ሆስፒታላት ቻይና ብሕሙማት ኮቪድ-19 ይመልኡ ኣለዉ- ውድብ ጥዕና ዓለም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ቻይና ሓድሽ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ሆስፒታላት እታ ሃገር ብሕሙማት ክመልኡ ይረኣዩ ምህላዎም ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።
ዋላ'ኳ ሰብመዚ ቻይና ቍጽሪ መልከፍቲ “ብንጽጽር ዝወሓደ” ከምዝዀነ እንተገለጹ፡ ሓላፊ ህጹጽ መደባት ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ሚካኤል ርያን ግን፡ ኣብታ ሃገር ክፍልታት ጽኑዕ ክንክን ስራሕ ከምዝበዝሖም ኣፍሊጡ።
ቻይና ብረቡዕ ዋላ ሓደ ሰብ ብኮቪድ ከምዘይሞተ ዝገለጸት ኰይና፡ ኣብ ሓቀኛ ጸቕጢ እቲ ሕማም ግን ጥርጣረታት ኣሎ።
ኣብ ቀረባ ኣብታ ሃገር ሓድሽ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምልብዑ፡ ኣብ ቤጂንግን ካልኦት ዝተፈላለያ ከተማታት ቻይና ዝርከቡ ሆስፒታላት ብተሓከምቲ ክመልኡ ቀንዮም።
“ባዶ መልከፍቲ” ዝብል ፖሊሲ ዝሓዘት ቻይና ካብ 2020 ጀሚሩ ከበድቲ ክልከላታት ኣንቢራ ጸኒሓ።
ኰይኑ ግን ኣብታ ሃገር ብዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ መንግስቲ ንመብዛሕትኦም ክልከላታት ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣልዒሉ።
ነዚ ስዒቡ መጠን መልከፍቲ ክውስኽ እንከሎ፡ ኣብቶም ዝያዳ ተቓላዕቲ ዝዀኑ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት መጠን ሞት ሓፍ ከይብል ተሰጊኡ ኣሎ።
ዋላ'ኳ መጠን መልከፍቲ ወሲኹ እንተሃለወ፡ ሰብመዚ ግን ብሰሉስ ሓሙሽተ ሰባት ብሰኑይ ድማ ክልተ ጥራይ ብኮቪድ ከምዝሞቱ ገሊጾም።
ዶ/ር ርያን፡ ሰብመዚ ቻይና ኣብታ ሃገር ዘሎ ለብዒ ዝምልከት ንጹር ሓበሬታ ክህቡ ተማሕጺኑ ኣሎ።
“ቻይና ዘቕረበቶ ጸብጻብ ኣብ ጽኑዕ ክንክን ብንጽጽር ውሑዳት ሰባት ከምዘለዉ እዩ ዝገልጽ፤ እቲ ሓቂ ግን ክፍልታት ጽኑዕ ክንክን ይመልኡ እዮም ዘለዉ።
“ነዚ ኣዝዩ ተላባዒ ዝዀነ ቫይረስ ብክንክን ጥዕናን ምርሕሓቕን ምሉእ ብምሉእ ደው ክተብሎ ከቢድ ምዃኑ እናገለጽና ጸኒሕና ኢና” ኢሉ።
ኣብ ጀኔቫ ሰሙናዊ መግለጺ ዝሃበ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብወገኑ፡ “ኣብ ቻይና ዝምዕብል ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ ኣሻቒሉኒ ኣሎ” ኢሉ። ክብደት እቲ ሕማም፡ ብዝሒ ናብ ሆስፒታል ዝኣትዉ ሰባትን ጽኑዕ ክንክን ዘድልዮምን ዝምልከት ንጹር ሓበሬታ ከወሃቦም እውን ተማሕጺኑ።
ዶ/ር ርያን እውን ካብ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ዘድሕን መገዲ ክታበት ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ቻይና ናይ ባዕላ ክታበት ሰሪሓ እተፍሪ ዘላ ኰይና፡ ውጽኢታውነት ናይቶም ክታበታት ካብቶም ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዓለም ዝወሃቡ ዘለዉ ዝተሓተ ከምዝዀነ እዩ ዝግለጽ።
ጀርመን ፈላማይ ዙር ባዮኤንተክ ዝተባህለ ክታበት ኮሮናቫይረስ ናብ ቻይና ድሕሪ ምልኣኻ እዩ እቲ ሓላፊ ነቲ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።
እቶም ክታበታት ብቐዳምነት ነቶም ኣብ ቻይና ዝነብሩ ልዕሊ 20 ሽሕ ወጻእተኛታት ዝወሃቡ እዮም። ክታበታት ኮቪድ ናብ ቻይና ክኣቱ እዚ ንፈለማ እዋን ኰይኑ፡ መዓስን ክንደይን ከምዝኣተወ ግን ዝተገለጸ ነገር የለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







