ኣካታዒ ጉባኤ ህወሓት፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ኣቦመንበር ኮይኑ ተመሪጹ

ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

ምንጪ ስእሊ, TPLF

ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣቦመንበር ህወሓት ክኸውን በቲ ሎሚ ዝተዛዘመ ኣካታዒ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ዳግም ተመሪጹ።

እቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ክካየድ ዝቐነየ ጉባኤ፡ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ከምዝመረጸ'ውን ብወግዒ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣቶ ኣማኒኤል ኣሰፋ ድማ ምክትል ኣቦመንበር ኮይኑ ተመሪጹ'ሎ።

ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብኤር፡ ልያ ካሳ፡ ተኽላይ ገብረመድህን፡ ዶ/ር ፍስሃ ሃፍተጽዮን፡ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ፡ ረዳኢ በርሀ፡ ከምኡ'ውን ዶ/ር ሰሎሞን ኪዳነ ድማ ኣባላት ፈጻሚ ስራሕ ኮይኖም ኣለዉ።

እቲ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ፖለቲከኛ ምዃኑ ዝንገረሉን ምስ ጌታቸው ረዳ ከቢድ ንሕንሕ ዝነበሮን ኣለም ገብረዋህድ ንፈለማ ግዜ ካብ ፈፃሚት ስራሕ ወሪዱ ኣሎ።

እቲ ውድብ ኣብ መራሕቱ ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ምህላዉ ይፍለጥ።

በቲ ምክትል ኣቦመንበር ናይቲ ውድብ ዝኾነ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ወገን፡ እቲ ሎሚ ዝዛዘም ዘሎ ጉባኤ 'ዘይሕጋዊ'ዩ' ብዝብል ተሓሲምዎ'ዩ።

ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ነቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣፍልጦ ዝነፈጎ ስለዝኾነ ክድገም ተኽእሎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ክልቲኦም ወገናት ፡ ዶርድ መረጻ ነቲ ውድብ ከምሓድሽ ሰልፊ ምምዝጋቡ ብምቅዋም ዝነበሮ ኣፍልጦ ክምለሰሉ ብምጥላብ ምስቲ ቦርድ ኣብ ምስሕሓብ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ምስ ምክትሉ ኣብ መበል 14 ኣካታዒ ጉባኤ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብኣንጻሩ፡ በቶም ካብ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ንርእሶም ዘግለሉ ኣባላት ላዕለዎት መራሕቲ ዝተወደበ፡ 'ምድሓን ህዝብን ውድብ' ዝዓለመ ኣኼባ ክካየድ ቀንዩ።

እቲ ንሓደ መዓልቲ ዝተሳለጠ ዋዕላ፡ ትማሊ በዓል ዓሰርተ ነጥብታት መግለጺ ቅዋም ብምውጻእ እዩ ተዛዚሙ።

ገለ ካብቶም ነጥብታት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይ ሓሳባት፡ ዘይሻራዊ መርገጺ ሒዞም ክቕጽሉ ዝጽውዕ'ዩ።

ኣቶ ጌታቸው ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምዃን ኣብቲ ክልል ስልጣን ሒዙ ብምህላዉ እቲ ምክፍፋል ናብ ረጽሚ ከየምርሕ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።

ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጉጅለ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ንምምንዛዕ ክፍትን ከምዝኽእል ኣቶ ጌታቸው ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እቶም “ጕጅለ” ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት፡ ዘካይድዎ ዘለዉ ጉባኤ፡ ብቐንዱ ንሕገ ደንቢ እቲ ውድብ ዝጥሕስ፡ ግን ንድሌት ውሱናት አባልት ፈጻሚ ስራሕ ዘማልእ ዘይሕጋዊ ጉባኤ ምዃኑ ሓቢሩ።

ጉጅለ ዶ/ር ደብረጽዮን ብወገኖም፡ ክስታት ኣቶ ጌታቸውን ብጾቱን ናይ "ሕሶት" ጠቐነ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ሕጋዊ'ዩ ክብሉ ይምጉቱ።

ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ህወሓት፡ ዳርጋ ን30 ዓመታት ኣብ ኣሕምብርቲ ፖለቲካዊ ኢትዮጵያ፡ ስልጣን ዓብሊሉ ዝጸንሐ ውድብ'ዩ,ነይሩ።

ኣብዪ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኣብ ማእኸል ሃገር ዝነበሮ ጽልዋ እናንቆልቆለ መጺኡ ጽልውኡ ናብ መቐለ ተሓጺሩ።

ድሕሪ እቲ ኣስታት 800,000 ህይወት ዘጥፍአ ኣዕናዊ ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ብሰንኪ ውሽጣዊ ምፍልላይን ሕጋዊ ኩነታት እቲ ውድብን እናዓሞቐ ብምምጽኡ፡ ማእከላይ ኮሚተኡ ኣብ ክልተ ተገሚዑ በብወገኑ ክካሰስ ተራእዩ።

መራሕቲ ህወሓት ኣብ ሓያል ናይ ስልጣን ቃልሲ ተጸሚዶምሉ ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ ኩነታት ጸጥታ ትግራይ ወጥሪ ሰፊንዎ ይርከብ።

እቲ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ንሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ብኸመይ ከምዝጸልዎ ገና ኣይተፈልጠን ዘሎ።

ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይ ሓሳባት፡ ዘይሻራዊ መርገጺ ሒዞም ክቕጽሉ ጻውዒት ቀሪቡሎ።

እዚ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኢትዮጵያ (ኢህወዴግ) ዓብላሊ ሓይሊ ዝነበረ ውድብ፡ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ውሽጣዊ ባእስን ግዳማዊ ጸቕጥታትን ይቃለስ ኣሎ።