ኣብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘጋጠመ እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, MAHIBERE KIDUSAN/FB

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብዘይ ፍቓደይ ተዋሂቡ ንዝበለቶ ሹመት ጳጳሳት ስዒቡ ብ18 ጥሪ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ውሳነ ከምዘሕለፈት ይዝከር።

ብፓትሪያርክ ዝምራሕ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ድማ፡ ጳጳስነት ዝሃቡን ዝተቐበሉን ኣቦታት ካብ ቤተ ክርስቲያን ተወጊዞም ክውገዱ ወሲኑ።

በዚ መሰረት ንኣባ ሳዊሮስን፣ ኣባ ኣዎስጣጤዎስን ኣባ ዜናማርቆስን ካብ ድቁና ጀሚሩ ዘሎ ስልጣነ ክህነቶም ብምልዓል ከውግዝ እንከሎ፡ ነቲ ዘይሕጋዊ ሹመት ዝተቐበሉ 25 መነኮሳት ድማ ካብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነታዊ ጉባኤ ተፈልዮም ክውገዙ ፈሪዱ።

ነዚ ውሳነ ስዒቡ፡ እቶም ኣብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ንዘሎ ቀኖናን ሕግታትን ጥሒሶም ብዝብል ውግዘት ዝበፅሖምን ንኽንፀሉ ዝተፈረዶምን ኣቦታት ነቲ ውሳነ ከምዘይቅበልዎ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ሃንደበታዊ ፍጻመ

ሰንበት 14 ጥሪ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ክልል ኦሮምያ ደቡባዊ ምዕራብ ሾዋ፡ ከባቢ ወሊሶ ወረዳ ሶዶ ዳጩ፡ ቤተክርስትያን ሓሮ በኣለ ወልድ፡ ብዘይ ፍቓድ ፓትርያርክን ቅዱስ ሲኖዶስን 26 ጳጳሳት ከምዝተሸሙ ተሰሚዑ።

ነዚ ሹመት ዘካየዱ ኣቦታት ብኣባ ሳዊሮስ ዝምርሑ ኮይኖም ‘ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ እትሓቁፍ ኣይኮነትን፤ ምእመናን እውን ብቋንቋኦም ስርዓተ ሃይማኖት ክፍፅሙ ኣየፍቀደትን’ ብዝብል ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ እዮም ዝገልጹ።

ነዚ ስዒቡ ብፓትርያርክ ዝምራሕ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብሓሙስ 18 ጥሪ 2015 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ እቲ ተግባር ሃይማኖታዊ፣ ቀኖናውን ምምሕዳራውን ጥሕሰት ምዃኑ ብምግላፅ ውሳነ ኣሕሊፉ።

እቶም ሲመተ ጵጵስና ዝሃቡን ዝተቐበሉን ኣቦታት ክሳብ ይቕሬታ ​​ሓቲቶም ዝምለሱ፡ ሲመተ ክህነቶም ተላዒሉ ካብ ቤተ ክርስቲያን ብውግዘት ክእለዩ ወሲኑ።

እቶም ሰለስተ መራሕቲ ሃይማኖት [ኣባ ሳዊሮስን፣ ኣባ ኣዎስጣጤዎስን ኣባ ዜናማርቆስን] ብወገኖም ነቲ ውግዘትን ካብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምንፃል ውሳነን ብምቅዋም ከምዘይቕበልዎ ካብ ምግላፅ ብተወሳኺ ብመሰረት ዝሓዝዎ ውጥን ክቕፅሉ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ሽመትን ውጽኢቱን

ኣብ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዘለዎም ሕቶ ብምቕራብ ጳጳሳት ዝሸሙ መራሕቲ ሃይማኖት ኣቡነ ሳዊሮስ፣ ኣቡነ ዜና ማርቆስን ኣቡነ ኣዎስጣጤዮስን እዮም።

