ድሕሪ 10 ዓመት ካብ ማእሰርቲ ሓማስ ናጻ ዝወጽአ ቤተ-እስራኤላዊ ኣቬራ መንግስቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓማስ፡ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ምስ ፈጸመ ጅሆ ካብ ዝወሰዶም ኣርባዕተ ሰባት ዝርከብዎም ሽዱሽተ እስራኤላውያን፡ ብቐዳም 22 ለካቲት ፈቲሑ።
ካብኣቶም፡ ብዘይካ እቶም ኣብ ፈስቲቫል ሙዚቃ ኖቫ ዝሳተፉ ዝነበሩ ኣርባዕተ እስራኤላውያን፡ ክልተ ነጻ ዝወጽኡ ውልቀሰባት፡ እስራኤላውያን ኣቬራ መንግስቱን ሂሻም ኣል-ሰይድን፡ ንዓመታት ኣብ ቓዛ ዝጸንሑ'ዮም።
ትውልደ ኢትዮጵያዊ ኣቬራ መንግስቱ ካብ 2014፡ ሻሂም ኣል-ሰይድ ድማ ካብ 2015 ኣትሒዞም ኣብ ትሕቲ ሓማስ ጸኒሖም።
ኣብቲ እዋን ሓማስ እቶም ክልተ እሱራት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ምዃኖም እኳ እንተገለጸ፡ ወግዓዊ ሰነዳት እስራኤል ዝረኣየ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች ግን ክልቲኦም ኣብ ወተሃደራዊ ስራሕ ዘየገልግሉ ሲቪላት ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ።
እስራኤል፡ ኣቬራ መንግስቱን ሻሂም ኣል-ሰይድን ንዓመታት ሓራ ከተውጽእ ዘይምኽኣላ፡ ኣብ ስድራቤቶምን ሲቪላውያን ጕጅለታትን ተስፋ ምቝራጽ ፈጢሩ ጸኒሑ።
ሓማስ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ልዕሊ 250 ሰባት ጅሆ ሒዙ ናብ ቓዛ ድሕሪ ምውሳዱ፡ ስድራቤት ኣቬራ ጕዳይ ወዶም ዳግም ብምልዓል ጐስጓሳት ከካይዱ ጸኒሖም።
ጥላ ፈንታ፡ መራሒት ኣቬራ ንምምላስ ዝግበር ምንቅስቓስ ኰይና፡ ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ኣቬራ መንግስቱ ሕጂ'ዩ ዝሓሸ ዕድል ዝህልዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚ ክብል እንከለኹ ግን ብጓሂ'ዩ፡" ኢላ ነይራ።
እስራኤል ንኣቬራን ሂሻምን ካብ ማእሰርቲ ሓማስ ንዓመታት ከተፍትሖም ብዘይምኽኣላ ተስፋ ከም ዝቘረጹ እቶም ስድራቤት ይገልጹ።
ኣቬራ መንግስቱ፡ ብ2014 ናብ ቓዛ ክኣቱ እንከሎ፡ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓማስ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
ን3,821 መዓልታት ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2023 ብህይወት ከም ዘሎ ዘርኢ ቪድዮ ክሳብ ዝዝርጋሕ፡ ብዛዕባ ዘለወሉ ኵነታት ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን።
ከመይ ኢሉ'ዩ ኣብ ኢድ ሓማስ ኣትዩ?
ካብ ቤተ-እስራኤላውያን ስድራቤት ብ1986 [ኣ.ኤ] ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልደ ኣቬራ፡ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ኣይሁድ ካብታ ሃገር ዝተወስዱሉ ምስጢራዊ ስርሒት ዝዀነ 'ስርሒት ሰሎሞን' ኣቢሉ'ዩ ካብ ኢትዮጵያ ወጺኡ።
ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ፡ ብተኸታታሊ ናብ እስራኤል ኣብ ዝተወስድሉ እዋን ኣቬራ ምስ ወለዱን ኣሕዋቱን ናብ እስራኤል ክኸይድ እንከሎ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት እዩ ነይሩ።
ኣብ እስራኤል ከተማ ኣሽከሎን ምስ ትሽዓተ ኣሕዋቱ ዝዓበየ ኣቬራ መንግስቱ፡ ብሞት ናይቲ ኣዝዩ ዝቐርቦ ዝነበረ ዓቢ ሓዉ ሚካኤል መንግስቱ፡ ኣዝዩ ከም ዝሓዘነን ነብሱ ክንጽል ከም ዝጀመረን መርበብ ሓበሬታ 'እስራኤል ሃዮም' ሓቢሩ።
ኣቬራ፡ ካብ ካልኦት ሰባት ካብ ምንጻል ሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት እስራኤል ነዊሕ ጕዕዞ እግሪ እውን ይገብር ነይሩ።
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ ንእሽቶ ቦርሳ ሒዙ ካብ ገዛ ብምውጻእ ኣብ ወሽመጥ ቓዛን እስራኤልን ናብ ዝተዘርግሐ ሓጹር ጸጥታ ኣምሪሑ ነይሩ።
ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ወተሃደራት እስራኤል ኣቬራ ነቲ ሓጹር ከይሰግር ደው ከብሉዎ እኳ እንተፈተኑ፡ ንሱ ግን ነቲ ሓጹር ደይቡ ናብ ወሽመጥ ቓዛ ሰጊሩ።
