ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ኣብ ጕዳይ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ንሚኒስተራቱ ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, EBC
ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሚኒስተራቱ ኣብ ህሉው ኵነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኢዶም ከየእትዉ መጠንቀቕታ ሂቡ።
ኣብይ ንኣባላት ካቢነ ነዚ መጠንቀቕታ ዝሃቦም ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ምስ ሚኒስትራት ኣብ ዘካየዶ ዘተ እዩ።
"ኣብዚ ዘለኹም ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ኣብዚ ጉዳይ (ህሉው ኵነታት ቤ/ክ ኦርቶዶክስ) ኢድኩም ክተእትዉ ኣይፍቀደልኩምን። . . . ዋላ ሓደ ሰብ ናብዚ ጉዳይ ኢዱ ከይሓውስ” ክብል መጠንቀቕታ ከሕልፍ ኣብቲ ትማሊ ብማዕከናት ዜና መንግስቲ ዝተፈነወ መደረኡ ተሰሚዑ’ሎ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብዘይ ፍቓድ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ጳጳሳት ድሕሪ ምሻሞም ዘይምርድዳእ ከምዝተፈጥረ ይፍለጥ።
ነዚ ሽመት ዘካየዱ መራሕቲ ሃይማኖት ንውሳነኦም ኣብ ዘቕረብዎ ምኽንያት፡ ‘እታ ቤተ ክርስቲያን ንዅሉ ኣይሓቘፈትን ከምኡ’ውን ምእመናን ብቋንቋኦም ስርዓተ እምነት ክፍጽሙ ኣይገበረትን’ ይብሉ።
ብፓትርያርክ ዝምራሕ ቅዱስ ሲኖዶስ ብወገኑ፡ ብዘይ ኣፍልጦይ ተዋሂቡ ዝበሎ ብ18 ጥሪ 2015 [ግእዝ] ዝተኻየደ ሽመት ጵጵስና ዝሃቡን ዝተቐበሉን ኣቦታት ተወጊዞም ካብ ቤተ ክርስትያን ክፍለዩ ከምዝወሰነ ይዝከር።
እቶም ዝተወገዙ ኣቦታት ብወገኖም ነቲ ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝሓለፈ ውሳነ ብምቅዋም፡ ንሳቶም እውን ካልእ ውግዘት ብምውጻእን ስርሖም ብመሰረት ዝሓዝዎ መደብ ከም ዝቕጽሉ ኣፍሊጦም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ጕዳይ ብዘተ ንምፍታሕ ወከልቲ መንግስቲ ምስ መራሕቲ እቲ እምነት ክዘራረቡ'ኳ እንተፈተኑ፡ እቲ ዝድለ ውፅኢት ግን ከምዘይተረኸበ ገሊጹ’ሎ።
“ማዕዳና ኣይተሰምዐን፤ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን" ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ መፍትሒ ተቐራሪብካ ምዝርራብ ምዃኑ ሓቢሩ።
“ብፍሉይ እንቃወሞ ወይ ብዝተፈለየ መገዲ እንድግፎ ወገን የለን፤ ክልቲኦም ኦርቶዶክሳውያን እዮም። ካብ ክልቲኦም ወገናት ሕቶታትን ሓቅታትን ኣለዉ። . . ንመሰል ህዝቢን ብ ቛንቋኡ ክጥቀም ዘለዎ ድሌትን ከይዓፈንካ ነቲ ፀገም ምፍታሕ ይከኣል እዩ። ከምኡ እንተገይሮም ንዓኣቶምን ንዓና ከም ሃገርን ጽቡቕ ክኸውን እዩ" ኢሉ።
“ከም ትካል ምስ መንግስቲ ተሓጋጊዝና ሓድነትና ክንዕቅብ ኢና ዝብሉ እንተዀይኖም መንግስቲ ድሉው እዩ” ክብል እውን ተዛሪቡ።
