ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ‘ኣብ ዝተፈጥረ ሓድሽ ክስተት’ ንምዝታይ ሊቀጳጳሳት ብህጹጽ ጸዊዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፡ “ብዘይ ኣፍልጦ ቅዱስ ሲኖዶስ ሽመት ጳጳሳት ተዋሂቡ’ሎ” ኣብ ዝብል ጉዳይ ንምዝርራብ ህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኣቡነ ማትያስን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሃገረ ስብከት ሊቀ ጳጳስ ብጹእ ኣቡነ ኣብርሃምን ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን እታ ቤተ ክርስቲያን ቀሪቦም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ንዝርከቡ ጳጳሳት፡ መንግስትን ምእመናንን ብዛዕባ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ንምዝርራብ ጸዊዖም።
ኣቡነ ማትያስ፡ ብ ሰንበት 14 ጥሪ 2015 [ግእዝ] ንግሆ ተሰሚዑ ዝበልዎ "ኢሕጋዊ ስይመተ ጳጳሳት" ብዘይ ኣፍልጦ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተፈጸመ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብዛዕባ'ዚ ቤተክርስትያን ክትወስዶ እትኽእል ቀጻሊ ስጕምትታት ተዛሪቦም።
በዚ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝርከቡ ጳጳሳት ብቕልጡፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመጽኡ ብምጽዋዕ፡ ምእመናን ነታ ቤተ ክርስቲያን ብንቕሓት ክሕልውዋ ኣተሓሳሲቦም።
ብተወሳኺ እቶም ፓትርያርክን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሃገረ ስብከትን፡ መንግስቲ "እቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ኣብ ልዕሊ ሃገር ዘስዓቦ ጕድኣት ተገንዚቡ" ሕጋዊ ሓላፍነቱ ክፍጽም ተማሕጺኖም።
ብጹዕ ወ ቅዱስ ኣቡነ ኣብርሃም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሓድነት ‘ታ ቤተክርስቲያን ዘላሕልሕ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ሽመት፡ "ዓቢ ሓዘን" ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።
እቲ ኵነታት "ውሽጣዊ ፈተና" ምዃኑ ካብ ምምልካት ሓሊፉ፡ እቲ "ሽመት ጳጳሳት" መን፡ ብኸመይን ኣበይን ከምዝተፈጸመ ብኽልተኦም ኣቦታት ቤተክርስትያን ዝተዋህበ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።
ቢቢሲ፡ ብዛዕባ ተኸሲቱ ዝተባህለ ፍጻመ ምስታ ቤተክስቲያን ቅርበት ንዘለዎም ምንጭታት’ኳ እንተሓተተ፡ ካብቲ ዝስማዕ ዘሎ ወጻኢ ካልእ ዘተኣማምን ሓበሬታ ከምዘይብሎም ገሊጾም።
እንተዀነ ነቲ ዘሎ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓደ ነቲ ሓበሬታ ዝፈልጥ፡ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ውልቀ-ሰብ፡ እቲ ሽመተ-ጳጳሳት ብርግጽ ብዘይ ኣፍልጦን ፍቓድን ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ።
በዚ መሰረት፡ ንግሆ ሰንበት 14 ጥሪ 2015 [ግእዝ] ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ደቡብ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ሶዶ ዳጩ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ሓሮ በኣለ ወልድ ጳጳሳት ከምዝተሸሙ ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዘለዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ጽንብል ምሻም ጳጳሳት"ን "ሓደስቲ ዝተመዘዙ ጳጳሳትን" ዘርኢ ስእልታት ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ብሰፊሑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ተራእዩ።
እንተዀነ ብዛዕባ ‘ቲ ኵነታት እቲ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓትን ዝምልከት ካብቶም ኣብቲ ጉዳይ ዝተሳተፉ ወገናት ዝተረኽበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
ድሕሪ’ዚ ፍጻመ፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ዝዀነ ዲያቆን ዳንኤል ክብረት፡ "ንቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብዓሌት ንምብታን ዝተኸደ ርሕቀት ሓደገኛን ዘሕዝንን እዩ" ክብል ኣብ ገጽ ማሕበራዊ መራኸቢኡ ጽሒፉ።
ዲያቆን ወሲኹ፡ "ኣብ ገጠር ተሓቢእካ ጳጳሳት ምሻም ታሪኽ ይቕረ ዘይበሃሎ ሓጢኣት እዩ" ኢሉ። እቶም ነቲ ፍጻመ ደው ከብሉዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ግን ደው ዘየበልዎ፡ "ብሰማይን ብምድርን ተሓተትቲ እዮም" ኢሉ።
ከምኡ'ውን ሚኒስተር ጉዳያት መራኸቢታት መንግስቲ ለገስ ቱሉ (ዶ/ር)፡ "እቲ ሎሚ ካብ ሓደ ክፍሊ ቤተክርስትያንና ዝሰማዕናዮ ተግባር ዘሕዝን ዜና እዩ" ብምባል ኣብ ገጽ ማሕበራዊ መራኸቢኡ፡ "ዝዀነ ምስ ምድራዊ ይዅን መንፈሳዊ ሕጊ፡ ስርዓት፡ ትውፊትን ቀኖናን ዝጋጨ ተግባር መወዳእታኡ ክሰምር ኣይክእልን እዩ፡" ብምባል ኣቦታት ነቲ ጸገም ብትዕግስትን ሃይማኖታዊ ስርዓትን ክፈትሕዎ ተስፋኡ ገሊጾም።
ብመሰረት እዚ ብፓትርያርክ ቀሪቡ ዘሎ ህጹጽ ጻውዒት፡ ኣብ ዝስዕብ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝርከቡ ጳጳሳት ‘ታ ቤተ ክርስቲያን ክእከቡን ውሳነ ክሓልፉን ትጽቢት ይግበር።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ቤተ ክህነት ንምቛም ዝጀመረ ምንቅስቓስ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ ጉዳይ ብሰፊሑ ኣዛራቢ ድሕሪ ምዃኑ፡ ኣብ መንጐ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ዝተገብረ ምዝርራብ ከምዝተፈትሐ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