እቶም ወተሃደራት ኣቬራ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጽአ ስደተኛ እምበር እስራኤላዊ ምዃኑ ኣይፈለጡን ነይሮም፤ ድሒሩ ግን መለለዪ መንነቱ ምስ ረኸቡ እስራኤላዊ ምዃኑ ተገንዚቦም።
እቲ ብሓማስ ናብ ዝመሓደር ወሽመጥ ቓዛ ዝኣተወ ኣቬራ፡ ድሕሪኡ ደሃዩ ጠፊኡ ጸኒሑ።
ሓማስ ኣብ ጥሪ 2023 ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ ድማ ንፈለማ እዋን ተራእዩ።
እዚ ድማ ኣቬራ ኣብ ቓዛ ብህይወት ከም ዘሎ ናይ መጀመርታ መርትዖ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ቪድዮ እቲ እስራኤላዊ ዜጋ "ኣነ እሱር ኣቬራ መንግስቱ'የ። ክሳብ መዓስ እየ ኣብዚ ክጸንሕ? ድሕሪ እዚ ኵሉ ዓመታት ስቓይ መንግስቲ እስራኤል ኣበይ ኣሎ? ካብዚ መከራ መን ከድሕነና?" ብምባል መንግስቲ እስራኤል ካብቲ ዘለወሉ ኵነታት ነከውጽኦ ዝምሕጸን መልእኽቲ ኣሕሊፉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣቬራ መንግስቱ ናብ ቓዛ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ወዲ 28 ዓመት እዩ ነይሩ።
ሕጂ ስድራኡ ካብ ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ፡ ወዲ 38 ዓመት ወዶም "ንዓሰርተ ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን ዘይጽወር ስቓይ ኣሕሊፉ፡" ኢሎም።
ወሲኾም ድማ "ብህይወት ንምምላስ ብዙሕ ጻዕርታት ተገይሩ'ዩ። ጸሎትና፡ ልመናናን ሕቶናን ክሳብ ሎሚ መልሲ ከይረኸበ ጸኒሑ፡" ኢሎም።
"እንፈትዎ ወድና፡ ሓውና፡ ኣኮና ኣቨራ" ተመሊሱ፡ ነዚ ግዜ እዚ ከተኽብሩልናን እንደልዮ ሰላምን ሩፍታን ክትህቡናን ንሓትት፡" ብምባል ማዕከናት ዘዜና ከይርብሽኦም ሓቲቶም።
ኣቬራ ኣብ ስእልታት ክርአ እንከሎ ጽቡቕ ጥዕና ዝርከብ እኳ እንተመሰለ፡ ስነ-ልቦናኡ ከም ዝተሃሰየ ግን ካብቲ ምስ ስድራኡ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን ሓሓሊፉ ዝገብሮም ዝነበሩ ዝርርባት ይስትውዓል ከም ዝነበረ ተገሊጹ።
ንዓመታት ንኽፍታሕ ጎስጓስ ክገብር ዝጸንሐ ዘመድ ኣቬራ ዝዀነ ጊል ኤልያስ ንማዕከናት ዜና እስራኤል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓው ኣቬራ ኢላንን ሓፍቱን "ብዝተሓዋወሰ ስምዒታት" ይጽበይዎ ከም ዝነበሩ ገሊጹ።
"ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ንፈለማ እዋን እዮም ርእዮምዎ፤ ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ኣለዎም፡" ይብል።
ኣቬራ፡ ኣብ ቓዛ ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓማስ ምጽንሑ፡ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ቓዛ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እስራኤል ልዑል ጸቕጢ ዝፈጠረ ጕዳይ እዩ ነይሩ።
ቀዳማይ ምኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ኣቬራ ድሕሪ ምፍታሑ ምስ ኣቬራን ስድራኡን ከም ዝተዘራረበ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።
ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ መብዛሕትኦም ሲቪላት ዝዀኑ ኣስታት 1200 ሰባት ክቐትል እንከሎ፡ ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ተወሲዶም።
እስራኤል ኣብ ቓዛ ን15 ኣዋርሕ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ስዒቡ ኣስታት 50 ሽሕ ፍልስጤማውያን ከም ዝቐተሉ፡ መብዛሕትኦም ሲቪላት ከም ዝዀኑ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።
ምፍታሕ ኣቬራ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ እስራኤልን ሓማስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኰይኑ፡ እስራኤል ብርክት ዝበሉ ፍልስጤማውያን እሱራት ክትፈትሕ እያ፡ ሓማስ ድማ ሒዙዎም ዝጸንሐ ጅሆታት ከረክብ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







