ትግራይ፡ ሓይልታት ጸጥታ ዘይሻራዊ መርገጺ ሒዞም ክቕጽሉ ጻውዒት ቀሪቡ

ኣባላት ሓይልታት ትግራይ [ቲዲኤፍ]

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

በቶም ካብ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ንርእሶም ዘግለሉ ኣባላት ላዕለዎት መራሕቲ ዝተወደበ፡ 'ምድሓን ህዝብን ውድብ' ዝዓለመ ኣኼባ፡ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይ ሓሳባት፡ ዘይሻራዊ መርገጺ ሒዞም ክቕጽሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ንሓደ መዓልቲ ዝተሳለጠ ዋዕላ፡ ትማሊ በዓል ዓሰርተ ነጥብታት መግለጺ ቅዋም ብምውጻእ እዩ ተዛዚሙ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንውዕል ፕሪቶርያ ክሳብ መፈፀምታ ንምትግባርን፡ በቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምግምማዕ ከይሰናኸልን ኣትሪሩ ከስርሕ ድማ ቃል ኣትዩ።

ኣብቲ ዋዕላ፡ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ ማእከላይ ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓት ዝተሳተፉ ኰይኖም፡ 'ህወሓት ንበይኑ ስልጣን ዝብሕት ዘይኰነስ ምስ ካልኦት ተነሓናሕቲ ውድባት ሓቢሩ ዝሰርሕ ዲሞክራስያዊ ውድብ ንምግባር ከምዝቃለሱ' እቶም ኣኼበኛታት ቃል ኣትዮም።

እቲ መግለፂ ቅዋም፡ ብኣቦ መንበር ህወሓት ዝካየድ ዘሎ ጉባኤን ውሳነታቱን ዘይሕጋውን ተፈጻምነት ዘይብሉን ምዃኑ ዘፍለጠ ኰይኑ፡ ብሄራዊ ውድባት፡ ዲያስፖራ ተጋሩ ከምኡ'ውን ካልኦት ማሕበራት ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ተሓባቢሮም ክሰርሑ ፀዊዑ።

እንተዀነ፡ ኣብዚ ጉባኤ ተደናጊሮም ዝኣተወኡ ጉባኤኛታት፡ 'ካብዚ መገዲ ወጺኦም ናብ ቅኑዕን ናብ ንህዝቢ ዝረብሕን' ክምለሱ ጻውዒት ቀሪቡ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከብዎም፡ ኣስታት 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ካልኦት ላዕለዎት ካድረታት እቲ ውድብን፡ ካብቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ጀሚሩ ንሓሙሻይ መዓልቱ ሒዙ ዘሎ ጉባኤ ህወሓት ንዓርሶም ከምዘግለሉ ዝዝከር እዩ።

ማእከላይ ኮሚሽን ቍጽጽር እቲ ውድብን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያን ዘይሕጋዊ ምዃኑ ዝገለጾ መበል 14 ጉባኤ፡ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝዀኑ ተሳተፍቱ፡ ኣጀንዳታት ቀሪጾምን ውሳነታት ኣሕሊፉን ኣኼባኡ ይቕጽል ከምዘሎ ወሃቢ ቃል ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ብ17 ነሓሰ 2024 ኣብ መግለጺኡ ተዛሪቡ።

ኣቶ ኣማኑኤል፡ “እዚ ጉባኤ ካብ ዝተሰየመሉ እዋን ጀሚሩ ማእከላይ ኮሚቴን ኮሚሽን ቍጽጽርን ህወሓት፡ ስራሕን ሓላፍነት የብሎምን፡ ዝዀነ ፖለቲካዊ ንጥፍታት ብስሙ ከካይዱ ኣይክእሉን” ኢሉ።

ጌታቸው ረዳ

ምንጪ ስእሊ, TPLF/FB

ኣቶ ጌታቸው እንታይ ኢሉ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ ትማሊ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ ትግራይ- መቐለ ዝተፀወዐ ኣኼባ ህወሓት፡ ካብ ምክትል ኣቦመንበር ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ መብርሂ ከም ዝተወሃበ፡ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸበ ሪፖርተር ቢቢሲ ሓቢሩ።

‘ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ንምሕዳግ ምንቅስቓሳት ይግበር’ ከምዘሎ ቅድም ክብል ዘተሓሳሰበ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ 'ፖለቲካዊ ኵነታት እቲ ውድብን እቲ ክልልን ናብ ንቡር ንምላላስ' እዚ ዘተ ኣዝዩ እዋናውን ኣገዳስን ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ተዛሪቡ።

ኣቶ ጌታቸው፡ “ንምበርከኽ ዝበለ ኣካል የለን፤ ሰላም ምምራጽ ህዝብና ዝደልዮ ነገር ስለዝዀነ ቅድሚያ ክወሃቦ ዝግባእ እዩ. . . ኣብ ልዕለና ኲናት ዝፅዕን እንተሎ’ውን ብኣግባቡ ምድላው እዩ፤ እንተዘይኰነ ብዓፀበይን ቀለለይን ‘መክት’ እናበልካ ጻውዒት ምቕራብ ልክዕ ኣይኰነን፤ ብዝተኽኣለ መጠን ሽግር ብዝርርብ ንምፍታሕ ኢና ክንሰርሕ ዘለና” ከምዝበለ ድማ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣቶ ጌታቸው፡ “ህወሓት ከም ሓድሽ ውድብ ክምዝገብ ዝኸኣለ ብሰንኪ 4 ኣባላት ፈጻሚት እዩ” ክብል ዝኸሰሰ ኰይኑ፡ እቲ ህወሓት ከም ብሓድሽ ናይ ምምዝጋብ ኣካይዳ፡ ኣንጻር ውሳነታትን እምነትን ማእከላይ ኮሚቴ ከምዝዀነ ወሲኹ ኣብሪሁ።

እዚ ድማ፡ ንውዕል ፕሪቶርያ ዋና ዘስእን፡ ሓድነት ህዝቢ ዝሽርሽርን ንተበለጽቲ ንሓደጋ ዘሳጥሕን ከምዝዀነ ኣመልኪቱ።

እቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ብወገኑ፡ ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለሱ ጥራይ ምሕታቱ ብምዝኽኻር፡ ካብ ቦርድ መረጻ ዝተወሃበ ውሳነ ምንጻጉ ዝዝከር እዩ።

ኣቶ ጌታቸው ግን፡ እቲ ጉባኤ ዘካይድ ዘሎ ጕጅለ፡ 'ነቲ ውሳነ ተቐቢልዎ ዝሓደረ እዩ' ክብል ከሲሱ።

ቦርድ መረጻ፡ ነቲ ብኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ዘካይዶ ዘሎ መበል 14 ጉባኤ ይዅን ኣብቲ መድረኽ ዝመሓላለፉ ውሳነታት ኣፍልጦ ከምዘይህብ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።

ኣኼባ