‘ብቋንቋ ኣደ ክንምህር ኣይከኣልናን’ ፤ ‘እቲ ሲኖዶስ ካብ ሓደ ከባቢ ጥራይ ብዝመፅኡ ሰባት ዝቖመ እዩ’ ዝብሉ ቅርታታት ከም ምኽንያት ናይቲ ስጉምቶም ይጠቕሱ።

እዚ ድማ ብዙሓት ሰዓብቲ እቲ እምነት ካብ ቤተ ክርስቲያን ክርሕቑ ይገብር ከምዘሎ ወሲኾም ገሊጾም።

ነዚ መበገሲ ብምግባር ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ዝጠሓሰ እዩ ብዝተብሃለሉ ስጉምቲ፡ 26 ጳጳሳት ብምሻም ዝበዝሑ ናብ ክልል ኦሮምያ ውሱናት ድማ ናብ ከባቢታት ክልል ደቡብ መዲቦምዎም ኣለዉ።

ሓደ ካብቶም ኣቦታት ግን ካብዚ ውሳነ ተነጺሎም ይቕሬታ ብምሕታት ከምዝተመልሱ ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, SOCILA MEDIA

ነዚ ስዒቡ ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ህጹጽ ኣኼባ ብምክያድ ነቲ ብመሪሕነት ኣባ ሳዊሮስ ዝተወሰደ ስጉምቲ "ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ዝጥሕስ፣ ሃይማኖት ዝብትን፣ ሓድነት ሃገር ዝሽርሽርን ዘፍርስን፣ ምእመናን ካብ ምእመናን፣ ካህናት ካብ ካህናት ንሊቃውንቲ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ዘጋጭው" ብምባል ኮኒኑ’ሎ።

እቶም ዝተወገዙ ኣቦታት እውን ነቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘሕለፎ ውሳኔ ብምቅዋምን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣቦታት ውግዘት ብምሕላፍን ብመሰረት መደቦም ስርሖም ከምዝቕፅሉ ኣፍሊጦም።

እዚ ኩነታት እዚ ካብ ሰዓብቲ እቲ እምነት ወጻኢ ንኻልኦት ሰባት እውን ቀንዲ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ።

ኣብ ዙርያ እቲ ፍጻሜን ዝተወሰኑ ውሳነታትን ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ናይ ተቓውሞን ደገፍን ሓሳባት ይስማዕ ኣሎ።

እቲ ፍጻመ ዝፈጠሮ ስግኣት

ቢቢሲ ካብ ሳልሳይ ወገን ከረጋግጾ እኳ እንተዘይከኣለ ገለ ካብቶም ብኣቡነ ሳዊሮስ ዝተመዘዙ ጳጳሳት ናብ ዝተመደቡሎም ከባብታት ክኸዱ ጀሚሮም ምህላዎም ይንገር።

ገለ መራሕቲ እታ ቤተ ክርስቲያንን ካልኦትን እዚ ኩነታት ናብ ዘይተሓሰበ ኣንፈትን ግጭትን ከየምርሕ ስክፍታ ሓዲርዎም ኣሎ።

ፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ማትያስ ብሰንበት 21 ጥሪ 2015 ብመራኸቢ ብዙሓን እታ ቤተክርስትያን ኣቢሎም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ሕጊ ክኽበርን ድሕንነት ኩሎም ወገናት ክረጋገፅን ናብ መንግስትን ህዝብን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሕግን ስርዓትን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ክኽበር ከምዘለዎ ዘዘኻኸሩ ኣቡነ ማትያስ "ፀጥታ ከይዝረግን ደም ንጹሃት ክርስትያን ከይፈስስን ብኣጋ ጥቡቕ ሓለዋ ንኽግበር ብስም እግዚኣብሔር ኣትሪርና ንሓትት" ኢሎም።

