ዝተወገዙ ጳጳሳት ናብ ዝኾነ ቀጽሪ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ከይኣትዉ ተኣጊዶም-ጠበቓ

ምንጪ ስእሊ, EOTC
ኦርቶዶክሳዊት ቤትክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ቆኖናኣ ብምጥሓስ ሽመት ጵጵስና ዝሃቡ ጉጅለ ጳጳሳት ዘቕረበቶ ሕጋዊ ክሲ ተቐባልነት ከምዝረኸበ ጠበቓኣ ኣፍሊጡ።
እቲ ሎሚ ዝሓለፈ ውሳነ ቤትፍርዲ፡ እቶም ካብታ ቤተክርስትያን ዝተፈንጨሉን ብሲኖዶስ ዝተወገዙን ጳጳሳት ኣብ ዝኾነ ቀጽሪ ህንጻ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ከይኣትዉ ንግዚኡ ዝእግድ'ዩ።
ጠበቓ እታ ቤተክርስትያን ኣንዷለም ገዳ ከምዝበሎ፡ እቶም ተኣጊዶም ዘለዉ ጳጳሳት፡ ኣቡነ ሳዊሮስ፡ ኣቡነ ዜና ማርቆስ፡ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ፡ ከምኡ'ውን እቶም "ብዘይጋዊ" ኣገባብ ዝሸምዎም ኤጲስ ቆጶሳትን ዝርከብዎም 28 መራሕቲ ሃይማኖት እዮም።
ጠበቓ ናይቶም ዝተወገዙ ጳጳሳት ብወገኖም ብሽም "ሓድሽ ሲኖዶስ" ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ቤትፍርዲ ነቲ ዝተባህለ እገዳ ከምዘይወሰነ ገሊጹ ክብል ኦሮሞ ሜድያ ኔትዎርክ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ'ሎ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ'ቲ ተፈጢሩ ዘሎ ውሽጣዊ ምምቕቓልን ምስሕሓባትን ንምዝርራብ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ክራኸቡ እዮም።
እታ ቤተክርስትያን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ምስ መንግስቲ ክትዘራረብ ብዘቕረበቶ ጠለብ መሰረት፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንልዝብ ተሰማሚዑ ከምዘሎ ሓቢራ።
ቆኖና (ሕጊ) ናይታ ቤተክረስትያን ብዘይጥሕስ ኣገባብ ምስ መንግስቲ ንምዝርራብ "መንፈሳዊ ኣፍደገኣ ክፉት ምዃኑ" እቲ ብሲኖዶስ ዝወጸ መግለጺ የነጽር።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ምስታ ቤተክርስትያንን መራሕታን ክላዘብ ጻውዒት ከምዘቕረበ እቲ መግለጺ ጠቒሱ'ሎ።
እንተኾነ ግን ብወገን ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዛዕባቲ ርክብ ዛጊት ዝተባህለ ነገር የለን።
እቲ ርክብ፡ ኣብ ቤትጽሕፈት ፓትሪያርክ ክኸውን'ኳ ተሓሲቡ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ክስዕብ ዝኽእል ጸጥታዊ ጸገማት ኣብ ቤተመንግስቲ ክኸውን ከምዝተወሰነ ሲኖዶስ ኣፍሊጡ'ሎ።
ክሳብ ውጺኢት ናይቲ ዘተ ንህዝቢ ብወግዒ ዝንገር፡ ሰዓብቲ ብትዕግስቲ ክጽበዩ እታ ቤተክርስትያን ተማሕጺና።

ምንጪ ስእሊ, SOCILA MEDIA
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ቤተክርስትያን ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ግምት ብምእታው ምርግጋእ ሃገርን ድሕነት ዜጋታትን ንምሕላው ተሪር ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምትታት ከምዝወስድ ኣጠንቂቑ'ሎ።
ትማሊ ሓሙስ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዩ ነቲ መጠንቀቕታ ሂቡ።
ንፖለቲካዊ ዕላማ ክጥቀሙሉ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ይቃልዑ ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ቤት ጽሕፈት "እከይ ዕላማ ዘለዎ ጉጅለ ተወዲቡ ስራሕ ጀሚሩ'ሎ" ክብል ከሲሱ።
"መንግስቲ ንምንዋፅ ድልየት ዘለዎ " ዝበሎ "ኣዳለዊ ናይ መስዋእቲ ሰልፊ" ዝተባህለ ኣወሃድቲ፣ ፖለቲከኛታትን መንእሰያትን ዝሓቖፈ ኣወዳድባ "ብኣፅዋር ተሓጊዙ መናእሰይ እናመልመለ ምውፋር ጀሚሩ'ሎ" ይብል መግለጺ መንግስቲ።
እቲ ቅልውላው ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብታ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝተነጸሉ ሰለስተ ጳጳሳት ንኻልኦት 26 ጳጳሳት ድሕሪ ምሻሞም ዝጀመረ'ዩ።
ሲዶኖስ ብድሕሪኡ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ድማ ነቲ 'ዘይሕጋዊ' ዝበሎ ሽመት ብምንጻግ፡ ነቶም ዝሸሙን ዝተሸሙን ከምዘወገዞም ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







