ክታበታት ኮቪድ-19 ሓዊስካ ምውሳድ ጽቡቕ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዝፈጥር ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዙርያ ዝፈላለዩ ዓይነታት ክታበት ኮሮናቫይረስ ሓዋዊስካ ምውሳድ- ነቲ ለበዳ ጽቡቕ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከም ዝፈጥር ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ዝተገበረ መጽናዕቲ ሓቢሩ።
እቲ ኮም-ኮቭ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፈተነ ክልተ ብልቃጥ ፒፋይዘር፣ ክልተ ብልቃጥ ኣስትራዘኔካ'ዶ ወይስ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ እቲ ሓደ ኣብ ካልኣይ እቲ ካልእ ክታበት ምውሳድ ይሓይሽ ብዝብል'ዩ ተኻይዱ።
ኩሉም ውሁዳት ድማ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣብ ምዕባይ ጽቡቕ ውጽኢት ኣርእዮም።
እዚ ኣፍልጦ ክታበት ኣብ ምሃብ ምትዕጽጻፋት ክህሉ ከም ዝሕግዝ ሰብ ሞያ ይገልጹ።
ብተወሳኺ ክልተ ክታበታ ኣስትራዘኔካ ዝወሰዱ ሰባት ሓዲኡ ዝተፈለየ ዓይነት ክታበት ነይሩ እንተዝኸውን ዝሓሸ ናይ ምክልኻል ዓቅሚ ክፈጥሩ ይኽእሉ ምንባሮም ኣመላኺ።
ምክትል ሓላፊ ጥዕና ዩናይትድ ኪንግደም ፕሮፌሰር ጆናታን ቫን-ታም፡ እኹል ቀረብ ክታበት ብምንባሩን ህይወት የድሕን ስለ ዝነበረን ነቲ ሐዚ ዘሎ ሓደ ዓይነት ክታበት ናይ ምሃብ መደብ ምቕያር ከም ዘየድለየ ገሊጹ፡፡
እንተኾነ ዝተፈላለዩ ክታበታት ሓዊስካ ምጥቃም ዝሓሸ ምትዕጽጻፍ ክፈጥር ከም ዝኽእልን ናይ ቀረብ ሕጽረት ንዘጋጥመን ሃገራት ንምሕጋዝ ከም ዝጠቅምን ተዛሪቡ፡፡
ገለ ሃገራት ዝተፈላለየ ክታበት ምሃብ ካብ ዝጅምራ ጸኒሐን እየን፡፡
ስፔንን ጀርመንን ቀዳማይ ክታበት ኣስትራዘኔካ ንዝወሰዱ መናእሰይ ዜጋታተን ካልኣይ ብልቃጥ ፒፋይዘር ወይ ሞደርና ይህባ ኣለዋ፡፡
እንተኾነ እተን ሃገራት ክበታት ኣስትራዘኔካ የስዕቦ እዩ ዝበሃል ሳሕቲ ዘጋጥም ምርጋእ ደም ንምክልኻል እምበር ንውጽኢታውነቱ ሓሲበን ኣይኮናን፡፡
ሰብነት ወዲሰብ ኣንቲቦዲን ቲ ሴልስን ብምስራሕ ንኮሮናቫይረስ መገዲ ምዕጻውን ምቕታልን ክለምድ ንምግባርን ሙሉእ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንምዕባይን ክልተ ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ምውሳድ የድሊ፡፡
እቲ ኮም-ኮቭ ዝተባህለ መጽናዕቲ፡ ብመሰረት ንልዕሊ 850 ዝኾኑ ልዕሊ 50 ዕድሚኦም ወለንተኛታት ብኣርባዕተ ሰሙን ፍልልይ ብምኽታብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ነዞም ዝስዕብ ቀንዲ ግንዮታት ረኺቡ ኣሎ፥
- ቀዳማይ ዙር ኣስትራዘኔካን ካልኣይ ዙር ፒፋይዘርን ካብ ቀዳማይ ዙር ፋይዘርን ካልኣይ ኣስትራዘኔካን ዝሓሸ ናይ ኣንቲ ቦዲን ቲ ሴልስን ምፍራይ ምላሽ ይህብ
- ክልቲኦም ሕዋሳት ካብ ክልተ ብልቃጥ ኣሰትራዘኔካ ዝሓሸ ኣንቲቦዲ ናይ ምፍራይ ተኽእሎ ኣለዎም
- ዝለዓለ ምላሽ ኣንቲ ቦዲ ካብ ክልተ ክታበት ፋይዘር እንትርከብ ዝለዓለ ምላሽ ቲ ሴል ድማ ካብ ቀዳማይ ኣስትራዘኔካ ምስ ካልኣይ ፒፋይዘር ተረኺቡ፡፡
ካብ መሪሕ ተመራመርቲ ሓደ ዝኾነ ፕሮፌሰር ማቲው ስናፕ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክልተ ሓደ ዓይነት ክታበታት ጽቡቕ ናይ ህይወት ምድሓን ስራሕ ይዓምም ከም ዘሎ ብምሕባር፡ እቲ ግንዮት ነቲ ዩናይትድ ኪንግደም እተካይዶ ዘላ መደብ ዘነኣእሶ ከም ዘይኮነ ተዛሪቡ፡፡
ብተወሳኺ ኣብ ንውሕ ዝበለ ፍልልያት ዝወሃብ ክታበት ዝሓሸ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከም ዝሃንጽ ተዛሪቡ፡፡






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







