ሩስያ ናብ ዩክረይን ዝተኮሰቶ ባሊስቲካዊ ሚሳይል እንታይ ዓይነት'ዩ?

ባርዕ ዘስዓበ ነትጒ ሚሳይል ኣብ ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, State Emergency Service of Ukraine

ሩስያ ኣህጉራት ሰንጢቑ ዝውንጨፍ ባለስቲክ ሚሳይል ናብ ዩክረይን ከምዝወንጨፈት ዩክረይን ኣመልኪታ።

እቲ መጥቃዕቲ ንከተማ ድኒፕሮ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ሰብመዚ ዩክረይን ይገልጹ።

እቲ 'ኣይ-ሲ-ቢ-ኤም' (ICBM) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣዝዩ ምዕቡል ሚሳይል፡ ኑኩሌርን ካልእ ንቡር ተተኳሲ ዓረር ክትኩስ ዝኽእል ምዃኑ ይንገር።

ሞስኮ ከምዚ ዓይነት ሚሳይል እንተ ተጠቒማ እቲ ኩነታት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከምዝዓረገ ዘመልክት'ዩ ክብል ሕብረት ኣውሮጳ ስክፍታኡ ገሊጹ'ሎ። ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ይጽዕሩ ከምዘለዉ'ውን ኣፈኛ እቲ ሕብረት ፒተር ስታኖ ተዛሪቡ።

ብዛዕባ'ቲ ስጉምቲ ርእይቶ ካብ ምሃብ ዝተዓቀበት ሞስኮ፡ ክልተ ስርሓት ብሪጣንያ ዝኾነ 'ስቶርም ሻደው' ዝተባህለ ሚሳይላት ከምዘውደቐት ጥራይ'ያ ሓቢራ።

ገለ ሰበስልጣን ኣመሪካ ግን እቲ ብሓሙስ ወጋሕታ ዝተተኮሰ ሚሳይላት ኣይ-ሲ-ቢ-ኤም ከምዘይኮነ ክገልጹ ጀሚሮም ኣለዉ።

ብተመሳሳሊ፡ ገለ ተንተንቲ ጸጥታ'ውን፡ እቲ ሚሳይል ተተኲሱ እንተዝኸውን እቲ ሰም ዘየብል ራዳራት ኣመሪካ ካብ ስፍራኡ ወጺኡ ክውንጨፍ እንከሎ ምራኣዮ ነይሩ ክብሉ ይምጉቱ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሎሚ እዚ ጽሉል ጎረቤትና፡ መን ምዃኑ፡ ከምኡ'ውን ንክብረት፡ ናጽነትን፡ ህይወት ሰባት ብሓፈሻን ፋዕራ ከምዘይብሉ መሊሱ ኣርእዩ ኣሎ" ኢሉ።

"ኩሉ ባህርያት [ናይቲ ሚሳይል]፡ ፍጥነትን ንላዕሊ ዘለዎ ርሕቀትን ኣህጉር-ሰገር ባሊስቲክ [ምዃኑ ዘመልክት'ዩ]። መርመራ ድሮ ተጀሚሩ ኣሎ። ፑቲን ንዩክረይን ከም መለማመዲ ይጥቀመላ ከምዘሎ ርዱእ'ዩ" ይብል ዘለንስኪ።

"ኣዝዩ ፈሪሑ ስለዘሎ'ዩ ድሮ ሓደስቲ ሚሳይላት ዝጥቀም ዘሎ"።

ቢቢሲ ዘካየዶ ፈናዊ ምጽራይ ዛጊት ኣብ መደምደምታ ከብጽሕ ኣይካኣለን ዘሎ።

እቲ ጸብጻብ ሓቂ እንተኾይኑ፡ እቲ ሳልሳይ ዓመቱ ዘቝፅር ዘሎ ኲናት ዩክረይን፡ ካብ ዝውላዕ ንደሓር፡ ሩስያ ከምዚ ዓይነት ባሊስቲክ ክትኩስ ንፈለማ እዋን እዩ።

እዚ ድማ ናብተን ንዩክረይን ዘይትኣደነ ወተሃደራዊ ደገፍ ዝገብራ ዘለዋ ምዕራባውያን መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ዝዓለመ ከይኮነ ኣይተርፍን- ተባሂሉ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን ንዩክረይን ዝሃብኦ ክሩዝ ሚሳይላት ኣብ ውሽጢ ሩስያ ክትጥቀመሉ ምፍቃደን ንሩስያ ኣቘጢዑዋ ምህላዉ ይፍለጥ።

ክረምሊን፡ ኣቐዲሙ'ውን እቲ ሚሳይላት ናብ ውሽጢ ሩስያ ንዝርከብ ዒላማታት እንተሃሪሙ ተሪር ግብረመልሲ ክትህበሉ ምዃና ከጠንቅቕ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብቲ ናይ ሎሚ ወጋሕታ መጥቃዕቲ፡ ሩስያ ዝተፈላለዩ ሚሳይላት ከምዝተጠቕመት'ውን ሰራዊት ዩክረይን ገሊጹ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 15 ሰባት ቆሲሎም ኣለዉ።

