እስራኤል፡ ዘገርም ምልሰት በንጃሚን ናታንያሁ ናብ ስልጣን

ምንጪ ስእሊ, SHUTTERSTOCK
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነበር በንጃሚን ናታንያሁ፡ ብደገፍ ሕሉፋት የማናውያን ናብ ስልጣን ክምለስ ተቓሪቡ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።
ብመሰረት ክሳብ ሕጂ ዝተገልጸ ውጽኢት ናይቲ ትማሊ ዝተኻየደ ባይቶኣዊ መረጻ፡ እቲ ብናታንያሁ ዝምራሕ የማናዊ ፖለቲካዊ ቀጽሪ፡ ካብ 120 መናብር 65 ክዕወት ትጽቢት ይግበረሉ።
እንተዀነ፡ ዓወቱ ብደገፍ ሕሉፍ-ሃገራዊ ሰልፊ ሃይማኖታዊ ጽዮናዊነት ጥራይ'ዩ ክሰምር ዝኽእል።
መራሕቲ ናይቲ ሕሉፍ-የማናዊ ሰልፊ ዝዀኑ፡ ኢታማር በን-ገቪርን ቤዛለል ስሞትሪክን፡ ኣንጻር ኣዕራብ ብዘውጽእዎም መግለጺታት'ዮም ዝፍለጡ። ነታ ሃገር ምእዙዛት ዘይኰኑ ፖለቲከኛታትን ሲቪላውያንን ካብታ ሃገር ክጥረዙ'ውን ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም።
በን-ገቪርን ሰዓቢ ሓደ ሜር ካሃን ዝተባህለ ሕሉፍ-ሃገራውን ዓሌታውን ምንባሩ ይፍለጥ። ውድብ ናይቲ ዓሌታዊ ምንባሩ ዝፍለጥ ካሃን ኣሸባሪ ጕጅለ ተባሂሉ ብኣሜሪካ ዝተመዝገበ ኰይኑ፡ ኢታማር በን-ገቪርን'ውን ብዓሌትነትን ጽልኢ ብምዝርጋሕን ገበነኛ ኰይኑ ዝነበረ'ዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ምብራቕ እየሩሳሌም ኣንጻር ፍልስጤማውያን ናዕበኛታት ሽጉጥ ምውጽኡ ብዙሕ ኣዘራሪቡ ነይሩ።
ድሕሪ'ቲ መረጻ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ግን፡ "ንመላእ እስራኤል፡ እንተላይ ነቶም ዝጸልኡኒ ክሰርሕ'የ" ክብል ቃል ኣትዩ'ሎ።
ኣስታት 86 ሚእታዊት ናይቲ ድምጺ ብወግዒ ድሕሪ ምንጋሩ፡ ደገፍቲ ናይቲ ሕሉፍ ሃይማኖታዊ ሰልፊ፡ ኣብ ምብራቕ እየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ጸርፍን ኣእማንን ክድርብዩ ተራእዮም።
መራሒ ስልፊ ሊኲድ ዝዀነ በንጃሚን ናታንያሁ፡ ትማሊ ወጋሕታ፡ ኣብ መደበር መረጻ ናይቲ ሰልፊ ብምኻድ ንዝተጓናጸፎ ዓወት ምስ ደገፍቱ ጸንቢሉ።
"ህዝቢ እስራኤል ኣባና ዓቢይ እምነት ከምዘለዎ ዝገልጽ ዓወት ተጓናጺፍና ኣለና" ክብል ንደገፍቱ ተዛሪቡ።
ኣቐዲሙ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ቀጽሪ ዝተፈላለያ ሰልፍታት፡ ብውሕዱ 61 መናብር ከምዝተዓወተ ምስተፈልጠ፡ ደገፍቱ 'ቢቢ' ዝብል ቅጽል ስሙ እናጸውዑ ሓጐሶም ክገልጹ ጀሚሮም።
ብኣንጻሩ ኣብ ስልጣን ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ያኢር ላፒድ፡ ኣብ ደምበ ናይቲ ንሱ ዝመርሖ የሽ ኣቲድ ዝተባህለ ሰልፊ ብምኻድ ክሳብ ሽዑ "ዋላ ሓደ" ዝተወሰነ ነገር ከምዘይነበረ ተዛሪቡ።
ወዲ 73 ዓመት በንጃሚን ናታንያሁ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ዓበይትን ኣዘራረብትን መራሕቲ ኰይኑ፡ ብደገፍቱ ክቱር ተቐባልነት ዘለዎን፡ ብብዙሓት ካልኦት ኣዝዩ ዝጽላእን እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







