ካብ መደብር ኒዩክሌር ሩስያ ዝሃደመ ሓላፊ ዝቐልዖም ሚስጢራት

መደብር ኒዩክሌር ሩስያ ዝሕልው ዘለው ወተሃደራት

ምንጪ ስእሊ, Russian defence ministry

መግለጺ ስእሊ, መደብር ኒዩክሌር ሩስያ ዝሕልው ዘለው ወተሃደራት

ሩስያ፡ ብለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ሙሉእ ወራር ኣብ ዘካየድትሉ እዋን፡ መደብር ኣጽዋር ኒዩክሌር ሩስያ ኣብ ሙሉእ ምድላው ምጥቃዕ ከም ዝነበረ ሓላፊ ሓይልታት ኒዩክሌር ነበር ኣንቶን ተዛሪቡ።

“ቅድሚኡ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ጥራይ ኢና ንገብር ነይርና። ኣብታ ኲናት ዝተጀመረላ መዓልቲ ግን እቲ ኣጽዋር ሙሉእ ብምሉእ ክዳሎ ተገይሩ። ብክልሰ ሓሳብ ደረጃ ነቶም ሓይልታት ናብ ባሕርን ኣየርን ክንሰዶም ድሉዋት ነይርና- እዚ ድማ ኒዩክለራዊ መጥቃዕቲ ክንፍጽም’ዩ” ይብል።

እዚ ውልቀሰብ ካብ ሩስያ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ቦታ ብሕቡእ ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዝተራኸበ ኰይኑ፡ ንድሕነቱ ክብል ግን ቢቢሲ ዘለወሉ ከባቢ ወግዊ ኣይገብርን።

ሽሙ ዝተቐየረ ኰይኑ፡ ገጹ’ውን ክርአ ኣየፍቀደን።

ኣንቶን፡ ኣብ ሩስያ ኣብ ዝርከብ ኣዝዩ ምስጢራዊ መሳለጥያ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ዝሰርሕ መኮነን እዩ ነይሩ።

ዝነበረሉ መደብር፡ ኣሃዱኡን መዓርግን ዘረጋግጹ ሰነዳት'ውን ኣርእዩና ኣሎ።

ቢቢሲ፡ እዞም ኣንቶን ዝጠቕሶም ፍጻመታት ብናጻ ኣካል እኳ ከረጋግጾም እንተዘይክኣለ፡ ምስቲ ሩስያ ኣብቲ እዋን እተውጽኦም ዝነበረት መግለጺታት ግን ዝሰማምዑ’ዮም።

ሰራዊት ኣብ ዶባት ዩክረይን ድሕሪ ምውፋሩ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ሓይልታት ኒዩክለራዊ ምክልኻል ሩስያ ናብ “ፍሉይ ኣገባብ ኣገልግሎት ውግእ” ክኣትዉ ከም ዝተኣዘዙ ኣፍሊጡ።

ኣንቶን፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ናይቲ ኲናት መጠንቀቕታ ከም ዝተገብረን ኣሃዱኡ “ኣብ ውሽጢ እቲ መደበር ተዓጽያ” ከም ዝነበረትን ይዛረብ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ዋርድያ መደብር ኒዩክሌር ዝነበረ፡ “መንግስታዊ ቴሌቪዥን ሩስያ ጥራይ’ያ ነይራትና፤ እዚ ዅሉ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣይፈልጥን’የ ነይረ። ዝተዋህበኒ ዕማም ጥራይ’የ ዝፍጽም ነይረ፤ ኣብቲ ኲናት ኣይተዋጋእናን፤ ነቲ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ጥራይ ኢና ንሕልዎ ነይርና” ይብል።

ድሕሪ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰሙን እቲ ዝተዋህቦም መጠንቀቕታ ከም ዝተሰረዘ ይዛረብ።

ምስክርነት ኣንቶን፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሩስያ ዝርከብ ኣዝዩ ምስጢራዊ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ሓይልታት ኒዩክሌር ምስሊ ዝህብ’ዩ።

ኣባላት ኣገልግሎት ኒዩክሌር ክኣ ምስ ጋዜጠኛታት ሳሕቲ እዮም ዝዛረቡ።

“ኣዝዩ ጽኑዕ መስርሕ ሕርያ’ዩ ዘሎ፤ ኵሉ ሰብ ሞያዊ ወተሃደር እዩ - ተገዲዱ ዝመጽአ የለን” ክብል ይገልጽ።

ወሲኹ፡ “ዅሉ ሰብ ቀጻሊ ይፍተሽ፡ ምስጢር ኣሕሊፍካ ከይትህብ ዝፍትሽ መርመራ ኣሎ፤ እቲ ደሞዝ ኣዝዩ ዝለዓለ’ዩ፣ እቶም ሰራዊት’ውን ናብ ውግእ ኣይለኣኹን’ዮም። እዚኦም፡ ኒዩክለራዊ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ወይ ንምፍጻም’ዮም ኣብኡ ዘለዉ” ኢሉ።

እዚ ውልቀሰብ፡ ህይወቱ ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ምክትታል ከም ዝነበረት ይዛረብ።