ብወገን እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ሰሙን “ንሓለዋ ዝተዋፈረ ሓይሊ ፖሊስ ክሰሓብ ተገይሩ” ዝብል ክሲ ዝቐረበ ኮይኑ ቢቢሲ ንኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሓቲቱ ክለዓል ዝተገበረ ሓለዋ ፖሊስ ከምዘየለን ብቐዋምነት ንሓለዋ ፖሊስ ከምዘይምደብን ብምግላፅ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉን ዝሕተተሉን እዋን ግን ከምዘዋፍር ኣፍሊጡ’ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብቀዳም ድማ ኣብ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ጅማ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዘገልገሉ ኣቡነ እስጢፋኖስ ካብታ ከተማ ብፖሊስ ክወፅኡ ከምዝተገበሩ ማዕከናት ዜና ኦርቶቶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ሓቢራ ነይራ።

እቲ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ እስጢፋኖስ "ብፖሊስ ተኣሲሮም ድሕሪ ምውዓሎም እዮም" ካብ ከተማ ጅማ ክወጹ ተገዲዶም።

ብተወሳኺ ምስቶም “ዕልዋ ሲኖዶስ” ኣካይዶም ዝተብሃሉ ኣቦታት ሹመት ዝተወሃቦም፡ ድሒሮም ግና ይቕሬታ ብምሕታት ናብ ሲኖዶስ ከምዝተመለሱ ዝተገለጸ መጋቤ ሓዲስ ኣባ ፀጋዝኣብ ኣዱኛ እውን ካብ ቀጽሪ ፓትርያርክ ተታሒዞም ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ከምዝተወሰዱን ፀኒሖም ከምዝተለቐቑን ይዝረብ።

ሹመት እቶም 26 ጳጳሳት ዝምልከት ሓበሬታ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ትዊተር ዝዘርግሐ ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ዲያቆን ዳኒኤል ክብረት እዩ ነይሩ።

"ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብዓሌት ንምብታን ዝተበፅሐ ርሕቀት ሓደገኛን ዘሕዝንን እዩ" ዝበለ ዲያቆን ዳንኤል ክብረት "ኣብ ገጠር ብሕቡእ ጳጳሳት ብምሻም ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ሓጢኣት ተፈጺሙ" ክብል ገሊፁ።

ዲያቆን ዳንኤል ነቲ ተፈጺሙ ዝበሎ ጥሕሰት ቀኖና “ብቐዳምነት ክውሰድ ዘለዎ መፍትሒ ነቶም ሰለስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ጸዊዕካ ምዝርራብ እንተዝኸውን ፅቡቕ እዩ" ክብል እውን ሓቢሩ።

ወሲኹ ድማ ነቲ ዝርዝር ጉዳያት ብምምርማር ኣብ ቀፃሊ ዝውሰዱ መፍትሒታት ካብቲ ዘተ ኣብ ዝርከብ ውፅኢት ዝብገስ ክኸውን ከምዝግባእ ሓሳቡ ኣቕሪቡ።

ከምኡ'ውን ሚኒስተር ጉዳያት ርክባት መንግስቲ ለገስ ቱሉ (ዶክተር) "ምስ ምድራዊ ኮነ መንፈሳዊ ሕጊ፣ ስርዓት፣ ትውፊትን ቀኖናን ዝጋጮ ተግባር ዕውት ክኸውን ኣይክእልን" ብምባል እቶም ኣቦታት ብትዕግስትን ሃይማኖታዊ ስርዓትን ነቲ ፀገም ከምዝፈትሕዎ ዘለዎ ተስፋ ገሊፁ።

ካብዚ ወፃኢ መንግስቲ ሕጊ ክኽበር ክገብር ይሕተት እኳ እንተሃለወ፣ ዝኾነ ይኹን ኣካል መንግስቲ ወይ በዓል ስልጣን ግን ኣብዚ ንብዙሓት ዘተሓሳስብ ጉዳይ ብዝምልከት ዕላዊ መግለፂ ኮነ ርእይቶ ክህብ ኣይተሰምዐን።