መንግስቲ ድሕንነት እታ ሃገር ንምርግጋፅ "ተሪር ስጉምቲ ክወስድ እየ" ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, GOVERNMENT COMMUNICATION SERVICE
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ቅልውላው ንዝተተሓሓዘ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ምርግጋእ ሃገርን ድሕነት ዜጋታትን ንምሕላው ተሪር ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምትታት ከምዝወስድ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ትማሊ ሓሙስ ብቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን ኣቢሉ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እዩ ነዚ መጠንቀቕታ ዝሃበ።
ነቲ 'ኣብ መንጎ ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ' ተፈጢሩ ኣሎ ዝበሎ "ምፍላይ" ንእከይ ፖለቲካዊ ዕላማ ክጥቀሙሉ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ይቃልዑ ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ቤት ፅሕፈት "እከይ ዕላማ ዘለዎ ጉጅለ ተወዲቡ ስራሕ ጀሚሩ'ሎ" ኢሉ።
"መንግስቲ ንምንዋፅ ድልየት ዘለዎ " ዝበሎ "ኣዳለዊ ናይ መስዋእቲ ሰልፊ" ዝተባህለ ኣወሃድቲ፣ ፖለቲከኛታትን መንእሰያትን ዝሓቖፈ ኣወዳድባ "ብኣፅዋር ተሓጊዙ መናእሰይ እናመልመለ ምውፋር ጀሚሩ'ሎ" ይብል መግለጺ መንግስቲ።
እዚ ውዳበ ምስ ዕጡቓት ሓይልታት ዝምድና ብምምስራት ጉጅለ ሚድያ እውን ይውድብ ከምዘሎ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።
መንግስቲ ፌደራል ነዚ መግለፂ ዘውፀአ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ነቲ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ፀጥታን ድሕንነትን መንግስቲ ዘውፀኦ እገዳ ሰልፊ ኣይቕበሎን ድሕሪ ምባላ እዩ።
እቲ ሓይሊ ዕማም "ኣብ ተመሳሳሊ መዓልትን ቦታን ዘይሕጋዊ ሰልፊ ብምጽዋዕ ህይወት ዜጋታት ዘጥፍእ ሓደጋ ንምፍጣር ጎስጓሳት ይካየዱን ካልኦት ጎንፂ ዘጓሃህሩ ተግባራት ይፍጸሙን ምህላዎም ከረጋግፅ" ስለዝኸኣለ እዩ እገዳ ሰልፊ ዘንበረ ተባሂሉ’ሎ።
ሲኖዶስ እታ ቤተክርስትያን ግና፡ መንግስቲ "ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዘይኮነስ ነታ ቤተ ክርስቲያን ንምጥፋእ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ምዃኑ ብጽኑዕ ክንኣምን ገይሩና” ክብል ከሲሱ።
መንግስቲ ፌደራል ብሓሙስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ተተኳስን ድምፂ ኣልቦን ኣጽዋር ዝሓዙ ናዕበኛታት ኣብ ምውፋር እንከለዉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይገልፅ።
ነቲ ፀገም ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ከም መፈጸሚ ፖለቲካዊ ናብ ምጥቃም ተኣትዩ ኣሎ ዝበለ ግልጋሎት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብዚ ተግባር ንዝተዋፈሩ ኣብ ቀይዲ ብምእታው ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ መስርሕ ተጀሚሩ ከምዘሎን ተጠናኺሩ ከምዝቕጽልን ኣመልኪቱ።
ብኻልእ ወገን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እታ ቤተክርስትያን ምስ ዘጋጠማ ፀገም ብዝተኣሳሰር ብስኑዕ ሓበሬታ ጎንፂን ዓመፅን ንምልዕዓል ፈተነ ይግበር ከምዘሎ ሓቢሩ’ሎ።
ምምሕዳር እታ ከተማ ትማሊ ኣብ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራንዮ ኣየር ጤና ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ኪዳነ ምህረት "ሓደሽቲ ዝተሾሙ ጳጳሳት ንቤተክርስትያንና ክወስዱ ይመፅኡ ኣለዉ ዝብል ምድንጋር ብምፍጣር ሰባት ናብ ጎንፂን ህውከትን ንምእታው ፈተነ ተገይሩ ነይሩ” ኢሉ።
ሰላም እታ ከተማ ብጉልባብ ሃይማኖት ናብ ዓመጽ ንምቕያር ንዝግበር ጻዕሪ ፈጺሙ ከምዘይጻወሮ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣጠንቂቑ’ሎ።
እቲ ክትዕ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝተነፀሉ ሰለስተ ጳጳሳት ንኻልኦት 26 ጳጳሳት ድሕሪ ምሻሞም እዩ ጀሚሩ።
ብፍላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ንኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ዝሃቦ መብርሂ ካብ ቤተክርስትያን ሓያል ተቓውሞ ድሕሪ ምቕራቡ እቲ ኩነታት ኣብ ዘሻቕል ደረጃ በጺሑ ይርከብ።
ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣቦታት ቤተክርስትያንን ምእመናንን ዝወሰድዎ ስጉምቲ ሞት፣ መጉዳእትን ማእሰርትን ከምዘስዓበ እትገልፅ ቤተክርስትያን እዚ ድማ ኢድ መንግስቲ ከምዝተሓወሶ ብምሕባር ትኸስስ።
ይኹን እምበር መንግስቲ እቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ከምዝደሊ ብምግላጽ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ክነጽጎ ጸኒሑ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







