'ደቀይ ብምቕታል የጸልመኒ ኣሎ' - ኣብ ልዕሊ ቻትጂፒቲ ክሲ ዝመስረተ ኣቦ

ምንጪ ስእሊ, Arve Hjalmar
ኣርቨ ህጃልማር ሆልመን ዝተባህለ ኖርወጃዊ ኣብ ልዕሊ ቻትጂፒቲ ዘገርም ጥርዓን ኣቕሪቡ ኣሎ።
እቲ ኖርወጃዊ ነዚ ክገብር ዝደረኾ፡ ቻትጂፒቲ ክልተ ደቁ ከም ዝቐተለን ን21 ዓመታት ከም ዝተኣስረን ዘመልክት ጌጋ ሓበሬታ ብምሃቡ እዩ።
ብሰንኪ'ዚ ድማ ምስ በዓልመዚ ሓለዋ መረዳእታ ኖርወይ ርክብ ብምግባር፡ ኣፍራዪ ቻትጂፒቲ ዝዀነ ኦፐንኤኣይ (open AI) ክቕጻዕ እዩ ጠሊቡ።
እዚ ፍጻመ ናይቲ "ሃሉሲነሽን" ዝበሃል ዳሕረዋይ ኣብነት እዩ። "ሃሉሲነሽን" ማለት፡ ስርዓታት ብኺነታዊ-ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ) ዘይኰነ ሓበሬታ ፈጢሮም ከም ሓቂ ዘቕርብሉ ኵነታት እዩ።
ኣርቨ ህጃልማር ሆልመን ድማ ብዛዕብኡ ዝቐረበ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ልዕሊኡ ጕድኣት የስዕብ ከም ዘሎ ይዛረብ።
"ሰባት ሓዊ ኣብ ዘይብሉ፡ ትኪ ከም ዘይህሉ ይሓስቡ - ዝዀነ ሰብ ነቲ ሓበሬታ ኣንቢቡ ሓቂ ምዃኑ ክኣምን ስለ ዝኽእል እዩ ዝያዳ ዘፍርሓኒ፡" ይብል።
ኦፕንኤኣይ እዚ ጉዳይ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ቅማረ ወይ ስሪት ቻትጂፒቲ ዝተኣሳሰር ምዃኑን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ነቶም ሞዴላቱ ከም ዘመሓይሾምን ይገልጽ።
ሆልመን፡ ኣብ ቻትጆፒቲ "ኣርቨ ህጃልማር ሆልመን መን እዩ?" ዝብል ንመንነቱ ዝምልከት ሕቶ ድሕሪ ምቕራቡ እዩ እቲ ጌጋ ሓበሬታ ተዋሂቡዎ።
እቲ ዝተወሃቦ ምላሽ፡ "ኣርቨ ህጃልማር ሆልመን ብሰንኪ ዘሕዝን ፍጻመ ኣቓልቦ ዝረኸበ ኖርወጃዊ ውልቀሰብ'ዩ፡" ዝብል ነይሩ።
"ኣቦ ክልተ ዕድሚኦም 7ን 10ን ዓመት ዝዀኑ መንእሰያት ኣወዳት ኰይኑ፡ ኣብ ታሕሳስ 2020 ኣብ ትሮንድሃይም ኖርወይ ኣብ ጥቓ ገዝኦም ኣብ ዝርከብ ቀላይ ብዘሕዝን መንገዲ ሞይቶም ተረኺቦም፡" ዝብል ተወሳኺ ሓበሬታ'ውን ዝሓዘ እዩ።
ሆልመን፡ እቲ ቻትቦት ብዛዕባ ኣፈላላይ ዕድመ ደቁ ብግምት ቅኑዕ ሓበሬታ ከም ዝረኸበን፡ እቲ ምላሽ ድማ ብዛዕባኡ ገለ ቅኑዕ ሓበሬታ ዝሓዘ ምዃኑን ይዛረብ።
ነቲ ጥርዓን ብስም ሆልመን ዘቕረበ ኖይብ ዝተሰመየ ጕጅለ ድጂታላዊ መሰላት፡ ቻትጂፒቲ ዝሃቦ መልሲ ጸለመ ዝፈጥርን ኣብ ዙርያ ልክዕነት ውልቃዊ መረዳእታ ዝምልከት ሕግታት ሓለዋ ሓበሬታ ኤውሮጳ ዝጥሕስን ምዃኑ ይጠቅስ።
ኖይብ ኣብቲ ዘቕረቦ ጥርዓን፡ ሆልመን "ብዝዀነ ገበን ተኸሲሱን ተፈሪዱን ኣይፈልጥን፣ ሕልና ዘለዎ ዜጋ'ዩ፡" ኢሉ።
ቻትጂፒቲ፡ "ቻትጂፒቲ ክጋገ ይኽእል እዩ። ኣገዳሲ ሓበሬታ መርምሩ፡" ዝብል ሰባት ሓላፍነት ክወስዱ ዘተሓሳስብ ጽሑፍ ኣለዎ።
ኖይብ ግን እዚ ጥራሕ እኹል ከም ዘይኰነ ይገልጽ።
"ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክትዝርግሕን ኣብ መወዳእታ ድማ ኵሉ ዝተባህለ ነገር ሓቂ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ንእሽቶ መተሓሳሰቢ ጽሑፍ ጥራሕ ክትውስኽን ኣይትኽእልን ኢኻ፡" ይብል ናይ ኖይብ ጠበቓ ጆኣኪም ሶደርበርግ።
ኦፐንኤኣይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ልክዕነት ሞዴላትና ንምምሕያሽን ጌጋታት ንምንካይን ዝሕግዙ ሓደስቲ መንገድታት ንምርካብ ምርምርና ንቕጽል ኣለና፡" ኢሉ።
"ነዚ ጥርዓን ገና እንምርምሮ'ኳ እንተ'ለና፡ እቲ ጌጋ ምስ ሓደ ቅማረ ወይ ስሪት ቻትጂፒቲ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ካብኡ ንደሓር ንጹርነት ብዘመሓይሽ ብኦንላይን ናይ ምድላይ ዓቕሚ ዝማዕበለ እዩ።"

ምንጪ ስእሊ, Noyb European Center for Digital Rights
ኣብ ጀነሬቲቭ ኪነታዊ-ብልሒ ክመጽእ እንከሎ፡ ጌጋ (hallucinations) ሓደ ካብቶም ቀንዲ ስነፍልጠተኛታት ኮምፕዩተር ክፈትሕዎ ዝጽዕሩ ዘለዉ ጸገማት እዩ።
ከምዚ ዝበለ ጸገም ዝፍጠር፡ ቻትቦት ንገለ ግጉይ ሓበሬታ ከም ሓቂ ከቕርብ እንከሎ እዩ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት'ዚ፡ ኣፕል ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝነበሮ ናይ ኣፕል 'ኢንተለጀንስ' ናይ ጽማቕ ዜና መሳርሒ፡ ግጉይ ኣርእስታት ዜና ከም ሓቂ ምቕራቡ ስዒቡ፡ ነቲ ኣገልግሎት ከቋርጽ ተገዲዱ እዩ።
ናይ ጉግል ኪነታዊ-ብልሒ ጀሚኒ እውን ጌጋታት ፈጺሙ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰባት ኮላ ኣብ ፒዛ ክልጥፉ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ፤ ተመራመርቲ ስነ-ምድሪ እውን ደቂ-ሰብ ኣብ መዓልቲ ሓደ ከውሒ ክበልዑ ይመኽሩ ዝብል ሓበሬታ እውን ምክፋሉ ይዝከር።
ኣብቶም እቲ ንቻትቦት ዝድግፉ ቴክኖሎጂ ዓበይቲ ሞዴላት ቋንቋ ስለምንታይ ከምዚ ዝበለ ጌጋ ከም ዘጋጥም ንጹር ኣይኰነን።
"እዚ ብሓቂ ንጡፍ መጽናዕቲ ዝካየደሉ ዘሎ ዓውዲ እዩ፡" ክትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ግላስኮ ፕሮፌሰር ሓላፍነታውን መስተጋብርን ኪነታዊ-ብልሒ ዝዀነት ሲሞን ስታምፕፍ ንቢቢሲ ገሊጻ።
ሆልመን ኣብ ነሓሰ 2024 ዘጋጠሞ ፍጻመ ስዒቡ ቻትጂፒቲ ሞዴሉ ቀይሩ ኣሎ፤ ሕጂ ቻትጂፒቲ ኣገዳሲ ሓበሬታ ክደሊ ከሎ ኣብ እዋናዊ ጽሑፋት ዜና ይምርኰስ።
ኖይብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሆልመን ኣብታ መዓልቲ ብርክት ዝበሉ ፍተሻታት ከም ዝገበረን፡ "ኵሎም ዘይቅኑዓት ዝዀኑ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዛንታታት፡" ከም ዘጋጠሞን ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







