"ሃይማኖት ጉዳይ ኣቦታትን ኣመንትን እዩ" - ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ኣባ ማትያስ

ምንጪ ስእሊ, OFFICE OF THE PRESIDENT

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ጉዳይ ሃይማኖት ጉዳይ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰዓብትን ምዃኑ ገሊጻ።

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ምስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያት ኣቡነ ማትያስ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ተራኺቦም ከም ዝተዛተዩ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ብሰንኪ'ቲ ኣብ መንጎ ኣቦታት ቤተ ክርስትያን ዝተፈጠረ ኣፈላላይ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት’ታ ሃገር ቅልውላው ዝተፈጥረ ዀይኑ፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ መንግስቲ ዝግበረሉ ትጽቢት ኣይፈጸመን ብዝብል ክትነቅፍ ጸኒሓ።

በዚ ምኽንያት ሰባት ከምዝ ተጎድኡን ብዙሓት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን ተሓቢሩ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ መንግስትን መራሕቲ ቤተክርስትያንን ዘተ ምክያዱ ዝዝከር እዩ።

እታ ፕረዚደንት ብሰኑይ 06 ለካቲት 2015 ዓ.ም ኣብ ወግዓዊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጻ ኣብ ዝጠቅዓቶ መልእኽቲ "በቲ ዝጠፍአ ህይወት ሓዘነይ ገሊጸ እየ" ብምባል"እምነታት. . ንኣመንቶም ናይ መወዳእታ ዕርድታቶም እዮም " ኢላ።

ዓሌትን ሃይማኖትን ንፖለቲካ ምጥቃም ከም ዘይግባእ ዝገለጸት እታ ፕረዚደንት፡ "ጉዳይ ሃይማኖታት ጉዳይ ኣቦታት እቲ እምነትን ኣመንትን እዩ" ኢላ።

መንግስቲ፡ ብዛዕባ ኩነታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ብዘይካ እቲ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ዝወጽአ መግለጺ፡ ብሰበስልጣን ይኹን ብሚድያታት መንግስቲ ዛጊድ ዝተባህለ የለን።

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ድሕሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብታ ሃገር ንሰሙናት ከቢድ ጉዳይ ኰይኑ ዝጸንሐ ቅልውላው ቤተ ክርስትያን ኣመልኪታ ብግልጺ ዝተዛረበት ካልኣይቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዋ ሰብ እያ።

እታ ፕረዚደንት ኣብ መልእኽታ፡ "ድርድር ዘይግበረሎም መሰረታዊ መሰላት ዜጋታት ዝዀኑ፣ ልዕልና ሕጊ፣ ምኽባር ሕጊ፣ ተሓታትነት፣ ናጽነት ኣተሓሳስባ፣ መሰል ምርካብ ሓበሬታ ወዘተ ኣብ ሓደጋ ከየእትዉ ክንጥንቀቕ ኣለና” ኢላ።

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ፡ “እዛ ሃገር ካብቲ ዝጸንሐቶ ሕሰም ኣብ ዘይወጸትሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወረደ ስብራት ኣብ ዘይተዓረየሉ እዋን፡ ብዘይካ ኣብ ነንሕድሕድካ ምምኽኻርን ምዝርራብን ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ኣይረኣየንን። ህይወት ሰባት ዝወሰደ ግጭታት ኣይተኣልየን፣ ዜጋታት ተመዛቢሎም፣ ሚልዮናት ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ይደልዩ ኣለዉ"ኢላ።

ሰለስተ ኣቦታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ 14 ጥሪ 2015 ዓ.ም ‘ዘይሕጋዊ’ ሹመት ድሕሪ ምሃቦም፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብታ ሃገር ብዙሕ ወጥሪ ተፈጢሩ ቐንዩ።

ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ሹመት ዝሃቡን ዝተቐበሉን ውልቀ ሰባት ዘውገዘት ኰይና፡ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ሓላፍነቱ ክዋፃእ ሓቲቱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ መንግስቱ ኣብቲ ጉዳይ ኢዱ ከም ዘይኣቱ፣ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ድማ ኣብቲ ጉዳይ ክሳተፉ ከም ዘይብሎም፣ ብዛዕባ እቲ ፀገም ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሐትት ተዛሪቡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘስምዖ መደረ ንቤተክርስትያን ኣቖጢዑ ሓያል ግብረ መልሲ ክትህብን ሰዓብታ ተቓውሞ ከስምዑን ክትጽውዕን ገይርዋ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኣብታ ቤተክርስትያን ዘጋጠመ ቅልውላው፡ ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ክሞቱ እንከለዉ፡ እታ ቤተክርስትያን ግን እቲ ቁጽሪ ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ ትገልጽ።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ሰዓብታ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ተቓውሞ ጸሎት ከካይዱ ጸዊዓ።

እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዛዘመ ኮይኑ፡ መንግስቲ መልሲ እንተዘይሂቡ ዝሓለፈ ሰንበት ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ጸዊዓ ነይራ።

ይኹን እምበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሓዊሱ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ምስ መራሕቲ ቤተክርስትያን ድሕሪ ምዝርራብ፣ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ብዝተበፅሐ ስምምዕ ምኽንያት፡ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከም ዝተሰጋገረ መራሕቲ ቤተክርስትያን ኣፍሊጦም።