ኣዲስ ኣበባ፡ ቢል ጌትስ ካብ 200 ቢልዮን ዶላር ሃብቱ ዝበዝሕ ንኣፍሪቃ ክህብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, EBC
መስራቲ ማይክሮሶፍት ቢል ጌትስ፡ ዝበዝሕ ሃብቱ ኣብ ዝቕጽሉ 20 ዓመታት ኣብ ምምሕያሽ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርትን ኣፍሪቃ ከም ዝውዕል ገሊጹ።
እቲ ወዲ 69 ዓመት ብዓል-ሃብቲ፡ "ኣፍሪቃውያን ጥዑያትን ዝተማህሩን እንተዀይኖም፡ ነፍሲ-ወከፍ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናብ ብልጽግና ኣብ ዝወስድ መንገዲ ክትህሉ ትኽእል እያ፡" ኢሉ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ መሃዝቲ መንእሰያት ኣፍሪቃ ኪነታዊ ብልሒ (AI) ብምምዕባል፡ ኵነታት ክንክን ጥዕና ናይታ ኣህጉር ብኸመይ የመሓይሽዎ ክሓስቡ ጸዊዑ።
ጌትስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ክሳዕ 2045 ኣብ ዝህሉ ዓመታት ካብቲ 200 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ ትጽቢት ዘለዎ ሃብቱ፡ እቲ 99 ሚእታዊት ክልግሶ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።
"ኣብ ቀረባ እዋን ሃብተይ ኣብ ዝቕጽሉ 20 ዓመታት ክወሃብ ቃል ኣትየ ነይረ። ዝበዝሕ ናይቲ ምወላ ኣብዚ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘጋጥሙ ብድሆታት ንምፍታሕ ኣብ ምሕጋዝ ክውዕል'ዩ፡" ክብል ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ (AU) ኣብ ዝሃቦ መደረ ገሊጹ።
ቀዳመይቲ እመቤት ሞዛምቢክ ነበር ግራሳ ማቸል ነቲ ውሳነኡ ብሓጐስ ከም ዝተቐበለቶ ብምግላጽ፡ እዚ ምልክታ ኣብ "እዋን ቅልውላው" ከም ዝመጽአ ሓቢራ።
"ሚስተር ጌትስ ኣብዚ መስርሕ ለውጢ ምሳና ሓቢሩ ምጓዓዝ ከም ዝቕጽል ትጽቢት ንገብር፡" ኢላ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ከም ኣካል ናይቲ "ቀዳምነት ኣመሪካ፡" ዝብል ፖሊሲኡ፡ ኤችኣይቪ/ኤይድስ ንዘለዎም ሕሙማት ንምሕካም ዝዓለመ መደባት ሓዊሱ፡ ንኣፍሪቃ ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ ብምቍራጹ፡ ብዛዕባ መጻኢ ክንክን ጥዕና እታ ኣህጉር ስክፍታታት ኣለዓዒሉ እዩ።
ጌትስ፡ እቲ ንሱ ዝምውሎ ትካል-ረድኤት (ፋውንዴሽን)፡ መባእታዊ ክንክን ጥዕና ኣብ ምምሕያሽ ኣተኲሩ ከም ዝዓዪ ገሊጹ።
"እቲ ዝተምሃርናዮ፡ እታ ኣደ ቅድሚ ምጥናሳ ኰነ ኣብ እዋን ጥንሳ፡ ጥዕናን ጽቡቕ ኣመጋግባን ክህሉዋ ምሕጋዝ፡ ዝለዓለ ውጽኢት ከም ዘምጽእ'ዩ፡" ይብል።
"እቲ ቈልዓ ኣብተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ዓመታቱ ጽቡቕ መግቢ ከም ዝረክብ ምርግጋጽ'ውን ዓቢይ ለውጢ እዩ ዘምጽእ።"

