ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ እንታይ እዩ ዘጋጥም ዘሎ?

ጳጳስ

ምንጪ ስእሊ, EOTC

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ንኹሉ እትሓቁፍ ከም ዘይኮነትን ምእመናን እውን ብቋንቋኦም ስነ-ስርዓት እምነት ክፍጽሙ እትፈቅድን ኣይኮነትን ዝብል ተቓውሞ ክስማዕ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ነዚ ስዒቡ ሰንበት 14 ጥሪ 2015 ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ደቡብ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ሶዶ ዳጩ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ሓሮ በኣለ ወልድ 26 ጳጳሳት ተሸይሞም ነይሮም።

ይኹን እምበር ኣብቲ እዋን ዝተኻየደ ህጹጽ ኣኼባ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ እቲ ሲመተ ጳጳሳት ብዘይ ፍቓዳ ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ ኮኒኑ።

"እቲ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ተግባር ብመንጽር ሕጊ ሰብእን ብሚዛን ሕገ እግዚኣብሄርን ዝተወገዘ፡ ካብ መሰረት እምነት ዝተፈለየ፡ ብቀኖና ኣቦታት፡ ብሕጊ ቤተክርስቲያንን ጠቕላላ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያንን ቕቡልነት ዘይብሉ'ዩ" ክብል ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

በዚ መሰረት እቶም እቲ ሹመት ዝሃቡ ኣባ ሳዊሮስ፡ ኣቡነ ኤዮስጣቴዎስን ኣባ ዜና ማርቆስን "ንቀኖና ቤተ ክርስቲያን ብምጥሓስ ብዘይ እተወሃቦም ስልጣን 26 ኤጲስ ቆጶሳት ብምሻምን ሲኖዶስ ኣጣይሽና ኢና ብምባሎምን" ሙሉእ ናይ ክህነት ስልጣኖም ተሰሪዙ፡ ተወጊዞም ካብታ ቤተ ክርስትያን ከም ዝተኣለዩ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ "ልዕልና ቅዱስ ሲኖዶስን ቤተክርስቲያንን ብምድፋርን ቀኖና ቤተ ክርስቲያንን ብምጥሓስን ብዝተደፋፍኡ" ውልቀሰባት ኤጲስ ቆጶሳት ኰይኖም ዝተሸሙ 25 መነኮሳት'ውን "ብዘይሕጋዊ መገድን ቀኖና ቤተ ክርስቲያንን ብምጥሓስ ዝተረኽበ ስለ ዝዀነ" ስልጣነ ክህነቶም ተሰሪዙ ካብታ ቤተ ክርስቲያን ክእለዩ ከም ዝተወሰነ ገሊጹ።

እቶም ዝተወገዙ ኣቦታት ብወገኖም ነቲ ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝሓለፈ ውሳነ ብምቅዋም፡ ንሳቶም እውን ካልእ ውግዘት ብምውጻእን ስርሖም ብመሰረት ዝሓዝዎ መደብ ከም ዝቕጽሉ ኣፍሊጦም እዮም።

ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተኾነኑ መራሕቲ ሃይማኖት

ምንጪ ስእሊ, Social Media

መግለጺ ስእሊ, ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተኾነኑ መራሕቲ ሃይማኖት ንውሳነ ሲኖዶስ ነፂጎም

እዞም ፍጻመታት ስዒቡ እቲ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝተራእየ ምክፍፋል ንሰዓብታ ጥራይ ዘይኮነ ንብዙሓት ካልኦት ወገናት'ውን ቀንዲ መዘራረቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ይርከብ።

ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም እታ ቤተክርስትያን፡ ኣብ ልዕሊ ኣቦታት እምነትን ሰዓብቲ እምነትን መጥቃዕቲ ይፍጸም ከም ዘሎ ምግላጻ ይዝከር።

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ናብ ቤት ፍርዲ ዘቕረበቶ ጥርዓን እንታይ እዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ እቶም ክውገዙን ክእለዩን ዝተወሰነሎም መራሕቲ ሃይማኖት ናብ ኣብያተ ክርስትያናታን ገዳማታን ከይኣትዉ ንኽእገዱ ጥርዓን ኣቕሪባ ኣላ።

እቲ ጥርዓን፡ እቶም ኣቦታት ንብረት እታ ቤተ ክርስትያን ከይጥቀሙ እውን ዝጠልብ ከም ዝኾነ ጠበቓታታ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ሓደ ካብቶም ጠበቓታት እታ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ኣንዷለም በዕውቀቱ፡ እቲ እገዳ ነቶም ሹመት ዝሃቡን ዝተቐበሉን መራሕቲ ሃይማኖትን ከምኡ’ውን ጠበቓኦምን ኣፈኛኦምን ኣቶ ሃይለሚካኤል ታደሰን ዘጠቓልል ከም ዝኾነ ገሊጹ።

እቲ ጠበቓ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ጥርዓን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 26 ጥሪ 2015 እዩ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፡ ቤት-ፍርዲ ብዛዕባ እቶም ጥርዓናት መብርሂ ንምሕታት ንትማሊ ሰኑይ መደብ ሒዙ ነይሩ።

እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ትማሊ ኣብ ዘካየዶ መጋባእያ፡ ነታ ቤተክርስትያን ዝውክሉ ዓሰርተ ጠበቓታት ተረኺቦም፡ እቲ እገዳ ንመን ክወሃብን ብኸመይ ክፍጸምን ከም ዘለዎ መብርሂ ከም ዝሃቡ ጠበቓ ኣንዷለም ሓቢሩ።

በዚ መሰረት ቤት ፍርዲ ነቲ ብድምጺ ዝቐረበ ጥርዓን ብዝሑፍ ተቐይሩ ክቐርበሉ ህጹጽ ትእዛዝ ድሕሪ ምሃቡ ውሳነ ክህብ ንሮቡዕ 01 ለካቲት 2015 ዓ.ም. መደብ ሒዙ ኣሎ።

"እቲ ናይ እገዳ ጥርዓን ዘቕረብናሉ ምኽንያት ካብቲ ዝፍጠር ዘሎ ቅልውላው ከድሕነና እዩ ኢልና ስለዝሓሰብና’ዩ" ዝበለ ኣንዷለም፡ ኣብ ቀጻሊ ግን ኣብቶም ኣብ ምዕራፍ ሰለስተ ቅዋም መንግስቲ ዝተቐመጡ መሰላት ጥሒሶም ዝተበሃሉ ውልቀሰባት፡ ሓደስቲ ዝተሸሙ ጳጳሳት ኣብ ክልል ኦሮምያን ትካላት ፌደራልን ክሲ ከም ዝቐርብ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ፡ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮምያን ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራልን "ብመሰረት ኣብ ቀፃሊ ዝተእከበ መርትዖታት ክኽሰሱ ይኽእሉ እዮም" ኢሉ።

መጋባእያ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ፡ ናይ ሃይማኖት ነጻነት፡ ንብረት፡ ህይወት፡ ኣካላዊ ድሕንነት፡ ምንቅስቓስ፡ መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ኢዱ ዘይምእታዉን ካልኦት ተዛመድቲ መሰላትን ምስ ዝግሃሱ መስርሕ ፍርዲ ናይ ምክያድ ስልጣን ኣለዎ።

ጠበቓ ኣንዷለም፡ "እቶም ዝተወገዙን ዝተገለሉን ኣቡነ ጤዎስታቴዎስ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺታት ኣብ ሃገረ ስብከት፡ ካህናትን ጳጳሳትን ስጉምቲ ክወስዱ ዘለዓዕል መደረ ኣስሚዖም’ዮም" ይብል።

እቲ ጠበቓ፡ ገለ ካብቶም ዝተጠሓሱ ዝበሎም መሰላት፡ ስም ሲኖዶስ ምጽላም፡ ብፍላይ ብመንግስቲ ዝምወል ሚድያታት ፍትሓዊ ሽፋን ሚድያ ዘይምርካብ፡ ማዕረ ሓለዋ ዘይምግባር፡ 21 ጥሪ ኣብ ሃገረ ስብከት ጅማ ኣብ ዝካየድ ጽንብል ቅድስቲ ማርያም ቤተ ክርስቲያን ንምስታፍ ብዕለት 20 ጥሪ ናብ ጅማ ክኸዱ ዝተበገሱ አቡነ እስጢፋኖስ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ክምለሱ ምግዳዶም ይርከብዎም።

እቲ ጠበቓ ከምዝበሎ፡ ኣቡነ እስጢፋኖስ ብዕለት 20 ጥሪ ኣብ ጽንብል ቅድስቲ ማርያም ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ጅማ 21 ጥሪ ንምስታፍ ናብ ጅማ ዝኸዱ፡ ተጣሒሶም ኢሎም ዝዘርዘሩዎ መሰላት ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ክምለሱ ተገይሩ።

ነቲ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ዘጋጠመ ጸገም ብዝምልከት ቅዱስ ሲኖዶስ ካብ 29 ጥሪ 2015 ጀሚሩ ኣብ ናይ ሰለስተ መዓልታት መደብ ጸሎት ነነዌ ክካየድን ምእመናን ጸሊም ናይ ሓዘን ክዳን ተኸዲኖም ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ጸሎት ክሳተፉን ትእዛዝ ሂቡ’ዩ።

ኣብ ቤተክርስትያን ሻሸመኔኸ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?

ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ብቐዳም 27 ጥሪ 2015 [ግእዝ] ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቦታት እምነትን ሰዓብቲ እምነትን መጥቃዕቲ ይወርድ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

እቲ ሲኖዶስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ብመንግስቲ ዝድገፉ" ዝብሎም ውልቀሰባት፡ ኣብ ሃገረ ስብከት ምዕራብ ኣርሲ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ደብረ ስብሓት ቅዱስ ሚካኤል መጥቃዕቲ ፈቲኖም ከም ዝነበሩ የመልክት።

ኣብ ልዕሊ እቶም ነዚ ንምክልኻልን ንቤተ ክርስቲያን ንምሕላውን ዝወጹ ኣመንቲ "ፖሊስ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ኣደባባይ ጭካነ ብዝተመልኦ መገዲ ቅትለት ተፈጺሙ" ክብል ቁጽሮም ዘይተጠቐሱ ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ኣመልኪቱ።

እቲ ቤተክርስትያን ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት’ኳ እንተዘይጠቐሰት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝወጹ ሓበሬታታት ግን ካብ ሰለስተ ጀሚሩ ዝተፈላለየ ኣሃዛት ምዃኑ ይገልጹ።

ዝሓለፈ ቀዳም ማዕከን ዜና ፈረንሳ ኣጃንስ ፍራንስ-ፕረስ (ኤ-ኤፍ-ፒ) ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ዝሓበረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ተቐቲሎም ናይ ዝተበሃሉ ሰባት ስእሊ ግን ካብዚ ዝዛይድ እዩ።

ቢቢሲ ነዚ ኣሃዝ ካብ ቤተክርስትያን ንምርግጋጽ ዝገበሮ ጻዕሪ ግን ኣይሰመረን።

ሓለፍቲ ጸጥታ እታ ከተማ ግን ኣብቲ ብቀዳም ዘጋጠመ ፍጻመ ኢድ ከም ዘይብሎም ገሊጾም።

ከተማ ሻሸመኔ

ምንጪ ስእሊ, FRANOL MOSES

መግለጺ ስእሊ, ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ደብረ ስብሓት ቅዱስ ሚካኤል መጥቃዕቲ ከም ዝተፈነ ይገልጽ

ኣብ ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት መንበሪ ፓትርያርክ ሓላፊ ክፍሊ ፕሮጀክትታት ዝኾኑ መላከህይወት ቆሞስ ኣባ ወልደየሱስ ሰይፉ ግን ነቲ ሓለፍቲ ጸጥታ ዝሃብዎ ምላሽ ነቒፎም።

“ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም እዮም። ዛጊድ ሓሙሽተ ሬሳታት ተረኺቡ ኣሎ። እቲ ቅትለት ብፍሉይ ሓይልን ፖሊስ ከተማ ሻሸመኔን ዝተፈፀመ እዩ" ክብሉ ተዛሪቦም።

"ብዘይካ እቶም ዝሞቱ፡ ብዝሒ ዝተጎድኡ ኣይተፈልጠን። እግሮም ዝተሰበሩ፡ ኢዶምን ርእሶምን ዝተሃረሙ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ።”

ወሲኾም፡ ፖሊስ ብጭካነ ንሰባት ክሃርሙ ከም ዝተራእዩን ነዚ ዝሕብር ናይ ቪድዮ መርትዖ ከም ዘሎን ሓቢሮም።

“ባዕሎም እዮም ቀቲሎም። ብድሕሪ እታ ቤተክርስትያን ኣብ ዝርከብ ህንጻ ኮንዶሚንየም መስኮት ከፊቶም ጠበንጃ ከም ዝተኮሱ ሓበሬታ ኣለና" ክብሉ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብታ መዓልቲ ሓዉ ዝተጎድአ ስሙ ዘይተጠቕሰ ነባሪ እታ ከተማ እውን ንፖሊስ ወቒሱ።

"እዚ ዘጋጠመ ንግሆ ናብ ቤተክርስትያን ሚኪኤል ምስ ከደ እዩ። ከቢቦምና ካብ ቤተክርስቲያን ክንወጽእ ኣይከኣልናን። ሰዓት ትሽዓተ ኣቢሉ ድማ ፍሉይ ሓይሊ ምልሻን ኦሮምያን ካብ ደገ ቤተክርስትያን ተኹሲ ከፊቶምልና። ሽዑ እዩ ሓወይ ኣብ እግሩ ብጥይት ተሃሪሙ ወዲቑ" ይብል።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ሓዉ ብተወሳኺ እግሩ ብበትሪ ከም ዝተሃርመን ከቢድ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሖን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሓላፊ ሆስፒታል መልካ ኦዳ ዝኾኑ ኣይተ ሱልጣን ሑሴን ኣስታት 10 ሰባት ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ከም ዝመጹን ዝተረፉ ድማ ናብ ካልእ ሆስፒታል ተወሲዶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉን ገሊጹ።

ምክትል ሓላፊ ቤት ምኽሪ ምምሕዳርን ፀጥታን ከተማ ሻሸመኔ ኣምቦ ጁላ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ልዕሊ እቶም ምእመናን ተኹሲ ከም ዘይከፈቱ ገሊጹ።

“ኣብ ልዕሊኦም ዝኾነ ሰብ ተኹሲ ኣይከፈተን። ክልተ፡ ሰለስተ ሰባት እንተሞይቶም ብሰንኪ ንሳቶም ዝኸፈትዎ ተኹሲ እዩ። ካብዚ ወፃኢ ሓይልታት ፀጥታ ዝፈጠሮ ፀገም የለን። ካብቶም ሓይልታት ጸጥታ ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ብዙሓት ኣለዉ" ክብል መንነት እቶም ተኹሲ ዝኸፈቱ ከም ዘጻርዩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።