ብኮቪድ ትናወጽ ዘላ ቻይና ኣብ ልዕሊ ተጓዓዝቲ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ክተልዕሎ ምዃና ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰበስልጣን ቻይና እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተጓዓዝቲ ኣንቢራቶ ዝፀንሐ እገዳ ካብ ካብ 8 ጥሪ 2023 ጀሚሩ ከም ዝለዓል ገሊፆም።
እዛ ‘ዜሮ ኮቪድ’ ዝብል መርገጺ ሒዛ ዝፀንሐት ሃገር ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት እያ ንዶባታ ክትከፍት ምዃና ትሕብር ዘላ።
እዚ ድማ ናብ ትምህርቲን ስራሕን ቪዛ ዝሓቱ ከምኡ'ውን ስድርኦም ንዝበጽሑ ሰባት ማዕፆ እታ ሃገር ዘርሕው ክኸውን’ዩ።
ቻይናውያን ዜጋታት እውን ናብ ወጻኢ ሃገራት ክገሹ ከም ዝኽእሉ ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ትማሊ ሰሉስ ዘውጾኦ ሓበሬታ የረድእ።
እገዳታት ኮቪድ ኣብ ዝፎኸሰሉን ዝለዓለሉን ዘሎ እዋን ኣብ ቻይና ግን ኮቪድ ብናህሪ ይላባዕ ብምህላዉ፡ ኣረጋውያን ይሞቱን ሆስፒታላት ብሕሙማት የዕለቕልቑን ከም ዘለዉ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን፡ ቤጂንግ 4000 ብኮቪድ ከም ዝተለክፉን ገለ ውሑዳት ከም ዝሞቱን ሓቢራ ነይራ።
ዋላ’ኳ ብድሕሪኡ ኣሃዛዊ ብዝሒ ዝተለኽፉ ሰባት ከም ዘይተቃልሕ ብሰንበት እንተሓበረት፡ እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ትካል ኣየርፊኒቲ (ኣብ ሕይወትን ጥዕናን ዓለምና ኣፋፍኖትን ጭቡጥ ገምጋምን ዝህብ ትካል) ግና ኣብ ቻይና ኣብ መዓልቲ ሓደ ሚልዮን ሰባት ይልከፉን ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ድማ ይሞቱን ምህላዎም ከም ዝግምግም ሓቢሩ።
ቻይና ድሕሪ’ቲ ንሰለስተ ዓመት ዝቐጸለ ውሸባን ምዕፃው ዶባታን “ናብ ሂወት ምስ ኮረና” ድሒራ ዝተጸንበረት ሓንቲ ካብተን ናይ ዓለምና ብቁጠባ ዝሓየላ ሃገራት ኰይና፡ እቲ ዜሮ ኮቪድ ዝብል መርገጺኣ ንቁጠባኣ ከም ዝሃሰዮ ይግለፅ።
ንዜጋታታ እውን ኣደዳ ዕጽዋን ተደጋጋሚ መርመራታትን ገይርዎም እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ሕዳር ብሰንኪ’ቲ ፖሊሲ ተሪር ተቃውሞታታት ብምውልዑ ኣንጻር ፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግ ህዝባዊ ናዕቢ ተኻይዱ ነይሩ።
ድሕሪ ሰሙናት ድማ ሰበስልጣን ነቲ ናይ ኮቪድ ሕግታት ኣልዮሞ።
እቲ ካብ መጋቢት 2020 ኣትሒዙ ዝጀመረ ነፍሲ ወከፍ ናብ ቻይና ዝኣቱ ሰብ ኣብቲ መንግስቲ ዘዳለዎ መወሸቢ ቦታ ንሰለስተ ሳምንታት ክውሸብ ዘገድድ ዝነበረ ሕጊ፡ ሕጂ ናብ ሓሙሽተ መዓልቲ ጎዲሉ ኣሎ።
ገያሾ ካብ ኮቪድ ነጻ ምዃኖም መረጋገጺ ከቅርቡ ከም ዝግደዱን እቲ መዓልታዊ ናብ ቻይና ዝግበር በረራታት እውን ገደብ ክግበረሉን እዩ።
ናብ ወጻኢ ሃገር ክገሹ ንዝደልዩ ቻይናውያን ዜጋትት ድማ ፓስፖርት ናይ ምሕታት መስርሕ ካብ 8 ጥሪ 2023 ከም ዝጅምር ሰበስልጣን ኢሚግረሽን ብሰሉስ ሓቢሮም።
ይኹን እንበር እዚ ሓድሽ ሕግታት ኣብታ ሃገር ክዛወሩ ንዝደልዩ በጻሕቲ ዘጠቃልል ድዩ ኣይኰነን ንጹር ኣይተገበረን።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቅድሚ ኮቪድ 19 ምኽሳቱ ቁጽሪ በጻሕቲ ልዕሊ 155 ሚልዮን ከምዝነበረን ኣብ 2020 ግና እዚ ኣሃዝ ናብ 20 ሚልዮን ከም ዝጎደለን ጸብጻባት የረዱኡ።
እዚ ሓድሽ ሓጊ ብዙሓት ደጊሞም ናብ ወጻኢ ሃገራት ክገሹ ዝደልዩ ቻይናውያን ብሓጎስ ክቕበልዎ እንከለዉ፡ እቲ ሕጊ ምስ ተቓልሐ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ነቲ ኣብ ጥሪ 22 ዝጅምር ናይ ቻይናውያን ሓድሽ ዓመት ምስ ስድርኦም ንምጽንባል ቦታኦም ንከውሕሱ ብዙሕ ጸደፍደፍን ዕልቅልቕን ከም ዝነበረ ዓበይቲ ናይ ኦን ላይን መጓዓዝያ ወኪላት ሓቢረን።
ገለ ገለ ነበርቲ እውን ኣብዚ ሓድሽ ለብዒ ኮቪድ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ሕግታት ኣብ ምምጻእ ዘለዎም ቅሬታን ስክፍታን ይገልፁ ኣለዉ።
ናህሪ እቲ ለበዳ ንምቁጽጻርን ኣብ ሆስፒታላት ክህሉ ንዝኸእል ምጭንናቕ ንምብዳህን ናይ ፋይዘር ከኒናታትን ፓክስሎቪድን ኣብ ርእሰ ከተማ በይጂንግ ከም ዘከፋፍሉ ሰበስልጣን ይዛረቡ።
ፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግ ብወገኑ ነቲ ሕግታታ ኣመልኪቱ ኣብቲ ብሰኑይ ዝሃቦ መብርሂ ኩሎም ሰበስልጣን ህይወት ንምድሓን ክግበር ዝከኣል ዘበለ ክገብሩ ጸዊዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







