እስራኤል፡ እቲ ትማሊ ዝተረከበቶ ኣስክሬን ናይታ ምስ ደቃ ዝተጨውየት ኣደ ኣይኰነን ኢላ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
እስራኤል፡ እቲ ትማሊ ካብ ቓዛ ዝተመልሰ ሬሳ ናይ ሽሪ ቢባስ ከም ዘይኰነ ብመርመራ ኣስክሬን ከም ዝተረጋገጸ ብምግላጽ፡ ሓማስ ነቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ጥሒሱ ብምባል ከሲሳ።
ሓማስ፡ ትማሊ ኣርባዕተ ኣስክሬን ንእስራኤል ከም ዘረከበ ይዝከር።
ካብቶም ካልኦት ሰለስተ ኣስክሬናት፡ እቶም ክልተ ኣሪኤልን ክፊርን ናይ ዝተባህሉ ደቂ ሓሙሽተ ዓመትን ክልተ ዓመትን ዕድመ ደቃ ከም ዝዀኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሳልሳይ ሬሳ ናይ ገዲም ተቓላሳይ ሰላም ኦዴድ ሊፍሺትዝ ምዃኑ ኣረጋጊጻ።
እቲ ራብዓይ ሬሳ ግን ናይ ሺሪ ወይ'ውን ካልእ ጅሆ ዝተትሓዘ ሰብ ኣይኰነን ተባሂሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ፡ ሓማስ "ሬሳ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ቓዛ ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ኣእትዩ፡" ሰዲዱ ክብል ከሲሱ።
ወሃቢ ቃል ሓማስ እስማዒል ኣል-ጥዋብታ ሎሚ ብኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል፡ ሬሳ ሽሪ ምስ ካልኦት ሬሳታት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ሓደ ትሕተ ቕርጺ ተሓዋዊሱ ክኸዉን ከም ዝኽእል ገሊጹ።
እቲ ጕጅለ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ፡ እቲ ዝተጋገየ ኣስክሬን ናብ እስራኤል ክለኣኽ ዝደረኸ ምኽንያት ንምፍላይ መርመራ ክካየድ ምዃኑ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ እቶም ቈልዑን ኣደኦምን ብደብዳብ እስራኤል ከም ዝተቐትሉ ዝገልጽ ርኢይቶ፡ ሕጂ'ዉን ደጊሙዎ።
እንተዀነ እስራኤል፡ ንስለያን ፎረንሲክን ብምጥቃስ እቶም ቈልዑ "ኣብ ሕዳር 2023 ኣብ ምርኮ ብዝነበሩ ኣሸበርቲ ብጭካነ ተቐቲሎም፡" እያ ትብል።
ሓማስ፡ ካብቲ ዝተታሕዙሉ እዋን ነዊሕ ከይጸንሑ ኣብ ሕዳር 2023 ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ከም ዝተቐትሉ እዩ ዝገልጽ።
እስራኤል ድማ ንህይወቶም ከም እትግደስ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ። ቢቢሲ ነዚ ካብ ናጻ ወገን ዛጊት ኣየረጋገጾን።
ሓማስ ግን ህይወት እቶም ኵሎም ጅሆ ዝሓዞም ንምትራፍ፡ ብምሉእ ዓቕሙ ከም ዝተኸላኸለ እዩ ዝምጕት ዘሎ።
እስራኤል፡ ሬሳ ሽሪ ምስቶም ካልኦት ዝተረፉ ጅሆታት ክምለስ እያ ሓቲታ።
"ሽሪ ምስ ኵሎም ጅሆታትና - ብህይወት ዘለዉን ዝሞቱን - ከነምጽኣ ኢና። ሓማስ ድማ ነዚ ጨካንን እኩይን ምጥሓስ ስምምዕ ምሉእ ዋጋ ከም ዝኸፍል ከነረጋግጽ ኢና፡" ኢሉ ኔታንያሁ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "ኣብ መስርሕ ምልላይ መንነት፡ እቲ ዝተቐበለ ተወሳኺ ሬሳ ናይ ሽሪ ቢባስ ከም ዘይኰነ ተረጋጊጹ፡ ምስ ዝዀነ ካልእ ጅሆ ዝተታሕዘ ሰብ ድማ ዝዀነ ይኹን ምትእስሳር ኣይተረኽበን። እዚ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሬሳ'ዩ፡" ክብል ጽሒፉ።
እቲ ሚኒስትሪ ወሲዅ፡ "እቲ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኣርባዕተ ዝሞቱ ጅሆታት ንምምላስ ግዴታ ዘለዎ ግብረሽበራዊ ውድብ ሓማስ፡ ዝለዓለ ጥሕሰት እዩ ፈጺሙ። ሓማስ ንሽሪ ምስ ኵሎም ጅሆታትና ክመልሳ ንሓትት፡" ኢሉ።
መድረኽ ምሩኻትን ዝጠፍኡ ስድራቤታትን፡ "ሽሪ ኣይተመልሰትን ብዝብል ዜና ከም ዝተሰናበደ" ገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ትግባረ ዘሎ ቀዳማይ ምዕራፍ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ሓማስን እስራኤልን፡ እቲ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ኣርባዕተ ሬሳ ናይቶም ኣብ ጥቅምቲ 2023 ጅሆ ዝሓዞምም'ሞ ደሓር ኣብ ቓዛ ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ከም ዝሞቱ ዝገለጾም ሰባት ትማሊ ኣረኪቡ።
