መቐለ፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ህወሓትን ትግራይን ይዘራረብ ኣሎ

ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣምባሳደር ኣመሪካ ሚሲንጋን

ምንጪ ስእሊ, Tigray Television

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ህወሓትን ትግራይን ምስ ሰበስልጣን እቲ ክልል ከምዝተማኸረ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሊጡ።

ኤርቪን ማሲንጋ፡ ካብ ትማሊ ሰኑይ 19 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልታት ፃንሒት ናብ መቐለ ኣትዩ ዘሎ፡ ኣብ ውሽጢ ውድብ መሪሕነት ህወሓት ወጥሪ ነጊሱ ኣብ ዝርከበሉ እዋን እዩ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እቲ ክልል፡ እቲ ኣምባሳደር፡ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ውድብ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናንን ምምላስ ተመዛበልትቲ ዝበሉ እዋናዊ ጉዳያት ትግራይ ምስ ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝተላዘበ የመልክት።

እንተዀነ፡ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ብዛዕባ መገሻ እቲ ኣምባሳደር፡ ብፍላይ ህወሓት ብዝምልከት ዘካየዶ ዘተ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።

ኣብ መንጐ ኣቦመንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ምክትል ኣቦመንበር ኣቶ ጌታቸውን ዝተፈጥረ መግምማዕ፡ ኣብቲ ክልል ሓደጋ ፀጥታ ኣንፀላልዩ ከምዘሎ ዝንገር ኰይኑ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ብህወሓት ስም ዝተፈረመ ውዕል ፕሪቶርያ ናብ ሓደጋ ከይወድቕ ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ።

እቲ ናብ ትግራይ ኣምሪሑ ዘሎ ኣምባሳደር ማሲንጋ፡ ‘ፖለቲካዊ ፍልልያት ብኸመይ ብሰላማዊ መንገዲ ከም ዝፍታሕ ምስ ሰበስልጣን እቲ ክልል ክመኻኸር’ ዝዓለመ ምዃኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣስፊሩ ኣሎ።

መግለጺ እቲ ኤምባሲ፡ ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ዘብቀዐ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ብኣድማዒ መንገዲ ክትግበርን ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ክመፅእን ምስ ኩሎም ወገናት ከምዝዝቲ'ውን ይሕብር።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ክልቲኦም ተፃባእቲ ኣካላት ናብ ዝርርብ ንክመፅኡን ውዕል ፕሪቶርያ ክፍርሙን ዓቢ ፅልዋ ከምዝነበሮ ዝንገረሉ ዀይኑ፡ ንተግባራዊነቱ’ውን ብዙሕ ከምዝግደሰሉ እዩ ዝግለጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ልዕሊ 17 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ፣ ኮሚሽን ቁፅፅር እቲ ውድብን ዘይተሳተፍሉ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ንዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ደጊሙ ከም ኣቦመንበር ምምራፁ ዝዝከር እዩ። እቲ ኣካታዒ ጉባኤ ሓድሽ ምክትል ኣቦመንበር'ውን መሪጹ'ሎ።

እቲ ውድብ ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለሰሉ ናብ ቦርድ መረፃ ዘቕረቦ ሕቶ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ጉጅለታት ከሰሓሕብ ዘፅንሐ ዀይኑ፡ እቲ ጉባኤ ሕጋዊነት ከምዘይብሉን ውሳነታቱ ከምዘይፀንዑን እቲ ባርድ ኣፍሊጡ እዩ።

ከምኡ ድማ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሓደሽቲ ኣመሓዳርቲ ዞባታት ደቡብ ምብራቕን ሰሜን ምዕራብን ድሕሪ ምምዛዙ ካብቲ ካልእ ጉጅለ ተቓውሞታት ይስማዕ ኣሎ።

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓት ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር፡ ናብ ኩለን ኣብያተ ፅሕፈት ዞባን ወረዳታትን ህወሓት ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ፡ "ሕጋዊ ኣሰራርሓን እቲ ውድብ ዝተኸተለ ኣይኰነን" ዝብል ኰይኑ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ይገልፅ።

ወይዘሮ ፈትለወርቅ ነዚ ደብዳበ ዝጸሓፈት፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ግዝያዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ፡ ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ዝነበረት ወይዘሮ ሊያ ካሳ ካብ ሓላፍነታ ምልዓሉ ስዒቡ እዩ።

እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ መሪሕነት እቲ ውድብ ዝፀንሐ ወጥሪ ክብ ኣቢልዎ ኣሎ።

ደብረ ጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብቲ ኣካታዒ መበል 14 ዋዕላ ህወሓት ዘይተረኽቡ፡ ኣብ ሓላፍነት ምምሕዳር እቲ ክልል ዘለዉን ኣካላት ኣመራርሓ፡ ነቲ ውድብ ከምዘይውክሉ ምግላፁ ዝዝከር እዩ።

ፕረዚደንት ታቸው በወገኑ፡ ብዶ/ር ደብረፅዮን ዝምራሕ ህወሓት "ኣዕናዊ ጉጅለ" ብምባል ምስ ተለቪዥን ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ንምምንዛዕ ዝግበር ፈተነ እዩ ምባሉ ዝዝከር እዩ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ፡ ኣብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ መቐለ ኣሉላ ኣባንጋንጋ ምስ በጽሐ፡ ግዝያዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ምክትል ፕረዚደንትን ሓለፊ ጸጥታ እቲ ክልልን ዝኾነ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

እቲ ኣምባሳደር ኣብ ናይ ሰለስተ መዓልታት ጻንሒቱ፡ ኣመሪካ እትድግፎ መፅለሊ ግዳያት ዓመጽ ኲናት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ ከምኡ’ውን ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ምፍታሕን፡ ከምኡ'ውን ብኣመሪካ ዝካየዱ ካልኦት ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ክዕዘብ ምዃኑ'ውን ፀብፃባት ይሕብሩ።