ኮቪድ-19፡ ዓለም ክሳብ ክንደይ’ያ ኣብ ክታበት ሰጒማ ዘላ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክሳብ ሕጂ ብደረጃ ዓለም ኣብ 190 ሃገራት ኣስታት 3 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ተዋሂቡ ኣሎ።
እንተኾነ፡ እቲ ዝርግሐ ብደረጃ ዓለም ምዕሩይ ዘይምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
ገለ ገለ ሃገራት ዝበዝሐ ክፋል ካብ ህዝበን ክኸትባ እንከለዋ ገለ ሃገራት ግን ጠቅሊለን ንህዝበን ምኽታብ ዘይጀመራ ኣለዋ፤ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ክታበት ዘይጀመራ ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ሃገራት እያ።
መን'ዩ ዝኽተብ ዘሎ?
ናይ ኮሮናቫይረስ ክታበት ብዝርግሐኡን ብዝሑን ዓለም ካብ ዝርኣየቶ ወፍሪ ክታበት እዚ ዝበዝሐ እዩ።
ከም ዕላማ ኸኣ ኩሉ እኹል ሰብ [ልዕሊ 18 ዓመት] ንክኸተብ እዩ ውጥን ተታሒዙ ዘሎ።
ቻይናን ኣመሪካን እተን ዝበዝሐ ቁጽሪ ክታበት ንህዝበን ከቲበን ዘለዋ ሃገራት እየን።
ቻይና 1.1 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት፣ ኣመሪካ 322 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፣ ህንዲ ኸኣ 314 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ብምኽታብ ብቕደም ተኸተል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘለዋ ሃገራት እየን።
ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝርከባ ሃገራት ኣብ መጠን ክታብት ርኡይ ቅልጣፈ የመዝግባ ኣለዋ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ግን ኣብ ጉዳይ ቀረብ ከምቲ ዝግባእ ኣብ ኢደን ይበጽሕ ዘይምህላዉ'የን ዝሕብራ።
ዝበዝሓ ሃገራት ኣብቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም ተማእኪሉ ዝዕደል ዓለማዊ ተበግሶ ኮቫክስ እየን ክታበት ዝጽበያ ዘለዋ።
ኮቫክስ ምዕሩይን ቅልጡፍን ዕደላ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንኽህሉ እኳ ይሰርሕ እንተሃለወ፡ ከምቲ ዝተለሞ ከም ዘይሰጎመ'ዩ ዝግለጽ።
ሃገረ ጋና እታ ቀዳመይቲ ብመንገዲ ኮቫክስ ኣብ 24 ለካቲት 2021 ክታበት ዝተቐበለት ሃገር እያ።

ኮቫክስ፡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ብደረጃ ዓለም 2 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ናብ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ከብጽሕ ተሊሙ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።
ንሓደ ሰብ ክልተ ብልቃጥ ስለ ዘድሊ ግን እዚ እኹል ከም ዘይኮነ'ዩ ዝግለጽ።
መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ እንተስ ብቐጥታ ወይ'ውን ብመንገዲ ኮቫክስ 1 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ናብ ድኻታት ሃገራት ክዕድሉ ምዃኖም ቃል ኣትዮም'ዮም።
ኣየኖት ክታበታት'ዮም ኣብ ጥቅሚ ውዒሎም ዘለዉ?
ብፒፋይዘርን ባዮንተክን ዝፈረየ ክታበት ፋይዘር ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ናይ መጀመርታ ክታበት ኮሮናቫይረስ እዮም።
ንዕኡ ስዒቦም ኸኣ ሓያሎ ክታበታት ኣፍልጦ ረኺቦም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ብብዝሒ ኣብ ጥቅሚ ውዒሉ ዘሎ ክታበት ኣስትራ ዘኔካ'ዩ።
ፒፋይዘር ካብን ናብን ንክጉዓዓዝ ብውሕዱ ኣሉታ 70 ዲግሪ ሴንትግሬት ዛሕሊ'ዩ ዘድልዮ።
ኣስተራ ዘኔካ ግን ኣብ መጠናዊ ዛሕሊ ዘለዎ ፍርጅ ክኽዘንን ካብን ናብን ክግዓዓዝን ስለ ዝኽእል ዝያዳ ተጠላቢ ኮይኑ ይርከብ።

መብዛሕትአን ሃገራት ክታበት ምስ ተረከባ ንመን ክኸትባ ኣለዋን ቀዳምነታት ሰሪዐን እየን ዝጅመራ።
ዝበዝሓ ሃገራት ኸኣ ሰራሕተኛታት ጥዕና፣ ሕዱር ሕማም ዘለዎምን ልዕሊ 60 ዕድሜኦምን ኢለን ቀዳምነት ሰሪዐን ኣብ መስርሕ ይርከባ።
ከም እስራኤልን ዓባይ ብርጣንያን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ኣብ ክታበት ብዙሕ ሰጒመን ስለ ዘለዋ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝስዕብ ሞት ኣዝዩ ነኪዩ ኣሎ።
ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 200 ዓይነታት ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ፈተነ ይርከቡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







