ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብቲ ክልል 'ንሱ ዘይፈልጦ' ኣኼባታት ከይካየድ ከልኪሉ

ምንጪ ስእሊ, TPLF
ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዞባታት፡ ወረዳታትን ከተማታትን ንሱ ዘይፈልጦም ኣኼባታት ከይካየዱ ከልኪሉ።
ኣቶ ጐታቸው፡ ትማሊ ሰሉስ ናብ ኵለን ዞባታት፡ ወረዳታት፡ ከተማታትን ከባቢያዊ ኣብያተ ምኽርን ኣብ ዝዘርግሖ ደብዳበ፡ ዝዀነ ይዅን እቲ ፕረዚደንት ዘይፈለጦ ኣኼባ ከይካየድ፡ ክካየድ ግድን እንተዀይኑ ድማ ኣቐዲሙ ንዕኡ ከፍልጥ ከምዘለዎ የተሓሳስብ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ መሪሕነት ህወሓት ኣብ ክልተ ተመቒሉ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ክኸውን እንከሎ፡ ብዶ/ር ድበረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ፡ መበል 14 ጉባኤ ኣካይዱ፡ ነቶም ኣብኡ ዘይተሳተፉ በዓል ኣቶ ጌታቸው ዝርከቦም ኣባላት ማእከለይ ኮሚቴ ካብ ኣባልነት ‘ኣጊደ’ ምባሉ ይዝከር።
ኣቶ ጌታቸው ዝርከብዎም ልዕሊ 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ብርክት ዝበሉ ተጋባእቲ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ትግራይ ዘይሳተፍሉ ጉባኤ፡ ዶ/ር ደብረጽዮን መሊሱ ኣቦመንበር ገይሩ ብምምራጽ፡ ሓደስቲ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ሰይሙ ኣሎ።
እቲ ብግዝያዊ ምምሕዳር ዝተዘርገሐ ደብዳበ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተቐመጡ ንጥፈታት ‘ብግዜ የለን’ መንፈስ እናሳለጠ ከምዝርከብ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ዛጊድ ዘይተዛዘሙ ዝበሎም፡ ብፍላይ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ምምላስን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንምኽባርን ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎን ይሕብር።
“ምምሕዳርና ካብዚ ሒዝናዮ ዘለና ክረምቲ ጀሚሩ ክሳብ ዝመፅእ ዓመት፡ ዘይተመለሰ መሬትና ግዝኣትናን ምምላስ፤ ሰላምና ምፅናዕን ምዕሟቕን ኣብ ስራሕቲ ዳግም ህንፀት’ው ክሰላሰሉ ዝገበኦም ስራሕቲ ክዓምም ኣብ ቅድመ ምድላው ይርከብ” ይብል።
ከምኡ’ውን ኣብቲ ክልል ከም ብሓድሽ ተራእዩ ዘሎ ሕማም ኮሌራ ንምሕካምን ንምክልኻልን፡ ዝሓለፈ ባጀት ምዕጻውን ንመጻኢ ዓመተ-2017 ንምትላምን ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ’ውን ወሲኹ ይገልጽ።
“መሓውር መንግስቲ ነዚ ሒዝናዮ ዘለና መደባት ንጐድኒ ብምግዳፍ ዝካየድ ኣኼባ ንመደባት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝጐድእ ስለዝዀነ፡ ዘይተወደበ አኼባ ክካየድ ከምዘይብሉ የፍልጥ” ይብል።
“ካብዚ ወፃኢ ዝፅዋዕ ኰነ ዝካየድ ኣኼባ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ፈሊጥኩም፡ ቅድሕ ዝተገበረልኩም ኣካላት መንግስቲ ግቡእ ክትትልን ቁፅፅርን ክትገብሩ የተሓሳስብ።”
እቲ ናብ ኵለን ዞቦታትን ወረዳታትን ዝተለኣኸ ደብዳበ፡ ንኣብያተ ዕዮ እቲ ልልልን ንክላስተር መተሓባበርትን ቅዳሕ ተገይሩ ይርከብ።
ኣብ ጽባሕ ፖለቲካዊ ቍርቍስ
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ነቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣፍልጦ ዝነፈጐ ስለዝዀነ ክድገም ተኽእሎ ከምዘሎ ይዝረብ።
ክልቲኦም ጕጅለታት ህወሓት፡ ቦርድ መረጻ ነቲ ውድብ ከምሓድሽ ሰልፊ ምምዝጋቡ ብምቅዋም ዝነበሮ ኣፍልጦ ክምለሰሉ ብምጥላብ ምስቲ ቦርድ ኣብ ምስሕሓብ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ጐድና ጐድኒ፡ እቶም ካብ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ንርእሶም ዘግለሉ ኣባላት ላዕለዎት መራሕቲ ዝተወደበ፡ 'ምድሓን ህዝብን ውድብን' ዝዓለመ ኣኼባ ምክያዱ ዝዝከር እዩ።
እቲ ንሓደ መዓልቲ ዝተሳለጠ ዋዕላ፡ በዓል ዓሰርተ ነጥቢታት መግለጺ ቅዋም ብምውጻእ ዝተዛዘመ ዀይኑ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይ ሓሳባት፡ ዘይሻራዊ መርገጺ ሒዞም ክቕጽሉ ይፅውዕ።
ኣቶ ጌታቸው ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምዃን ኣብቲ ክልል ስልጣን ሒዙ ብምህላዉ እቲ ምክፍፋል ናብ ረጽሚ ከየምርሕ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።
ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ንምምንዛዕ ክፍትን ከምዝኽእል ኣቶ ጌታቸው ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ህወሓት፡ ዳርጋ ን30 ዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ ኢትዮጵያ፡ ስልጣን ዓብሊሉ ዝጸንሐ ውድብ ኰይኑ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኣብ ማእከል ሃገር ዝነበሮ ጽልዋ እናንቆልቆለ መጺኡ ጽልዋኡ ናብ መቐለ ተሓጺሩ።
ድሕሪ እቲ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህይወት ዘጥፍአ ኣዕናዊ ኲናት ትግራይ ድማ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ውሽጣዊ ምፍልላይን ሕጋዊ ኵነታት እቲ ውድብን እናዓሞቐ ብምምጽኡ፡ ማእከላይ ኮሚተኡ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ባዕሉ ንባዕሉ ኣብ ምክሳስ ይርከብ።።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







