ክታበት ኮቪድ-19፡ ዘይተኸተቡ ኣብ ሆስፒታል ዝርከቡ ሕሙማት ኣዝዮም ይጠዓሱ

ዓብድልራሕማን ፈዲል
መግለጺ ስእሊ, ዓብድልራሕማን ፈዲል

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ኣዝዩ ይውስኽ ኣሎ፤ መብዛሕትኦም በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ድማ፡ እቶም ንዘይምኽታብ ዝመረፁ እዮም።

ከም መብዛሕትአን ሆስፒታላት፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ብራድፎርድ ሮያል ኢንፊርሜሬ ዝሕከሙ ቁፅሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሕሙማት’ውን፡ ኣዝዩ እዩ ዝዓርግ ዘሎ።

ዳርጋ ፍርቂ እቶም ሕሙማት ክታበት ንዘይምኽታብ ዝመረፁ እዮም፤ ሕዚ ግና መብዛሕትኦም ኣብ ሓያል ጣዕሳ ተሸሚሞም ይርከቡ።

ፅቡቕ ቁመና ዝወነነ ወዲ 54 ዓመት ፈይሰል በሽር፡ “እቲ ክታበት ተዋሂበ ኔረ እየ፡ ግና ተዓብየ” ይብል።

“ናብ ጂም ይኸይድ፣ ብሽክሌታ ይዝውር፣ ብእግረይ ይንቀሳቐስን ይጎይይን ኔረ። ስለ ዝኾነ ድማ ፅኑዕን ጥዕናይ ዝተማልአን ስለ ዝነበርኩ፡ የድልየኒ እዩ ኢለ ኣይሓሰብኩን። እዚ ማለት ናይ ምቅላዕ ዕድል እንተጋጢሙ’ውን ዝኾነ ስግኣታት ኣየጋጥመንን።

እቲ ሓቂ ግና፡ እቲ ቫይረስ ከወግዶ ኣይኽእልን። በቲ ቫይረስ ተለኺፈ። ብኸመይን ኣበይን ዝብል ግና ኣይፈልጥን” ይብል።

ኣብ ሆስፒታል ንሓደ ሰሙን ብኦክስጅን እናተደገፈ ሕክምና ክከታተል ዝፀንሐን ኣብቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ካብ ሆስፒታል ዝወፅአን በሽር፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝዝርግሑ ዘረባታትን፡ ክታበት ኣስትራዜኒካ ምርጋእ ደም የስዕብ እዩ ብዝብሉ ፀብፃባትን ከም ዝተፀለወ እዩ ዝኣምን።

ሕዚ ግና ካልኦት ጌግኡ ንከይደግሙ ይጥንቀቕ ኣሎ።

“ኣብ ሆስፒታል ዘጋጠመኒ፡ ሓልዮትን ክኢላዊ ፍልጠትን፡ ትሕት ክብል ጌሮምኒ” ይብል።

“ሰባት ብዕሽሽነት ሆስፒታላት ይመልእዎ ኣለዉ፤ እዚ ድማ ጌጋ እዩ። ሰምቢደ እየ፣ ሕማቕ’ዩ ተሰሚዑኒ፡ ተስፋ እገብር ብምዝራበይ ካልኦት እዚ ንከይገብሩ ከም ዝሓገዘ” ይብል እቲ ዝነበሮ ግጉይ ርድኢት ከምዘጠዓሶ ብምግላፅ።

ኮቪድ-19 ንዘይተኸተቡ ይለክፍ ኣሎ

ኣብቲ ሆስፒታል ንሽድሽተ ሰዓታት ኣድኻሚ ክትትል ክገብር ዝወዓለ ዶክተር ዓብዲ ዓዚዝ፡ “ሎሚ ኣብዚ ሕክምና ካብ ዘለዉ ሕሙማት ዳርጋ ፍርቆም ዘይተኸተቡ’ዮም። ንምንታይ ኢለ ምሕታት ኣቋሪፀ’የ፡ ምኽንያቱ ብግልፂ ስለ ዝደንፀዎም (ስለዝሓፈሩ)” ኢሉ።

ቁፅሪ ሕሙማት ኮቪድ-19 ሆስፒታል፡ ካብቲ ዝሓለፈ ሓጋይ ንነዘ ንፈለማ እዋን ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ነፀላ ኣሃዝ ወሪዱ ኔሩ።

ኣብዚ ሰሙን ግና ደልታ ቫይረስ ይላባዕ ብምህላዉ፡ ናብ 50 ይፅጋዕ ኣሎ።

እዚ ድማ፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ የጋጥም ዘሎ ቁፅሪ መልከፍቲ ከም ዝወሰኸ ዘንፀባርቕ እዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ቁፅሪ መልከፍቲ ብሰለስተ ኢድ እዩ ወሲኹ፤ ኣስታት 400 መልከፍቲ ኣጋጢሙ።

መብዛሕትኦም ግዳያት እዚ መልከፍቲ ከኣ መናእሰይ ከም ዝኾኑ’ዩ ዝግለፅ፤ ካብ 100 ሽሕ ሰባት እቶም 750 ሰገናት እንትኾኑ ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ዝርከቡ’ውን ካብዚ ኣሃዝ ዝረሓቑ ኣይኮኑን።