ስቶርም ሻደው ሚሳይላት ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, Gary Dawson/Shutterstock

መግለጺ ስእሊ, ንዩክረይን ዝተዋህበ ስርሓት ብሪጣንያ ዝኾነ 'ስቶርም ሻደው' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክሩዝ ሚሳይል ናብ ውሽጢ ሩስያ ከምዝተተኮሰ ሞስኮ ሓቢራ

ሃገረ ፖላንድ ብወገና፡ ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ሩስያ ክሊ ኣየራ ንምክልኻል ናታን ናይ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)ን ነፈርቲ ውግእ ከተዋፍር ከምዝተገደደት ጸብጻባት ሓቢሮም።

በቲ ኩነታት ዝሰግአት ሃንጋሪ'ውን ኣብ ዶባት ዩክረይን ጸረ-ሚሳይል ኣጽዋራት ክትተክል ምዃና ኣፍሊጣ'ላ።

ብኻልእ ወገን ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳታት ክትገብር ከምዝወሰነት ሎሚ ኣፍሊጣ'ላ። ኣማኻሪ ጸጥታ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ጄክ ሱሊቫን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሓድሽ ማዕቀብ፡ ኣብ ሩስያ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ መንግስታዊ ጋዝፕሮም ባንክ ዝርከቦም ልዕሊ 50 ትካላት ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ጠቒሱ።

እቲ ስጉምቲ፡ 'ንወተሃደራዊ ኢንዱስትሪ ሩስያ ዝያዳ ከዳኽምን ከዋርድን" ዝተወስደ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ብዘይካ'ዚ ኣመሪካ ዩክረይን ብዘቕረበቶ ጠለብ መሰረት ጸረ-ሰብ ነተጒቲ ከምዝሃበታ ጸሓፊ ምክልኻል ሎይድ ኦስቲን ኣረጋጊጹ። እቲ ስጉምቲ፡ ንዩክረይን ኣቐዲሙ ዝተዋህባ 'ኣታክምስ' ዝተባህለ ሚሳይላት ኣመሪካ ናብ ውሽጢ ሩስያ ንዘሎ ዒላማታት ንምህራም ክትጥቀመሎም ድሕሪ ምፍቃዳ'ዩ ተወሲዱ ዘሎ።

ኣህጉር-ሰገር ባሊስቲክ ሚሳይላት እንታይ'ዩ?

ባሊስቲክ ሚሳየል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ባሊስቲክ ሚሳይላት ብሓፈሻ ኣሽሓት ኪሎሜትራት ክውንጨፉ ዝኽእሉ ምዕቡላት ኣፅዋራት'ዮም።

ኣርባዕተ ዓይነት ባሊስቲክ ሚሳይላት ኣለዉ፣ ሓጺር-ርቀት፡ ማእከላይ-ርሕቀት፡ ናይ ሞንጎን ነዊሕ-ርሕቀትን ዝውንጨፉ እዮም።

ሓጺር-ርሕቀት ኣስታት 1000 ኪሜ ዝኸይድ ኮይኑ ስልታዊ (ታክቲካል) ሚሳይል ተባሂሉ'ውን ይግለጽ'ዩ።

ማእከላይ-ርሕቀት ዝውንጨፍ ድማ፡ ካብ 1000 ክሳብ 3000 ኪሜ ዝጉዓዝ ኮይኑ 'ቲያትር' ባሊስቲክ ሚሳይል ተባሂ ይጽዋዕ።

ኣብ ሞንጎ ሓጺርን-ነዊሕን ዝርከብ 'ኢንተርሚዲየት' ተባሂሉ ዝፍለጥ ባሊስቲክ ሚሳይል ከኣ ካብ 3000 ክሳብ 5500 ኪሜ ርሕቀት ንዘለዎ ዒላማታት ክሃርም ይኽእል።

ኣህጉር-ሰገር ባሊስቲክ ሚሳይላት (ICBM) ዝነውሐ ርሕቀት ዝውንጨፍ ኮይኑ፡ ልዕሊ 5,500 ኪሜ ክጐዓዝ ይኽእል።

እዚ ማለት ድማ ኣይ-ሲ-ቢ-ኤም ካብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ተወንጪፉ ናብ ዝኾነ ካልእ ቦታ ክሃርም ይኽእል'ዩ።

እቲ ስግኣት ዓለም ዝኾነ ኣጽዋር፡ ኑክሌራዊን ካልእ ንቡር ተተኳሲን ክዓጥቕ ዝኽል'ዩ። ፈለማ ብደገፍ ሮኬት ምስተወንጨፈ፡ ርእሱ ክኢሉ ናብ ዒላማታቱ ዘምርሕ ኣጽዋር'ዩ።

ብኣንጻሩ ከምዚ ስርሓት ብሪጣንያ ዝኾነ 'ስቶርም ሻደው' ዝበሉ ክሩዝ ሚሳይላት፡ ከም ናይ ነፈርቲ ሞተረ ጀት ዝሰርሑ ኮይኖም ዝተወሰነ ርሕቀት ዝኸዱ'ዮም።