ኣስዒቡ፡ "ኣብ ኦሮሚያ ብቋንቋ ኦሮምኛ ኣገልግሎት ኣይወሃበኩምን ክብል ኣይክእልን እየ። ብቋንቋኦም ናይ ምጥቃም መሰል ዝሃብክዎም ኣነ ኣይኮንኩን” ብምባል ነቲ ኵነታት ምስቲ ናይ ትግራይ ከነጻጽሮ ፈተኑ።
“እቲ ሕቶ ኣብ ክልል ትግራይ ዘለዉ ኣመንቲ ብቋንቋኦም ይግልገሉ ኣለዉ፤ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኣቦታት ብቋንቋኦም ኣስተምህሮ ይህቡ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ትግራይ ካብ ቤ/ክ ኦርቶዶክስ ተፈልየ ኣለኹ ክትብል እንከላ፡ ዋላ ሓደ ሰብ'ውን ‘ግደፉ. . .ከምኡ ኣይግበርን’ ዝበለ ኣይነበረን” ድሕሪ ምባል ንህሉው ኵነታት ኦሮምያ ፖለቲካዊ መልክዕ ንምሃብ "ስለምንታይ ሕጂ" ከምኡ ምባል ኣድላዪ ኰይኑ ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዘረባኡ፡ "ኣብ ክልል ኣምሓራ ህዝቢ ብቋንቋኡ ብኣምሓርኛ እዩ ዝግልገል። ኣብ ደቡብን ኦሮምያን ግን ከምኡ ኣይኮነን ዝብል ሕቶ ይለዓል እዩ። መንግስቲ ነዚ ዓፊኑ ክሓልፎ ኣይክእልን'ዩ" ብምባል ኮፍ ኢልካ ብምዝታይ ሕቶ ኣመንቲ ምምላስ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ህልው ኵነታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ነዚ መልእኽቲ ዘሕለፈ እቶም ፓትርያርክ ብጹእ ኣቡነ ማትያስ፡ መንግስቲ ሕጊ ከኽበር ድሕሪ ምጽውዖም እዩ።
ኣቡነ ማትያስ ፡ብሰንበት 21 ጥሪ 2015 ብመራኸቢ ብዙሃን ቤተክርስትያን ኣቢሎም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፡ ሕጊ ክኽበርን ድሕነት ክሕሎን ናብ መንግስትን ህዝብን ጻውዒት ኣቕሪቦም ነይሮም።
"ጸጥታ ከይዝረግን ደምን ንጹሃት ክርስትያን ከይፈስስን ብኣጋ ጥቡቕ ጥንቁቕን ክግበር ብስም እግዚኣብሔር ብፅኑዕ ንሓትት” ኢሎም።
እዚ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝተራእየ ምክፍፋል ብዘይካ ሰዓብቲ እምነት ንኻልኦት ወገናት እውን ቀንዲ መዘራረቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ይርከብ።
ኣብ ክሊ'ዚ ጕዳይ እቲ ውሳነን ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ተቓውሞን ደገፍን ይስማዕ።
ርእይቶኦም ካብ ዝሃቡ ኣካላት፡ ሰልፊ ፖለቲካ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ኰይኑ፡ ምስቲ ኣብ ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሽግር ብዝተሓሓዝ “መንግስቲ ምንጪ ሓደጋታት ብምግምጋም ቅልጡፍ ስጕምቲ ክወስድ” ጸዊዑ።
ብዝዀነ ይዅን ኣካል ዝግበር ምትእትታው፡ "ብዙሕ ሳዕቤን" ከም ዝህልዎ ብምሕባር፡ ጥንቃቐ ክግበር ኣተሓሳሲቡ።
ኢዜማ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዝረአ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ከቢድ ሳዕቤን ከምዝህልዎም ተገንዚቡ ብቕልጡፍ ሕግን ስርዓትን ከኽበር ናብ መንግስቲ ዝቐንዐ ጻውዒት ኣቕሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