ዋላ’ኳ ካብዚኦም እቶም ዝወሓዱ ናብ ሆስፒታል እንተኣተዉ፡ ቅድሚ ሕዚ ምስ ዝነበረ ደግሲ እንትነፃፀር፡ ናይ ሕዚ ተሓከምትና ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታትን 40ታትን ዝርከቡ መናእሰይ እዮም ይብል እቲ በዓል ሞያ።

“ገሊኦም ክልተ ግዘ ክታበታት ዝተኸተቡን ቀሊል ሕማም ዝነበሮምን’ዮም። ብመሳርሒ መተንፈስን ኦክስጅንን እናተደገፉ ብሂወት ኣለዉ፡ እንተዘይኽተቡ ምሞቱ ኔሮም”

“ካልኦቶም ድማ ፈላማይ ክታበት ዝወሰዱ ስለዝኾኑ፡ ሙሉእ ብሙሉእ ውሑሳት ኣይኮኑን። እቲ ዘሻቕል ነገር፡ ሎሚመዓልቲ ኣብ መናበይ ካብ ሞንጎ ዘለዉ ሕሙማት ዳርጋ ፍርቆም ዘይተኸተቡ’ዮም። ” ይብል እቲ በዓል ሞያ።

ኣብዱራሕማን ፈዲል ኣብ ምሕዋዩ

“ብህይወት ምንባር ደስ ይብል”

መምህር ሳይንስ ዝኾነ ወዲ 60 ዓመት ዓብድልራሕማን ፈዲል’ውን ምስ ክልተ መናእሰይ ደቁ ኣብ ሓያል ጣዕሳ እዩ ዘሎ።

ሓደሽቲ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ወግዓዊ ዝኾኑሉን ዝፋለጥሉን ግዘ ቅልጡፍ ብምንባሩ፡ መምህር ሳይንስ ዓብድልራሕማን፡ ኣብ ጉዳይ እዚ ክታበት ትኩር እዩ ኔሩ።

ኣብ ብራድፎርድ ካብ ዘሎ ብዝሒ መንእሰይ፡ ብብርኪ ሃገር ምስ ዘሎ 87 ሚእታዊት እንክነፃፀር፡ ዳርጋ እቲ ሓደ መሰለስ ፈላማይ ዙር ክታበት ተኸቲቡ እዩ።

ዓብድልራሕማን ፈዲል፡ ንትሽዓተ መዓልታት ኣብ ትሕቲ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና እዩ ኣሕሊፍዎ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1985 ካብ ሞሮኮ ካብ ዝምለስ ንነዘ ንፈለማ እዋን ኣብ ሆስፒታል ዝሓደረሉ ግዘ።

“ብህይወት ምንባር ደስ ይብል” ኢሉ።

“በዓልቲ ገዛይ ክታበት ተኸቲባ እያ። ኣነ ግና ኣይተኸተብኩን። ሰጋእ መጋእ እየ ዝብል ኔረ። ንርእሰይ ግዘ ይህብ ኔረ፤ ኣብ ሂወተይ ምስ ቫይረስ፣ ባክቴርያ ከም ዝነበርኩን ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕመይ ፅቡቕ ከም ዝነበረን’የ ዝሓስብ ኔረ። ኣብ መፈለምታ እዚ ለበዳ ድማ ምልክታት ኮቪድ ኔሮምኒ’ዮም፤ መን ይፈልጥ ተለኺፈ ኔረ’ውን እኸውን። ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕመይ ነቲ ቫይረስ ዝምክቶ መሲሉኒ ኔሩ”

“እዚ ኣብ ህይወተይ እቲ ዝዓበየ ጌጋ እዩ። ዳርጋ ህይወተይ እዩ ኣስኢኑኒ ኔሩ። ኣብ ሂወተይ ብዙሓት ብሃም ውሳነታት (ናይ ዓሻ) ወሲነ እየ፡ እዚ ግና እቲ ኣዝዩ ሓደገኛን ፅንኩርን እዩ” ይብል።

ዓብድልራሕማን ፈዲል ካብ ሆስፒታል ካብ ዝወፅእ ኣስታት ሓደ ወርሒ ኮይንዎ ኣሎ፤ ሕዚ’ውን ግና ጥዕንኡ ፅቡቕ የለን።

“ክታበት ኣይክተብን ናብ ዝብል ሕድሕድ ሰብ ከይደ፡ እዚ ናይ ሞትን ህይወትን ጉዳይ እዩ። ምንባር ድኹም ትደልዩ ምሟት? ምንባር ትደልዩ እንተድኣ ኮይንኩም፡ ኬድኩም ተኸተቡ ኢለ እንተዝነግሮም ደስ ምበለኒ” ይብል።

ፕሮፌሰር ጆን ራይት፡ ሓላፊ ኢንስቲዩት ምርምር ጥዕና ብራድፎርድ፣ ዶክተርን ተመራማራይ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን፣ ኣብ ሰሃራ ኣፍሪቃ ኣብ ለብዕታት ኮሌራ፣ ኤችኣይቪን ኢቦላን ምኩር በዓልሞያ እዩ። ነዚ መዝገብ-ዕለት (ዲያሪ) ድማ ንቢቢሲ ይፅሕፎ ኣሎ።