ቢል ጌትስ ቅድሚ 50 ዓመት ንምንታይ ንማይክሮሶፍት ጀሚሩዎ?

ቢል ጌትስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቢል ጌትስን ፖል ኣለንን ቅድሚ 50 ዓመት ንማይክሮሶፍት ሓቢሮም መስረቱዎ።

ቢቢሲ ኣብ ሰነ 1993 ምስ ሓደ ካብ መስረትቲ ማይክሮሶፍት ቢል ጌትስ ዘካየዶ ቃለመሕትት ናብ ተኸታተልቲ ኣብ ዘመሓላለፈሉ እዋን፡ ኣስታት 130 መርበባት ሓበሬታ (ድሕረ-ገጻት) ጥራሕ እየን ነይረን።

ቢቢሲ "ሆራይዘን" - ዕዮታት ስነፍልጠት ዘቕርብ ፍሉጥ መደብ - ሓበሬታ ንዓለምና፡ "ጅኦግራፊኣን ቍጠባኣን ኣብ ዝቕይረሉ ዝነበረ እዋን፡" ነቲ ሓድሽ "ኤለክትሮንያዊ ጠረፍ ወይ ወሰን፡" ኣብ መደባቱ ይድህስሶ ነበረ።

ቢል ጌትስ ኣብቲ መደብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ዘመነ ሓበሬታ እዩ፣ ኮምፒዩተር ቀንዲ መሳርሒ ናይዚ ዘመን'ዚ እዩ። ሶፍትዌር ድማ ነዚ ኵሉ ሓበሬታ ክሳዕ ክንደይ ብቐሊሉ ክንረኽቦ ከም እንኽእል ክውስኖ እዩ፡" ኢሉ ነበረ።

ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ ተዓዘብቲ ዋጋ 2 ፓውንድ ቸክ ክሰዱን ቅዳሕ ጽሑፍ ናይቲ መደብ ብፖስታ ክቕበሉን ይኽእሉ ነይሮም።

ማይክሮሶፍት ን21 ክፍለ ዘመን ቀይሩዎ እዩ። ሕጂ መብዛሕትኡ ምንቅስቓሳትና ብኤለክትሮንያዊ መሳርሒታት ዝተሓገዘ'ዩ። ሓያሎ ቴክኖሎጅያዊ ምዕባለታት'ውን ይመጽኡ ኣለዉ።

ኢንዱስትሪ ኮምፕዩተር ድሮ ዝቐልጠፈ ዕብየት ኣርእዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ንመጻኢ ኣኽሳቢ ምእንቲ ክኸውን ግን ካብ-ናብ ከተንቀሳቕሶን ክትጥቀመሉ ቀሊልን ምግባሩ ዝተርፎ ዕማም ነበረ።

ማይክሮሶፍት ኣብ ዝጅምረሉ ዝነበረ እዋን፡ ቢል ጌትስን ፖል ኣለንን ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ጠረጴዛን ሓድሕድ ገዛን ኮምፕዩተር ክህሉዋ ዝብል ዕላማ ኣቐመጡ። ኵሎም ድማ ፍርያት ማይክሮሶፍት ይጥቀሙ ነበሩ።

ቈልዑ ከለዉ ኣብ ሲያትል ኣብ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ እዮም ተፋሊጦም፣ ክልቲኦም ፍቕሪ ኮምፕዩተር ከም ዝነበሮም ድማ ተገንዘቡ። ቀጺሎም ናብ ኮለጅ እኳ እንተ ተጸንበሩ፡ ማይክሮሶፍት ንምጅማር ግን ትምህርቶም ኣቋረጹ።

ኰነ ድማ ብ4 ሚያዝያ 1975 ብዕሊ መስረቱዎ።

ማይክሮሶፍት ኣብ 1980፡ ነተን 'ኣይቢኤም' ዝሰርሐን ዝነበረ ኮምፕዩተራት ዝኸውን 'ኦፕረይትን ሲስተም' (ስርዓተ-ምሕደራ-ሓበሬታ) ክሰርሕ ምስቲ ኣብቲ ግዜ'ቲ ኣብ ዓለምና ዝለዓለ ኣፍራዪ ኮምፕዩተር ዝነበረ ትካል ምስ ተሰማምዐ፡ ዓቢይ ዕድል ረኸበ።

ቀጺሉ፡ ማይክሮሶፍት ነቲ ስርዓተ-ምሕደራ-ሓበሬታ ካልኦት ኩባንያታት ክጥቀማሉ ፍቓድ ክህብ ተፈቒደሉ። እዚ ድማ ነተን MS-DOS ሶፍትዌሩ ዝጥቀማ ናይ ግሊ ኮምፕዩተራት "IBM-compatible" ዕዳጋ ፈጠረ። በዚ ገንዘብ ከእቱ ጀመረ፣ ሽዑ ዝጀመረ ክሳዕ ሕጂ ደው ኣይበለን።