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ኣብ ዓውዲ ስነኪነት ዝነጥፍ ቢልዮነር፡ ንመንእሰያት መሃዝቲ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ሞባይላት ኣብ ባንክታት ኣፍሪቃ ሰውራ ከም ዘምጽአ ብምሕባር፡ ኪነታዊ ብልሒ ንረብሓ እታ ኣህጉር ክውዕል ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
"ኣፍሪቃ ብዓቢዩ ንልምዳዊ ኣሰራርሓ ባንክታት ዘሊላቶ እያ፣ ሕጂ ድማ ቀጻሊ ወለዶ ስርዓታት ክንክን ጥዕናኻ ኣብ እትሃንጸሉ እዋን፡ ኪነታዊ ብልሒ ብኸመይ ኣብኡ ከም ዝሰርሕ ክትሓስብ ዕድል ኣለካ፡" ይብል።
ጌትስ ሩዋንዳ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ልዑል ሓደጋ ዘለወን ነብሰጾራት ንምልላይ ኪነታዊ ብልሒ ብምጥቃም እትህቦ ኣገልግሎታት ተመሓይሾ ከም ዘላ ገሊጹ።
ትካል-ረድኢት ጌትስ ሰለስተ ቀዳምነታት ከም ዘለዎ ገሊጹ፤ ሞት ኣደታትን ዕሸላትን ምክልኻል፡ መጻኢ ወለዶ ብቐተልቲ ተላባዕቲ ሕማማት እናተሳቐየ ከይዓቢይ ምርግጋጽን ሚልዮናት ሰባት ካብ ድኽነት ምውጻእን።
ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ መወዳእታ 20 ዓመታት፡ እቲ ትካል ስርሑ ደው ከብል እዩ፡" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ጌትስ ብመንገዲ ናይ ትካል-ረድኤቱ ኣቢሉ ምልጋስ ከም ዝቕጽል ገሊጹ።
"ሰባት ምስ ሞትኩ ብዛዕባይ ብዙሕ ክዛረቡ እዮም፣ እንተዀነ፡ ኣነ ሓደ ካብ'ቶም 'ምስ ሃብቱ መይቱ' ዝበሃሉ ከም ዘይከውን ወሲነ እየ፡" ክብል ኣብ ብሎግ ጽሒፉ።
99 ሚእታዊት ካብ ሃብቱ እንተ ሃበ'ውን፡ ነቲ ካብ ዓለም ሓምሻይ ዝሃብተመ ሰብ ቢልዮነር ክሓልፎ ከም ዝኽእል ብሉምበርግ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Lakeside School
ጌትስ ምስ ፖል ኣለን ብምዃን ኣብ 1975 ማይክሮሶፍት መስሪቱ። እቲ ኩባንያ ድማ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ሶፍትዌርን ካልኦት ስነኪነታዊ [ቴክኖሎጂ] ኢንዱስትሪታትን ዓብላሊ ሓይሊ ክኸውን በቒዑ።
ጌትስ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ካብቲ ኩባንያ በብቕሩብ ክእለ ጸኒሑ። ኣብ 2000 ካብ ዋና ፈጻሚ ስራሕ፣ ኣብ 2014 ድማ ካብ ኣቦ መንበርነት ስልጣኑ ተኣልዩ።
ንሱ፡ ገንዘብ ንኽህብ ዝተደፋፍአ፡ ብተግባራት ኣውፋሪ ዋረን ባፈትን ካልኦት ገበርቲ ሰናይን ምዃኑ ገሊጹ።
ይዅን እምበር፡ ገለ ነቐፍቲ፡ ጌትስ ንግብረ-ሰናይ ካብቲ ክኸፍሎ ዝግባእ ደረጃ ግብሪ ንምህዳም ከም ዝጥቀመሉን ኣብ ልዕሊ ስርዓተ-ጥዕና ዓለም ዘይግቡእ ጽልዋ ከም ዘለዎን ይዛረቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