“እቶም ኣብ ትሕቲይ ዝነበሩ ወተሃደራት፡ ናብቲ መደብር ኒዩክሌር ዝዀነ ቴሌፎን ሒዞም ከይኣትው ምርግጋጽ ናተይ ሓላፍነት’ዩ ነይሩ። ዕጹው ሕብረተሰብ’ዩ፤ ኣብኡ ጓኖት የለዉን። ወለድኻ ክበጽሑኻ እንተደሊኻ፡ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ናብ ኣገልግሎት ጸጥታ ኤፍ.ኤስ.ቢ ሕቶ ከተቕርብ ኣለካ”።

ኣንቶን፡ ኣካል ኣሃዱ ጸጥታ እቲ መደብር ኒዩክሌር እዩ ነይሩ።

እዚ ኣሃዱ፡ ነቲ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ዝሕሉን ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ዝህብን ሓይሊ’ዩ።

“ቀጻሊ ልምምድ እዩ ነይሩና። ኣብ ውሽጢ ክልተ ደቒቕ ግብረ መልሲ ክንህብ ኢና ንዳሎ” ብምባል ብሓበን ይዛረብ።

ሩስያ ኣስታት 4380 ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከም ዘለዋ ተመራመርቲ ኣመሪካ ይሕብሩ።

ይዂን’ምበር፡ 1700 ጥራይ'ዩ ንኲናት ክውዕል ድልው ኰይኑ ዘሎ።

ኵለን ኣባል ሃገራት ኔቶ፡ ተደሚሩ ተመሳሳሊ ቁጽሪ ኣጽዋር ኣለወን።

መደብር ባለስቲክ ሚሳይል ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, Russian defence ministry

መግለጺ ስእሊ, መደብር ባለስቲክ ሚሳይል ሩስያ

ፑቲን መብዛሕትኡ ግዜ ታክቲካዊ፡ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ተባሂሉ ዝጽዋዕ “ዘይስትራቴጂካዊ” ኣጽዋር ከዋፍር ክመርጽ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት ኣሎ።

እዚኦም ብሓፈሻ ምስ ተተኰሱ ሰፊሕ ‘ራድዮኣክቲቭ’ ዘየስዕቡ ንኣሽቱ ሚሳይላት’ዮም።

ሩስያ፡ እዞም ሚሳይላት ኣብቲ ኲናት እንተተጠቒማትሎም ግን እቲ ኲናት ብሓደገኛ መልክዑ ክጋደድ ክገብሩ ይኽእሉ።

ክረምሊን ንምዕራባውያን ንምፍታን ዝከኣሎ ኵሉ ክገብር ጸኒሑ’ዩ።

ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ፑቲን ኣብ ፖሊሲ ኒዩክሌር እታ ሃገር ለውጢ ገይሩ።

እዚ ድማ፡ ሩስያ ብኸመይን መዓስን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ክትውንጭፍ ከም እትኽእል ዝእዝዝ ሕጋጋት ዝሓዘ’ዩ።

እቲ ፖሊሲ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊኣ ካብ ዝዀነት ኒዩክሌር ዘይትዓጠቐት ግን ድማ “ብተሳትፎ ወይ ደገፍ ኒዩክለራዊት ሃገር ሰፊሕ መጥቃዕቲ” እንተተፈጺማ፡ ኒዩክሌር ክትጥቀም ከም እትኽእል ይገልጽ።

ሰበስልጣን ሩስያ፡ እቲ ዝተመሓየሸ ፖሊሲ፡ ሩስያ ኣብ ዓውደ ውግእ ከጋጥማ ዝኽእሎ ተኽእሎ ስዕረት ከውግድ ዝኽእል “ብውጽኢታዊ መገዲ” ገይሮም ይገልጽዎ።

ግን፡ ኒዩክሌራዊ ኣጽዋር ሩስያ ሙሉእ ብምሉእ ይሰርሕ ድዩ?

ገለ ምዕራባውያን ክኢላታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣጽዋር ካብ ዘመን ሕብረት ሶቭየት ዝጀመረ ምዃኑን፡ ዘይሰርሕ ክኸውን ከም ዝኽእልን ይሕብሩ።

እቲ ሓላፊ ሓይልታት ኒዩክሌር ነበር፡ “ክኢላታት ዝበሃሉ ዝቐርብ ድሑር ኣረኣእያ” ብምባል ነዚ ርኢይቶ ነጺጕዎ።

“ኣብ ገለ ከባቢታት ገለ ዝኣረገ ዓይነት ኣጽዋር ክህሉ ይኽእል’ዩ፤ እንተዀነ እታ ሃገር ኣብ መሬት፡ ባሕርን ኣየርን ሓዊሱ ዓብዪ ኒዩክሌራዊ ኣጽዋር ኣለዋ” ኢሉ።

ኒዩክሌራዊ ኣጽዋር ሩስያ ሙሉእ ብምሉእ ዝሰርሕን ንውግእ ድልው ከምዘሎን ተዛሪቡ።

“እቲ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ንምዕቃብ ዝግበር ስራሕ ብቐጻሊ እዩ ዝፍጸም፣ ዋላ ንሓንቲ ደቒቕ እውን ደው ኣይብልን እዩ”።

እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተፈጸመ ሙሉእ ወራር ምስ ተጀመረ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣንቶን "ገበናዊ ትእዛዝ" ኢሉ ዝገልጾ - ኣዝዩ ፍሉይ መምርሒታት ዘለዎ ጽሑፍ ተጠቒሙ ንወተሃደራት ኣስተምህሮታት ክህብ መምርሒ ከም ዝተዋህቦ ገሊጹ።

“ሲቪል ዩክረይን ኣካል ሰራዊት ስለ ዝዀነ ክጠፍእ ኣለዎ'' ዝብል ነይርዎ ይብሉ። ''እዚ ንዓይ ቀይሕ መስመር’ዩ - ገበን ኲናት’ዩ። እዚ ፕሮፖጋንዳ ኣይንዝርግሖን እየ ኢለ”።

በዚ መሰረት ድማ ላዕለዎት ሰብ መዚ፡ ኣንቶን ናብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ናብ ዝርከብ ስሩዕ ብርጌድ መጥቃዕቲ ኣሰጋጊሮምዎ፤ ናብ ውግእ ክትለኣኽ ኢኻ ተባሂሉ።

እዘን ኣሃዱታት እዚኣተን መብዛሕትኡ ግዜ ከም “ቀዳማይ ማዕበል” ናብ ውግእ ዝለኣኻ እየን።

ብርክት ዝበሉ ካብታ ሃገር ዝሃደሙ ሩስያውያን ድማ፡ ነቲ ኲናት ዝቃወሙ “ሽግር ፈጠርቲ” ተባሂሎም ዝዅነኑ ሰባት ከም “መወድኢ ጥይት” ከም ዝተጠቐሙሎም ንቢቢሲ ገሊጾም’ዮም።

ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ኣብዚ ጕዳይ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።

ኣንቶን፡ ናብ ግንባር ቅድሚ ምልኣኹ ኣብቲ ኲናት ኣይሳተፍን ዝብል ቅጥዒ ፈሪሙ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ልዕሊኡ ገበናዊ ክሲ ተኸፊቱ።

ኣብዚ ቃለ መጠይቕ፡ ናብቲ ግንባር ከም ዝተሰጋገረ ዘረጋግጹ ዝርዝር ሰነዳትን እቲ ገበናዊ ጕዳይን ኣርእዩና።

ብድሕሪኡ ብሓገዝ ሓደ ካብዚ ኵነታት ዝሃድሙ ዝሕግዝ ወለንታዊ ትካል ካብታ ሃገር ክወጽእ ወሲኑ።

“ካብ መደበር ሓይልታት ኒዩክሌር እንተዝሃድም ነይረ፡ ሽዑ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኣገልግሎት ጸጥታ ኤፍ.ኤስ.ቢ ስጕምቲ ምወሰደ ነይሩ፤ ምናልባት’ውን ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣይምኸኣልኩን ነይረ” ኢሉ።

ንሱ ግን፡ ናብ ተራ ብርጌድ መጥቃዕቲ ስለ ዝተሰጋገረ፡ ንኻልኦት ብላዕለዋይ ደረጃ ጸጥታ ዝፍጸሙ ምጽራያት ክሓልፎም ከም ዝኽኣለ ይኣምን።

ኣንቶን ብዙሓት ወተሃደራት ሩስያ ኣንጻር እቲ ኲናት ምዃኖም ዓለም ክትፈልጥ ከም ዝደሊ ገሊጹ።

ነቶም ከዲዖም ንዝወጽኡ ወተሃደራት ዝሕግዝ ወለንታዊ ትካል “ኢዲተ ለሶም” [ብኢንግሊዘኛ ‘Go by the Forest’ ወይ ‘Get Lost’] ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ቁጽሪ ናይቶም ሓገዝ ዝደልዩ ዝኸድዑ ኣባላት ናብ 350 ከም ዝደየበ ገሊጹ።

እቶም ዝሃድሙ ዘለዉ ሰባት ተቓላዕነቶም እናዓበየ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ብውሕዱ ካብታ ሃገር ወጺኡ ናብ ካልእ ሃገር ዝኸደ ሓደ ሰብ ከም ዝተቐትለ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ደቂ ተባዕትዮ ብሓይሊ ናብ ሩስያ ተመሊሶም ኣብ ፍርዲ ዝቐረቡሉ ሓያሎ ፍጻመታት ተራእዩ እዩ።

ኣንቶን ካብ ሩስያ እኳ እንተወጽአ፡ ኣገልግሎት ጸጥታ ይደልይዎ ከም ዘለዉ ብምግላጽ ልዑል ጥንቃቐ ከም ዝገብር ይዛረብ።

ኣብቲ መደበር ኒዩክሌር ንዝርከቡ ብጾቱ ኣብ ሓደጋ ከእትዎም ስለ ዝኽእል ምስኦም ዝነበሮ ርክብ ኣቋሪጹ።