳር ንፌደራል መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነስ ንውድብና እውን እዩ፤ ምኽንያቱ ንሕና’ውን ተደራደርቲ ኢና’ ዝብል ክኸውን ከሎ፤ እቲ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ‘ብተዋጽኦ ዝቘምኩ ስለዝዀንኩ ብቐንዱ ተጸዋዕነተይ ንፈደራል እዩ’ ዝብል መርገጺ ኣለዎ” ክብል የረድእ።
ብወገን እቲ “ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝወከልክዎም ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ኣልዒለዮም ኣለኹ” ዝብል ዘሎ ክንፊ ህወሓት፡ ብመንግስቲ ፈደራልን ካልኦት ኣካላትን ቅቡልነት ዘይረኸበ ጉባኤ ብምክያዱ ንዝተወዓዓለሉ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣካይዳ ይኸይድ ከምዘሎ ስግኣቶም ዝገልጹ ኣለዉ።
“እዚ [ህወሓት] ምስ ጉዳይ ሽመት ብዝተሓሓዝ ዘልዕልዎ ዘለዉ ተቓውሞ ምስ መንግስቲ ፈደራል ናብ ግጭት ዘእትዎም፤ ብናይ ወጻኢ ኣካላት እውን ‘ካብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ወጻኢ ትኾኑ ኣለኹም’ ተባሂሎም ናብ ወሰን ዝድፍኡሉ ኵነታት ዘኸትል እዩ” ይብል በዓልሞያ ሕጊ ተኽሊት።
እዚ ክትዕ ምሻምን ምልዓልን ብግብሪ ዝተረኣየሉ እዋን ቅድሚ 10 ኣዋርሕ ኣቢሉ ነይሩ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2023፡ ንኣርባዕተ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት፡ ማለት ብምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣማኻሪ ህዝባዊ ምልዕዓል ዝነበረ ኣቶ ኣለም ገብረዋህድ፡ ቺፍ ካቢኔ ሰክረታሪ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡብ ምብራቕ ዝነበረት ወይዘሮ ሊያ ካሳን ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብን ኣቶ ተኽላይ ገብረመድህንን፡ ኣብቲ ክልላዊ ምምሕዳር ካብ ዝነበሮም መዝነት ከምዝሰጐገ ይዝከር።
ብፍላይ ኣመሓደርቲ ዞባታት ሰሜን ምዕራብ ኣቶ ተኽላይ ገብረመድህንን ደቡብ ምብራቕ ወይዘሮ ሊያ ካሳን ካብ መዝነቶም ከምዝተልዓሉ ካብ ዝግለጽ ኣዋርሕ'ኳ እንተተቘጸሩ ኣብ ክንድኦም ካልኦት ኣይተሸሙን ጸኒሖም።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ግን ንኽልቲኦም ዝትክኡ ኣመሓደርቲ ዞባታት ሽመቶም ወግዓዊ ምስተገበረ ተወሳኺ ኣካታዒ ዛዕባ ኰይኑ ቀጺሉ’ሎ።
እቶም ሽመታት ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወግዓዊ ኣብ ዝተገበሩሉ እዋን ህወሓት ብወገኑ ብስም ሓላፊት ቤት ጽሕፈቱ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር ኣቢሉ ኣብ ዝዘርግሖ ወግዓዊ ሰብዳበ “ዘይሓጋዊ ምደባታትን ምልዓል ሓላፍትን” ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ።
“ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ህወሓት ዘነጻጸረ ካብ ስልጣን ምልዓል ንትካላዊ ኣሰራርሕ ውድብና ብምጥሓስ ንውድብና ናብ ሓደጋ ዘእተወ ከምዝነበረ ዝረኣናዮ ሓቂ እዩ” ይብል እቲ ናብ ኵለን ኣብ ዞባታትን ወረዳታትን ዝርከባ ኣብያተ ጽሕፈት ህወሓት ዝተጽሐፈ ደብዳበ።
ወሲኹ፡ “ንህወሓት ወኪሉ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ሓላፍነት ሒዙ ዝጸንሐ ኣካል ብኢደ ወነኑ ዘካይዶ ዘሎ ምደባን ምልዓልን ኣመራርሓ ንህወሓት ንምፍራስ ዝዓለመ ሽርሒ እዩ” ክብል ይኸስስ እቲ ብወይዘሮ ፈትለወርቅ ዝተጸሓፈ ደብዳበ።
‘ቀደሙ ባዕለይ ዘቘምክዎ ካቢኔ ኣይነበረን’
ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ደው ዘበለ ውዕል ፕሪቶሪያ ስዒቡ ኣብ ትግራይ ክቐውም ዝተገበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ዕድመኡ ብግዜ ዝተገደበ እዩ ነይሩ፤ እንተዀነ ዓመትን ፈረቓን መሊእዎ’ሎ።
ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክመርሕ ብፕረዚደንትነት ዝተሸመ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ “ኣነ ምስመጻእኩ ዘጣየስክዎ ሓድሽ ካቢኔ የለን። ዝጸንሐን ዶክተር ደብረጽዮን እንተዝምረጽ ሒዝዎ ክቕጽል ዝኽእልን ካቢኔ እዩ ነይሩ” ክብል ኣብቲ ቅድሚ ሰሙናት ምስ ተለቪዥን ድምጺ ወያነ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ተዛሪቡ ነይሩ።
“ህወሓት ዋላ’ውን ኣብዚ ግዝያዊ ምምሕዳር 50 ተደመሮ ሓደ ብጽሒት ይሃልዎ፤ እዚ ግን ገዛኢ ውድብ ክገብሮ ኣይክእልን” ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ሽመት ንምሃብን ንምውራድን ዘኽእል ሕጋዊ ስልጣን ከምዘለዎ ገሊጹ። እንተዀነ ‘እከለ ኣብዚ ይመደብ’ ዝብል ጸቕጢታት ይበጽሖ ከምዝነበረ’ዩ ተዛሪቡ።
“ናተይ ጌጋ ዝሰርሕን ዘይሰርሕን ገምጊምካ ክለዓል ዝግብኦ ክለዓል ዘይምግባር’ዩ። ወርሒ ድየ ክጸንሕ ሰለስተ ወርሒ ብዘየገድስ ነዚ ካብ ምግባር ንድሕሪት ኣይክብልን። ስራሕ ዘይሰርሐ ሰብ ክተልዕል ከለኻ ‘ንምታይ?’ ትበሃል” ንዝበጽሖ ኢድኣእታውነት ኣረዲኡ።
ንሕጋዊ ስልጣኑን ሓላፍነቱን መሰረት ብምግባር “ሕመቕ ተራእይዎም” ንዝበሎም ሽመኛታት እናኣለየ ብኻልኦት ይትክእ ከምዘሎ ዝገልጽ ብኣቶ ጌታቸው ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ፖለቲካዊ ውድብን መንግስታዊ ምምሕዳርን ክተሓዋወስ ከምዘይብሉ ይምጕት።
እቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሽመት መንግስታዊ መሓውር ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ዝግበር ዝነበረ ካብ ቤት ጽሕፈት ዝምእኸል ክኸውን ከምዘይብሉ’ውን ብተደጋጋሚ ክገልጽ ይስማዕ።
ብዶክተር ደብረጽዮንን ወይዘሮ ፈትለወርቅን ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት፡ ኣብ ምቛም ግዝያዊ ምምሕዳር ልዕሊ 50 ሚእታዊት ብጽሒት ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ ካብ ምግላጽ ብተወሳኺ ነቲ ብኣቶ ጌታቸው ዝፍጸም ምሻም መሪሕነትን ሓላፍቲ ኣብያተ ዕዮን ብትሪ ክቃወም ይስማዕ።
ብፍላይ ድሕሪ ምክያድ ጉባኤ ንበዓል ጌታቸው ካብ ኣባልነት ማእከላይ ኮሚቴ ከምዘውጽእዎም ወግዓዊ ድሕሪ ምግባሮም ነቲ ዝወሃብ ዘሎ ሽመትን ምልዓል ነባራት መሪሕነትን “ሕጋዊ ኣይኰነን” ብምባል ተቓውሞኦም ይገልጹ።
እዚ ምትፍናን መራሕቲ ህወሓት ነቲ ኣብዚ እዋን “ስቕታ ዝመረጸ” ዝመስል መንግስቲ ፈደራል ካልእ ኣመራጺታትን ውሳነታትን ኣብ ትግራይ ንኸፈጽም ዕድል ዘመቻቹ ከይከውን ስክፍታኡ ዝገልጽ ሓጋዚ ፕሮፌሰር የማነ፡ “ንትግራይ ዘዳኽምን ተወሳኺ ስግኣት ዘኸትልን እዩ። መንግስቲ ፈደራል ቀደሙ’ውን ኢዱ ኣእትዩ እዩ። ሕዚ ድማ ብዝያዳ ማዕጾ ተኸፊቱሉ ኣሎ” ይብል።
“ኣብዚ ከይዲ መንግስቲ ፈደራል ናብ መን እዩ ክውግን ዝብል ወሳኒ እዩ ዝኸውን። ነየናይ ወገን እዩ ክድግፍ ዝብል ምግማቱ ኣጸጋሚ እዩ። ትግራይ ተመሊሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክተንቃዕርር ዘይኮነስ ኣብ መንጐ ቤት ጽሕፈት ህወሓትን ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳርን ምትፍናን ክቕጽል ዝደልይ ይመስለኒ” ክብል ወሲኹ።
ሕጊ’ኸ እንታይ ይብል?
ሕገመንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣዋጅ ቁጽሪ 45/1994 ንስልጣንን ተግባርን ርእሰ ምምሕዳር ብዝምልከት ኣብ ዓንቀጽ 58 ብንጹር ኣስፊርዎ’ሎ። እዚ ኣዋጅ ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ትግራይ ዝቐውም መንግስቲ ዝምርሓሉ መስርሕ እዩ።
ሽመት ፕረዚደንትን ምኽትልን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ዋና ኦዲተር፡ ሓለፍቲ ክልላዊ ኣብያተ ዕዮ ከምኡ’ውን ዋና ኣመሓደርቲ ዞባታትን ወረዳታትን ናብ ቤት ምኽሪ ብምቕራብ ከምዘጽድቕ ብንጹር የቐምጥ።
እንተዀነ ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ (ቤት ምኽሪ) ካብ ዝፈርስ ካብ ምዝዛም ኲናት ንደሓር ኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ተቘጺሮም ኣለዉ።
ምሁር ሕጊ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሓጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ካሳ፡ እቲ ብኣቶ ጌታቸው ዝምራሕ ግዝያዊ መንግስቲ ብመሰረት እዚ ዝጸንሐ ክልላዊ ኣዋጅ ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝዛረብ።
“ድሕሪ ኲናት ባይቶ ትግራይ ስለዝፈረሰ ሓድሽ ኣዋጅ ወጺኡ ግዝያዊ መንግስቲ ተጣይሹ’ሎ። ግን ድማ እቲ መንግስቲ ፈደራል ንመጣየሺ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ብዝብል ዘውጽኦ ‘ደምቢ - 533’ ብዝርዝር ንሰልጣን ፕረዚደንት ዘረድእ ኣይኮነን” ይብል።
በዚ ምኽንያት እቲ ዝጸንሐ ክልላዊ ኣዋጅ ኣብ ግብሪ ይውዕል ከምዘሎ ብምሕባር “እዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ፕረዚደንት’ዩ ስልጣን ዝህቦ። ምሉእ ስልጣን ምሃቡ ቅኑዕ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ካልእ ኣዘራራቢ ጉዳይ እዩ። ስለዚ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር በዚ ኣዋጅ እዩ ዝፍጽም ዘሎ” ኢሉ።
“ኣብዚ እዋን ብቐንዱ ኣመሓደርቲ ዞባ እዩ ዝሸውም ዘሎ። እቲ ዝጸንሐ ኣዋጅ [ክልላዊ መንግስቲ] እውን እቲ ፕረዚደንት ይሸውም እዩ ዝብል። ስለዚ ምሻምን ምውራድን ናይቲ ፕረዚደንት እዩ። ምናልባት ግን ከም ውድብ ‘ብኸመይ እንተሾምና ይሓይሽ?’ ኣብ ዝብል ምርድዳእ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም” ክብል የረድእ።
ኣስዒቡ፡ “ስለዚ እቲ ኣብዚ እዋን “ኣነ እንተዘይሾምኩልካ’ ወይ ‘ምሳይ ተማኺርካ ኣይኸውንን’ እናበልካ ዝግበር ዘሎ ተግባር ሕጋውነት ዘለዎ ኣይኰነን። ከም ምጥሓስ ሕጊ እዩ ዝውሰድ።” ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ 2015 ኣ.ግ ዝተዳለወ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተጣየሸሉ ኣዋጅ፡ ካብቲ ኣብ ዘመነ ኢህወደግ ዝወጸአ ዝተወሰደ ምዃኑ ዝሕብር በዓል ሞያ ሕጊ ተኽሊት ገብረመስቀል፡ ኣፈላላዮም ግን “እቲ ነባር ኣዋጅ ኣብ ክልላት እታ ሃገር ግዝያዊ ምምሕዳር ምጥያሽ ኣብ ዘድልየሉ ኵነታት መንግስቲ ፈደራል ዘፈጽሞ ክኸውን ከሎ፤ እቲ ናይ ሕጂ ግን ክልተ ተደራደርቲ ኣካላት [ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን] ብጽሒት ሃልይዎም ዘቘምዎ ምምሕዳር ምዃኑ እዩ” ክብል የረድእ።
ህወሓት ከም ሓደ ተደራዳሪ ኰይኑ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዘቘመ ናብ ሕቶ ዝኣቱ ከምዘይኮነ ዝዛረብ ተኽሊት፡ እቲ ብሓደ ወገን ዘሎ ጕጅለ መሪሕነት ህወሓት ‘እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብስምምዕ ዝመስረትክዎ እዩ። ኣብኡ ዘለዉ ሽመታታት እውን ባዕለይ ዝወከልክዎም እዮም ስለዚ ሕጂ ክወጽኡ ኣለዎም’ ዝብል መካትዒ የቐርብ ምህላዉ ይገልጽ።
“እቲ ብኻልእ ገጽ ዘሎ ንግዝያዊ ምምሕዳር ዝመርሕ ዘሎ ጕጅለ ህወሓት ድማ ‘ንሕጊ፡ ስርዓትን ትካላትን ኢትዮጵያ ኣኽቢሩ ዘይከይድ ህወሓት መስራቲ እቲ ምምሕዳር ኣይኰነን’ ዝብል መጐት እዩ ዘልዕል ዘሎ። ብሓፈሻ ክረአ ግን እቲ ዝፍጸም ዘሎ ምሃብ ሽመትን ምውራድን ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ እዩ” ክብል ምስ ሓሳብ ሓጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ዝሰማማዕ መደምደምታ የቐምጥ።
ልሙድ ኣሰራርሓ . . .
ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ካብ ዝለዓሉን ነቐፌታታት ካብ ዝቐርበሎምን ጉዳያት እቲ ሓደ ‘መንግስትን ገዛኢ ፖለቲካዊ ውድብን ዝተሓዋወሱ ኰይኖም’ ዝብል እዩ። ናብ ጉዳይ ትግራይ እንተመጺእና’ውን ክልላዊ መንግስቲ ብህወሓት ዝተዓብለለ ከምዝኾነ ነቐፌታታት ይቐርቡ።
ህወሓት ኣብቲ ክልል ገዛኢ ውድብ ከም ምዃኑ መጠን ሕጋዊ መሰረት ዝሓዙ ልዕልናታት እኳ እንተሃለዉዎ፡ ኣብቲ ዝቐውም ክልላዊ መንግስቲ ግን ዕብለላ ክህልዎ ወይ ጸቕጢ ክፈጥር ሕጋዊ ከምዘይኮነ ካብተን ኣብ ትግራይ ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባት ኮነ ካልኦት ተዓዘብቲ ዝወሃብ ርእይቶ እዩ።
“መንቀሊ ናይቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ጸገማት እቲ ዝጸንሐ ኣካይዳ እዩ። ውድብ ዘይኣመኖ ናብ መንግስትነት ክሽወም ኣይክእልን። ኵሉ ብውድብ ገይሩ እዩ ዝሓልፍ ነይሩ። ሕዚ’ውን ንሱ ክድገም እዩ ዝድለ ዘሎ” ይብል በዓልሞያ ሕጊ ተኽሊት ገብረመስቀል።
“ውድብን መንግስትን ተሓዋዊሶም” ዝብል ርእይቶታት ብስፍሓት ከምዝቐርብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ዝጠቅስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብዚ ጉዳይ ለውጢ ንምምጻእን ህወሓት ካብ ምምሕዳር ክልላዊ መንግስቲ ዝተፈለየ ምዃኑ ንምርግጋጽን ብዕቱብ ከምዝሰርሓሉ ቃል ክኣቱ ይስማዕ።
ካልእ ምዕባለ ወተሃደራዊ ክንፊ...
ንጉዳይ ሽመት ተፈጢሩ ኣብ ዝተላዕለ ፖለቲካዊ ወጥሪ ትግራይ ስዒቡ፡ እቲ ገለልተኛ ኰይኑ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ክንፊ ትግራይ ኢዱ ምምርሒ ዝሃበሉ ኵነታት ምምጽኡ እውን ካልእ ኣሰካፊ ዛዕባ ኰይኑ ኣሎ። ሓላፊ ጸጥታን ምክትል ፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ዝዀነ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝገብሮ ዘሎ ምሻምን ምስንባትን ሰበስልጣን ደው ከብል ሓቲቱ።
እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክናደየሉ ከምዝግባእ ዝመልከተ እቲ ጀነራል "ኣብ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ዘለዉ'ውን፡ እቲ ናይ መንግስቲ ስልጣን ተጠቒሞም ንገሊኡ ብምውራድ፡ ሓድሽ ምደባታት ምግባር ይረአ ኣሎ" ብምባል፡ እቲ ምውራድን ምሻምን፤ ከምኡ'ውን ነቲ "ምምሕዳር ንምቕያር ዘሎ ድሌት" ብምልኡ ደው ክብል ኣተሓሳሲቡ።
እዚ ብብዙሓት ከም "ኢድ ኣእታውነት" ወይ "ሻራዊነት" ናይቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብቲ ክልል ዘርኢ ሓድሽ ተርእዮ ምዃኑ ዝገልጽዎ ምዕባለታት፡ ነቲ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ትግራይ ናበይ ክወስዶ ይኽእል ይኸውን? እንታይ መልእኽትን ሳዕቤናትን ክህልዎ እዩ? ዝኣመሰሉ ተኣሳሲሮም ዝለዓሉ ኣሰከፍቲ ሕቶታት ኣብ ግዜ ክንርእዮም ኢና።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







