ቻይና ብገበን ዝተጠርጠሩ ዲፕሎማሰኛታታ ካብ ብሪጣንያ ስሒባ

ቻይና ብሰንኪ እቲ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ማንቸስተር ኣብ ዝርከብ ቆንስላ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታታ ዝርከቦም ሽዱሽተ ሰበስልጣናታ ካብ ብሪጣንያ ክወጹ ገይራ።
ብሪጣንያ፡ መርመርቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጥቅምቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ሕቶታት ምእንቲ ክሓትዎም መሰል ዲፕሎማስያዊ ነጻነት ናይቶም ሰበስልጣን ክለዓል ሓቲታ ነይራ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ጀምስ ክለቨርሊ፡ ካብቶም ሽዱሽተ ሕጂ ዋላ ሓደ ናብ ፍትሒ ከምዘይቀርብ ተስፋ ምቝራጹ ገሊጹ።
እቲ ጕጅለ ሰበስልጣን ነቲ ንሓደ ሰልፈኛ ከምዘይሃረመ ዝኸሓደ ጀነራል ቆንስል ዠንግ ሺዩዋን ዘጠቓለለ እዩ።
ደጋፊ ዲሞክራሲ ሰልፈኛ ቦብ ቻን ዝተባህለ ሆንግኮንጋዊ፡ ብ16 ጥቅምቲ ደቂ ተባዕትዮ ናብ ቀጽሪ እቲ ቆንስል ጐቲቶም ኣእትዮም ድሕሪ ምቕጥቃጦም ተጐዲኡ ከምዝነበረ ይዝከር።
ሓላፊ እቲ ቆንስላ ዝነበረ ዠንግ ሺዩዋን፡ ዋላ’ኳ ኣብ ስእሊ እንተተለለየ፡ ኣብ ልዕሊ ቦብ ቻን መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸመ ክሒዱ ነይሩ።
ድሒሩ ግን ንመሳርሕቱ ክከላኸል ይጽዕር ከም ዝነበረ ንጋዜጠኛታት ብምግላጽ፡ ቦብ ቻን "ሃገረይ፡ መራሒየይ ይብድል ነይሩ” ብዝብል ከምኡ ምግባሩ “ግቡአይ ይመስለኒ" ኢሉ።
ቻይና ነቶም ዲፕሎማሰኛታት ንምእላይ ዝወሰደቶ ስጕምቲ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ክፍጠር ዝኽእል ዘይምርድዳእ ንምንካይን ዝግበር ፈተነ ከምዝዀነ ይግመት።
ሰበስልጣን ብሪጣንያ፡ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣብ መርመራ ፖሊስ ክሳተፉ እንተዘይተሰማሚዖም፡ ተወሳኺ ሳዕቤን ከምዝህሉ ንኤምባሲ ቻይና ብንጹር ገሊጾም ነይሮም።
ኣብ ክንድኡ ቻይና ነቶም ዲፕሎማሰኛታት ብምጽዋዕ ካብቲ ሳዕቤን ክትድሕን መሪጻ ኣላ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ጀምስ ክለቨርሊ፡ ቻይና ንሚስተር ዠንግን ካልኦት ሓሙሽተ ሰበስልጣንን ምእላያ፡ ክብደት ናይቲ ብሪጣንያ ዝሃበቶ ምላሽ ዘርኢ ምዃኑ ገሊጹ።
"ኣብ መድረኽ ዓለምን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ንልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ክንቅጽል ኢና፡ ካልኦት'ውን ከምኡ ክገብሩ ንጽበ" ክብል ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ሓቢሩ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሽዱሽተ ሰበስልጣን ንዲፕሎማስያዊ ናጽነት ናይ ምርካብ መሰሎም ክገድፉ ከምዘለዎም ንቻይና ኣፍሊጡ ነይሩ።
ቦብ ቻን ብዛዕባ ምኻድ እቶም ሰበስልጣን ኣመልኪቱ፡ "ኣብ ማንቸስተር ብሰራሕተኛታት ቆንስል ቻይና መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጸመኒ ክልተ ወርሒ ኣቝጺሩ'ሎ" ኢሉ።
"ሎሚ ካብቲ ቆንስል ገለ ኣባላት ናብ ቻይና ከምዝተላእኩ ይሰምዕ ኣለኹ። እዚ ንኽኸውን ክልተ ወርሒ ወሲዱ’ኳ እንተዀነ፡ እዚ ግን ሓደ ካብቲ ነቲ ዝተሓላለኸ ዲፕሎማስያዊ ጸገም ዝፈትሕ መንገዲ'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።
"ብነጻት ክነብር ምስ ስድራይ ናብዛ ሃገር ተሰዲደ። እቲ ብ16 ጥቅምቲ 2022 ዘጋጠመ ዘይቅቡልን ዘይሕጋውን እዩ ነይሩ፣ ምስሓብ እዞም ቻይናውያን ዲፕሎማሰኛታት ድማ ናይ ግልግል ስምዒት ፈጢሩለይ’ዩ።"
ብክልሰ-ሓሳብ ዲፕሎማስያዊ ነጻነት ማለት ሰበስልጣንን ስድራቤቶምን ብዝዀነ ገበን ወይ ሲቪላዊ ጉዳይ ክእሰሩ ወይ ክኽሰሱ ኣይክእሉን ማለት እዩ።
መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ ነበር ሰር ኢያን ዳንከን ስሚዝ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ናይቶም ዲፕሎማሰኛታት መሰል ዲፕሎማስያዊ ነጻነትን ናይ ዘይምኽሳስ ሓለዋን ብወግዒ ክትኣሊ ከምዝነበራ ይገልጽ።
"ኣብ ማንቸስተር ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰላማዊ ጐስጓስ ዲሞክራሲ ዝተፈጸመ ቅሉዕ መጥቃዕቲ፡ እቶም ተሓተትቲ ብዘይ ክሲ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ክወጹ ካብ ምፍቃድ ንላዕሊ ዝዀነ ስጕምቲ የድልዮ። ቻይና ንክትመልሶም ምፍቃድ ፍትሒ ኣይኮነን" ኢሉ።
"ቅድሚ ሰሙናት ክንሰጎም ነይሩና።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







