እስራኤል ኣብ ቓዛ ሓካይም ብጌጋ ከምዝቐተለት ኣሚና

ሰራዊት እስራኤል ብ23 መጋቢት ኣብ ደቡባዊ ቓዛ 15 ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ምቕታሎም ጌጋ ከምዝኾነ ተኣሚኑ።
ቃፍላይ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም (PRCS) ኣምቡላንሳት፡ መኪና ሕቡራት ሃገራትን ካብ ሲቪላዊ ምክልኻል ቓዛ ዝመጸት ናይ መጥፋእቲ ሓዊ መኪናን ኣብ ከባቢ ራፋሕ ተኹሲ ተኸፊትዎም።
እስራኤል ፈለማ፡ እቲ ናይ መካይን ቃፍላይ ጸልማት እንከሎ ብዘይ መብራህቲ "ብዘጠራጥር መንገዲ" ይጉዓዛ ስለዝነበራ ወተሃደራት እታ ሃገር ተኹሲ ከምዝኸፈቱ ገሊጻ።
ብተወሳኺ ቅድሚ ሕጂ ምስ ሰራዊት ዝተዋደደ ወይ ድማ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሐሉ ምንቅስቓስ ከምዘይነበረ ሓቢሩ።
ብሓደ ካብቶም ዝተቐትሉ ተሓጋገዝቲ ሓካይም ዝተቐድሐ ናይ ሞባይል ቴሌፎን ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ እተን መካይን ዝቖሰሉ ሰባት ንምሕጋዝ ንዝተገብረ ጻውዒት ክምልሳ ከለዋ ብርግጽ መብራህቲ ወሊዐን ከምዝነበራ ዘርኢ እዩ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብውሕዱ ሽዱሽተ ካብቶም ሓካይም ምስ ሓማስ ምትእስሳር ከምዘለዎም ይገልጽ - ክሳብ ሕጂ ግን ዝኾነ መርትዖ ኣየቕረበን።
እቶም ወተሃደራት ተኹሲ ክኸፍቱ ከለዉ ዕጥቂ ከምዘይነበሮም ድማ ይኣምን።
እቲ ፈለማ ብኒውዮርክ ታይምስ ዝተዘርገሐ ብሞባይል ዝተቐረጸ ቪድዮ፡ እተን መካይን ኣብ ጽርግያ ደው ኢለን እንከለዋ፡ ብዘይ መጠንቀቕታ፡ ተኹሲ ክጅምር ከሎ ዘርኢ እዩ።
እቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ንልዕሊ ሓሙሽተ ደቓይቕ ዝቕጽል ኮይኑ፡ እቲ ረፋት ራድዋን ዝተባህለ ሓጋዚ ሓኪም፡ ድምጺ ወተሃደራት እስራኤል ናብተን መካይን ቅድሚ ምቕራቡ ናይ መወዳእታ ጸሎቱ ክገብር ተሰሚዑ።
ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ሎሚ ሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ወተሃደራት ኣቐዲሞም ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኣባላት ሓማስ ዝጸዓነት መኪና ተኲሶም ከምዝነበሩ ሓቢሩ።
እተን ኣምቡላንሳት ናብቲ ከባቢ ምስ ቀረባ፡ ተቖጻጸርቲ ምክትታል ኣየር፡ ነቶም ኣብ መሬት ዝነበሩ ወተሃደራት "ብጥርጣረ ይግስግሳ" ከምዘለዋ ሓቢሮምዎም።
እተን ኣምቡላንሳት ኣብ ጎኒ መኪና ሓማስ ደው ምስ በላ፡ እቶም ወተሃደራት ኣብ ሓደጋ ከምዝኣተዉ ብምግማት ተኹሲ ከፊቶም። እንተኾነ ካብቶም ህጹጽ ረድኤት ጉጅለ ዕጡቕ ከምዝነበረ ዝሕብር መርትዖ ኣየቐርበን።
እስራኤል፡ እቲ እተን መካይን ብዘይ መብራህቲ ይጉዓዛ ከምዝነበራ ኣቐዲማ ሂባቶ ዝነበረት ሓሳብ ጌጋ ከምዝነበረ ኣሚና'ያ።
እቲ ቪድዮ ከም ዘርእዮ፡ እተን መካይን ንጹር ምልክት ከም ዝተገብረለንን፡ እቶም ሓካይም ድማ ኣንጸባራቒ ዩኒፎርም ከም ዝለበሱን ይሕብር።
እቶም ወተሃደራት ሬሳታት ናይቶም 15 ዝሞቱ ሰራሕተኛታት ካብ እንስሳ ዘገዳም ንምክልኻል ኣብ ሑጻ ከምዝቐበርዎም እቲ እስራኤላዊ ላዕለዋይ ኣዛዚ ገሊጹ።
ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ኣህጉራውያን ትካላት ናብቲ ከባቢ ውሑስ መሕለፊ ክውድቡ ወይ ነቲ ቦታ ከረኽብዎ ስለዘይከኣሉ፡ እቲ ፍጻመ ድሕሪ ሓደ ሰሙን'ዩ ተቓሊዑ።
ሓደ ጉጅለ ረድኤት ነቶም ሬሳታት ምስ ረኸብዎም፡ ናይቲ ፍጻመ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝሓዘት ሞባይል ረፋት ራድዋን እውን ረኺቦም።
እቲ ወተሃደራዊ ሓላፊ፡ ካብቶም ሓካይም ቅድሚ ምሟቶም ብመቑሕ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ዝገልጽ ጸብጻባት ክሒዱ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ሓደ ብህይወት ዝጸንሐ ሓኪም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እተን ኣምቡላንሳት መብራህተን ወሊዐን ከምዝነበራን፡ መሳርሕቱ ምስ ዝኾነ ዕጡቕ ጉጅለ ምትእስሳር ከምዝነበሮም ንዝገልጽ ጸብጻባት ነጺጉ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ "ቅደም ተኸተል ፍጻመታትን ኣተሓሕዛ እቲ ኩነታትን ክርድኦ'ዩ" ብምባል፡ ነቲ ፍጻመ "ብዕምቆት ክምርምሮ" ቃል ኣትዩ።
ቀይሕ ወርሒን ካልኦት ብዙሓት ኣህጉራዊ ትካላትን ናጻ መርመራ ክካየድ ይጽውዑ ኣለዉ።
እስራኤል ቀዳማይ ምዕራፍ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ድሕሪ ምዝዛሙን ካልኣይ ምዕራፍ ዝምልከት ድርድር ደው ምስበለን ብ18 መጋቢት ኣብ ቓዛ መጥቃዕቲ ኣየርን ምድርን ጀሚራቶ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 1200 ሰባት ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።
ሰራዊት እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ ሓማስ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምር ክሳዕ ሎሚ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ እቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ወሲኹ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







