ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ትጥቃዕ ከምዘላ ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, EOTC
ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ብቐዳም 27 ጥሪ 2015 [ግእዝ] ብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቦታት እምነትን ሰዓብቲ እምነትን መጥቃዕቲ ይወርድ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።
ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ብዝወሰድዎ ስጕምትታት ድማ ኣብ ልዕሊ ኣባላት እታ ቤተ ክርስትያን መጕዳእቲ ህይወትን ኣካላትን ከምዘስዓበ ተገሊጹ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ መግለጺኡ፡ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ መራሕቲ እምነትን ምእመናንን ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ስቅያትን ወጊዙ።
ሲኖዶስ ኣብ መግለጺኡ፡ ሕቶ ቤተ ክርስቲያን መልሲ እንተዘይረኺቡ፡ ምእመናን ዝመጽእ ሰሙን ሰንበት 5 ለካቲት 2015 ኣብቲ በዓለ ጥምቀት ወይ መስቀል ዝበዓለሉ ኣደባባይ ወጺኦም ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ጸዊዑ።
እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ሃገረ ስብከት ምዕራብ ኣርሲ፡ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ኣብ ዝርከብ ናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ስብሓት ቅዱስ ሚካኤል፡ “ንመንግስቲ ተደጊፎም እዮም” ብዝበሎም ውልቀሰባት ውራር ከምዝተፈተነ የመልክት።
ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብጹእ ኣባ ጴጥሮስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሲኖዶስ ኦሮምያን ብሄረሰባትን ዝብል ዘይሕጋዊ ውዳበ፡ ብ'ደገፍ' መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ቤተክርስትያን ይፍጽም ከም ዘሎ ገሊጾም።
ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሃይማኖት ‘ማእሰርትን ምክልባትን’ ከምኡ’ውን ካብ ሃገር-ስብከት ተደፊኦም ክወጽኡ ይግደዱ ከምዘለዉን፤ ሊቀ ጳጳሳት ድማ ናብ ኣህጕረ-ስብከት ከይከዱ መፈራርሒታት እናተላእከ ዘሕንኽ ተግባራት ይፍጸም ከም ዘሎ ሓቢሮም።
በዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ንቤተ ክርስትያን ንምሕላው ዝወጹ ኣመንቲ፡ "ፖሊስ ብዝወሰዶ ስጕምቲ፡ ብጭካነ ኣብ ኣደባባይ ቅትለት ተፈጺሙ" ብምባል፡ ቍጽሮም ዘይተፈልጠ ምእመናን ከቢድን ፈኲስን ኣካላዊ ማህሰይቲ ከምዝወረዶም እቲ መግለጺ የመልክት።
ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስ በቲ ፍጻመ ብዝሒ ዝሞቱን ዝቘሰሉን’ኳ እንተዘይጠቐሱ፡ ማዕከን ዜና ፈረንሳ (ኤኤፍፒ) ግን፡ ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱ ሓቢሩ።
ኤኤፍፒ፡ ንሚድያ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ጠቒሱ ከም ዝሓበሮ፡ ፍሉይ ፖሊስ ሓይሊ ኦሮሚያ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ቆሲሎም ኣለዉ።
ኣብ ሰበኻ ቅዱስ ሚካኤል ሻሸመኔ ዘጋጠመ ጕድኣት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ፡ ቢቢሲ ብናጻ ወገን ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ ብዘይ ኣፍልጦ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ሽመት ድሕሪ ምውሃቡ፡ ኣብታ ቤተክርስትያን ዘይምርድዳእ ከምዝተፈጥረ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 14 ጥሪ 2015 [ግእዝ]፡ ክልል ኦሮምያ፡ ደቡባዊ ምዕራብ ሽዋ፡ ከባቢ ወሊሶ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ብሰለስተ ጳጳሳት እታ ቤተ ክርስትያን ብዘይ ኣፍልጦን ፍቓድን ፓትርያርክን ቅዱስ ሲኖዶስን 26 ጳጳሳት ከም ዝተሸሙ ይፍለጥ።
ነዚ ስርዓተ ሽመት ዘካየዱ ኣቦታት፡ ብኣባ ሳዊሮስ ዝምራሑ ኰይኖም፡ ቤተ ክርስትያን ንዅሉ ትሓቍፍ ኣይኰነትን፣ ምእመናን ብቋንቋኦም ስነ ስርዓት እምነት ክፍጽሙ ኣየኽኣለትን ብምባል ነቲ ስጕምቲ ከም ዝወሰድዎ ይገልጹ።
ድሕሪ’ዚ ፍጻመ፡ ብፓትርያርክ ዝምራሕ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብሓሙስ 18 ጥሪ 2015 ኣኼባ ኣካይዱ፡ እቲ ተግባር ቀኖናውን ምምሕዳራውን ጥሕሰት ምዃኑ ዝገልጽ ውሳነ ኣሕሊፉ።
እቲ ብፓትሪያርክ ዝምራሕ ቅዱስ ቅዱስ ሲኖዶስ ነቶም ጳጳሳዊ ሽመት ዝሃቡን ዝተቐበሉን ኣቦታት፡ ተወጊዞም ካብ ቤተ ክርስትያን ክእለዩ ከም ዝወሰነ ይፍለጥ።
እቶም ዝተወገዙ ወገናት’ውን ብግደኦም፡ ነቲ ብ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተዋህበ ውሳነ ከምዘይቅበልዎ ኣፍሊጦም።
ቅዱስ ሲኖዶስ፡ መንግስቲ ሕጊ ከኽብር ጸዊዑ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ልዕሊ ኣቦታትን ምእመናንን ግህሰትን ምክልባትን ይፍጸም ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ሕቶኦም እንተዘይተመሊሱ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ መላእ ዓለምን ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ምዃኑ ኣቐዲሞም ገሊጹ ነይሩ።
ፈደራል መንግስቲ ይዅን መንግስቲ ክልላት ብዛዕባ’ዚ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ዘቕርብዎ ዘለዉ ጥርዓን ብወግዒ ዝበልዎ የለን።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ምስ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ሚኒስተራቱ ኣብዚ ጉዳይ ኢዶም መጠንቀቕታ ምሕላፉ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