ቢል ጌትስ፡ ኣብ ማይክሮሶፍት ዝነበሮ ስራሕ ክቕጽሎ እንከሎ፡ ፖል ኣለን ግን ብሰንኪ መንሽሮ ደም ብ1983 ስርሑ ከቋርጽ ተገደደ።

ፖል፡ ብ2018 ኣብ መበል 65 ዓመቱ ብሞት ክሳዕ ዝፍለ፡ ኣብ ማይክሮሶፍት ብዝነበሮ ብርኪ ወይ ብጽሒት፡ ካብ መንጎ ሃብታማት ዓለም ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ንሱ፡ ዝፈትዋ ጋንታ ኵዕሶ ሰኪዔት ካብ ምዕዳግ ክሳብ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ንግዲ ወፍሪ ብምግባር፣ ከምኡ'ውን ጊታር ብምጽዋት ይፍለጥ።

ፖል ኣለን ካብ ማይክሮሶፍት ምስ ወጽአ፡ እቲ ትካል ከም ዊንዶውስ፡ ኤክስኤልን ዎርድን ዝበሉ መተግበሪታት ከፋልጥ ጀመረ።

ቀጻሊ ባህጕ ድማ ኮምፕዩተር፡ መለዋወጢ ሓበሬታ ናብ ዝዀነሉ መድረኽ ምልዋጥ ኰነ።

1000 ቻነላት ቲቪ፣ ዝውልዖ ግን ዘየለ

ኣብ 1993 ቢል ጌትስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንምእታዉ ዝኸበደ ቦታ፡ ገዛ ክኸውን እዩ፡" በለ። ማይክሮሶፍት ከም ዝዕወት ግና ምሉእ ምትእምማን ነበሮ።

"ንዝቕጽል 15 ክሳዕ 20 ዓመት እንተ ሓሲብካ፡ ዋላ'ኳ ካብዘን ሎሚ ዘለዋ ኮምፕዩተራት ዝተፈልያ እንተዀና፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ገዛ ኮምፕዩተር ክትህሉ ዝብል ሓሳብ ግብራዊ ከም ዝኸውን ፍጹም ኣይጠራጠርን እየ፡" በለ።

ቅድሚኡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብሩስ ስፕሪንግስቲን ዝተባህለ ደራፋይ፡ "57 ቻነላት፡ ዝውልዖ ግን ዘየለ" (57 Channels And Nothin' On) እናበለ ዘማርሮ ውሩይ ደርፊ ነበሮ። ማይርቮልድ ካብ ማይክሮሶፍት ግን በዚ ደርፊ ተስፋ ኣይቈረጸን፣ እኳ ደኣ ኣብ መጻኢ ክሳብ 1000 ቻነላት ቲቪ ከም ዝህሉዋ ተዛረበ።

"እዚ ሕማቕ ነገር ክመስል ይኽእል እዩ፣ እንተዀነ፡ ጽቡቕ እዩ ዝመስለኒ። ሕሰቡዎ እሞ፡ እቲ እትፈትዎ ድኳን መጻሕፍቲ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ጥራሕ እንተ ዝህሉዎ!" ክብል ገለጸ። ማይርቮልድ ነዚ ኣብዚ እዋን ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ ቀጥታዊ ፈነወታት (ስትርሚንግ) ንዝመሳሰል ስርዓት እዩ ዝገልጽ ዝነበረ።

ቀጺሉ፡ "ነተን ቻነላት ንምውዳብ፡ ብኣርእስቲ ንምርኣይን እንታይ ክትዕዘብ ከም እትመርጽ ንምፍላጥን ኵሉ ኣብ ቲቪኻ ንምቕራብ ዝሕግዝ ኮምፕዩተር ቴክንሎጂ ዝጥቀም ናይ ቀጥታ መምርሒ ክህሉዎ እዩ፡" ኢሉ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ዘአንግዱ መርበባት ሓበሬታ በዚሖም ንርኢ ኣለና፣ ከምዚ ከም ዝኸውን ከኣ ቀደም እዩ ተገሚቱ።

ፖል ኣለንን ቢል ጌትስን፡ ኣብ ሲያትል ኣብ ቤት ትምህርቲ ክራኸቡ እንከለው፡ ብ1975 ንማይክሮሶፍት መስሪቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቈልዑ ኰይኖም ኣብ ትምህርቲ ዝተራኸቡ ፖል ኣለንን ቢል ጌትስን፡ ብ1975 ንማይክሮሶፍት ብሓባር መስረቱዎ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዓለም ኣብ ከብዲ ኢድና እትዀነሉ ዕድል ከም ዝመጽእ፡ ሰብ ሞያ ትንቢት ነበሮም።