ሰለስተ ካብቲ ሬሳታት ናይ ስድራቤት ቢባስ ኰይኑ፡ ሺሪ ኣብቲ እዋን 32 ዓመት ዕድመ ዝነበረት ኣደ እያ።
ኣብቲ እዋን፡ ደቃ ቈልዓ ኣርባዕተ ዓመትን ወዲ ትሽዓተ ወርሒን ነይሮም። ወዲ 34 ዓመት ኣቦ እቶም ቈልዑ ያርደን ቢባስ ብሓደ ለካቲት 2025 ብሓማስ ተፈቲሑ።
እቲ ራብዓይ ሬሳ ድማ ናይቲ 84 ዝዕድመኡ እስራኤላዊ ሽማግለን ገዲም ጋዜጠኛን ኰይኑ፡ ካብቶም ጅሆ ዝተወስዱ ብዕድመ እቲ ዝዓበየ ነይሩ።
እዛ ዕለት ድማ ካብቲ ዝነኣሰ ክሳብ'ቲ ዝዓበየ ጅሆ ካብ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ሬሳኦም ዝተመልሰላ ኰይና፡ ንእስራኤላውያን ጸልማት መዓልቲ ተባሂላ ትግልጽ ኣላ።
እቲ ከቢድ መሪር ጓሂ ፈጢሩ ዘሎ ናይታ ኣደ ምስ ክልተ ደቃ ኰይኑ፡ ኣሳእሎም ኣብ ገጽ ጋዜጣታት እታ ሃገርን ጐደናታትን ሸፊኑ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Family handout/ PA
ሓማስ፡ "ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ንምክልኻልን "ህይወቶም ንምዕቃብን" ዘለዎ ዓቕሚ ከም ዝተጠቕመ ይገልጽ።
"ኣረሜናውን ቀጻልን ደብዳብ እስራኤል" ንዅሎም እቶም ጅሆ ዝሓዞም ከድሕን ከም ዘየኽኣሎ ኣተሓሳሲቡ።
ሓማስ ብቐጥታ ንስድራቤት እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብህይወት ክምለሱኹም ምመረጽና ኢሉ።
ግን "ግዳይ ናይቲ ብደቍ ዘይግደስ መሪሕነት እዮም" ድማ ኢሉ።
ምስዳድ ኣስክሬናት ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ኣካል ናይቲ ካብ 19 ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ እስራኤልን ሓማስን ኰይኑ፡ እስራኤል ሸሞንተ ሬሳታት ክወሃባ ትጽቢት ከም እትገብር ኣረጋጊጻ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ መወዳእታ ቀዳሞት ሽዱሽተ ሰሙናት ተዅሲ ደው ብምባል 33 ጅሆታት ብኣስታት 1900 እሱራት ክቀያየሩ ተሰማሚዖም።
ናብ ዝቕጽል ምዕራፍ ናይቲ ስምምዕ ንምስግጋር - ኣብ ትሕቲኡ ድማ እቶም ዝተረፉ ብህይወት ዘለዉ ጅሆታት ክፍትሑን እቲ ኲናት ንሓዋሩ ክውዳእን - ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ዝርርብ ክጅምር ነይርዎ፤ እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ኣይተጀመረን።
ዛጊት 28 ጅሆ ዝተታሕዙን ልዕሊ 1000 እሱራትን ተለዋዊጦም ኣለዉ።
ብ7 ጥቅምቲ ዝተወስዱ 66 ጅሆታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ተታሒዞም ኣለዉ።
ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝተታሕዙ ካልኦት ሰለስተ ጅሆ እውን ጌና ኣይወጽኡን።
ካብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ኣስታት ፍርቂ ብህይወት ከም ዘለዉ ይእመን።
ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣስታት 1200 ሰባት - መብዛሕትኦም ሲቪላት - ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ተወሲዶም።
እስራኤል፡ ከም ግብረ መልሲ ኣንጻር ሓማስ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብምውሳዳ ብውሕዱ 48 ሽሕን 297 ፍልስጤማውያን - ብቐንዱ ሲቪላት - ከም ዝቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ።
ብተወሳኺ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ኣብ እትርከብ ከተማ ባት ያም፡ ሰለስተ ኣውቶቡሳት ተፈንጂረን።
ፖሊሲ፡ እዚ መጥቃዕቲ ግብረሽበራ እዩ ኢሉዎ ኣሎ።
ኣብ ካልኦት ክልተ ኣውቶቡሳት ዝነበሩ መሳርሒታት ክፍንጀሩ ከም ዘይከኣሉ ብምግላጽ፡ "ዓብዪ ናይ ፖሊስ ሓይሊ ኣብቲ ቦታ ከም ዘሎን ጥርጡራት ይደልዩ፡" ከም ዘለዉን ሓቢሩ።
ዛጊት በቲ መጥቃዕቲ ዝሞተ ሰብ የለን።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ምዕራባዊ ገማገም ባሕሪ "ኣንጻር ማእከላት ግብረሽበራ ጽዑቕ ስርሒት" ከካይድ ከም ዝኣዘዘ ኣፍሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