ደኒስ ካሩሶ - ኣሰናዳኢት መጽሔት 'ድጂታል ሚድያ' - ብ1993 ኣጠንቂቓ ነበረት።

"ብተለቪዥን ኵሉ ሓበሬታ ምርካብን ምቍጽጻርን ወይ'ውን እንደልዮ ነገር ምእዛዝ ማለት ናይ ብሕትና ሓበሬታ ብመርበብ (ኔትዎርክ) ክሓልፍ ምግባር ማለት'ዩ፡" ክትብል ተዛሪባ እያ።

ወሲኻ፡ "ብሸነኽ መበገሲ እቲ መርበብ ዘሎ ሰብ፡ እንታይ ንርኢ ከም ዘለና ይፈልጥ'ዩ። ቍጽሪ 'ክረዲት ካርድና' ይወስድ፣ ብዛዕባና ክፍለጥ ዘይንደልዮ ነገር ብጠቕላላ ከኣ ይፈልጥ፡" ክትብል ስክፍታኣ ገሊጻ ነበረት።

ድሕሪ ዓመታት ድማ ሓለዋ ሓበሬታ ብሕቲ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኰይኑ'ዩ። ሎሚ'ውን ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ድሕነት ሓበሬታ ዘለዎም ስግኣት ይገልጹ ኣለዉ።

"ሓበሬታ ከም ሸቐጥ ክውሰድ እንከሎ፡ ሰባት ብዛዕባ ሓደ ነገር ዝሓስብሉ መንገዲ'ዩ ዝቕየር፣ ከመይ ክሓስቡ ከም ዘለዎም ክትቐርጸሉ እትኽእል መንገዲ'ዩ፡" ክትብል እታ ኣሰናዳኢት ኣጠንቂቓ ነይራ።

ሓበሬታ፡ ሓለዋ ዘይግበረሉ እንተዀይኑን ከም ሸቐጥ ኣብ ዕዳጋ እንተ ውዒሉን ዘውርዶ ሓደጋ'ውን ቀሊል ከም ዘይኰነ ገሊጻ።

ምስ ኢንተርነት ብዝተሓሓዝ፡ ሓበሬታ ውሑድ ገይርካ ንምጽናሕ ዝግበር ጻዕሪ፡ በዳሂ'ዩ።

ካብዚ ብዝብገስ ድማ ሓደ ሓበሬታ ልክዕ ከም ኣቕሓ ብመፍትሕ ዓጺኻ እተቐምጦ ነገር ከም ዘይኰነ ትዛረብ።

"ሓበሬታ ምሉእ ንምሉእ እንተ ተዓጽዩ፡ ተመራመርቲ ብናጽነት ሓበሬታ ክለዋወጡ ኣይክእሉን ማለት'ዩ። ሓበሬታ ንዅሉ ክፉት ይዅን እንተ ተባሂሉ ድማ ምንጪ እቶት ዝገብሩዎ ሰባት ክህልዉ እዮም። ቴክኖሎጂ ኣዝዩ ዝገርም ነገር'ዩ። ሓይሊ ኣለዎ፣ እዚ ሓይሊ ድማ እወታውን ኣሉታውን ጐድኒ ኣለዎ፡" ክትብል ተረድእ።

ምምጻእ ኢመይል

ማይክሮሶፍት እናሰፍሐ ምስ መጽአ ድማ ኢመይል መጺኡ።

ክኢላ እቲ ትካል ማይክ ሙሬ፡ ኢመይል፡ "ድጂታላዊ ቍሸት እዩ ፈጢሩ - ዶብን ዘመንን ዝሳገር፡" ምህዞ ክብል ይገልጾ።

ሰባት፡ ኣበየናይ ጸግዒ ዓለም'ዮም ዘለዉ ብዘየገድስ ሓበሬታ ክለዋወጥሉ ዝኽእሉ መንገዲ ብምፍጣር፡ ኢመይል ድጂታላዊ ሰውራ ኣልዒሉ'ዩ።

ኣብ መወዳእታ 1993 ብዝሒ መርበብ ሓበሬታታት ወይ ድሕረ-ገጻት 623 በጺሑ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ድማ እዚ ቍጽሪ ብዕጽፊ እናዓበየ መጺኡ።

ብ1994፡ እዚ ኣሃዝ 10,022 በጺሑ፣ ድሕሪ ሓደ ዓመት ቢል ጌትስ፡ "ኢንተርነት፡ ኣይቢኤም ኮምፒዩተር ምስ ተፈጥረ ዝመጽአ ዓብዪ ምዕባለ'ዩ፡" ኢሉ ነይሩ።

ድሕሪ'ዚ'ዩ፡ ማይክሮሶፍስ 'ዎርድ 95' ዝተሰምየ ፈነወ፣ ከምኡ እናበለ ድማ ዓለም ዝቐየረ ምህዞ ኰነ።