ኲናት ዩክረይን፡ ሚሳይላት ሩስያ ብውሕዱ 25 ሰባት ቀቲሉ

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ፡ ኣብ ከተማ ኡማን ምዃኑ ዝግለፅ ብሚሳይል ዝዓነወ ህንፃ

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ፡ ኣብ ከተማ ኡማን ምዃኑ ዝግለጽ ብሚሳይል ዝዓነወ ህንጻ

ርእሰ ከተማ ኪቭ እትርከበን ብዙሓት ከተማታት ዩክረይን፡ ብሩስያ ብዝተተኰሰ ሚሳይላት ተደብዲበን።

ኣብቲ ደብዳባት ህጻናት ዝርከብዎም ብውሕዱ 25 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ሓቢሮም።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝተዘርግሑ ኣሳእል፡ ኣብ ማእከላይ ከተማ ኡማን ብሚሳይል ተወቒዑ ብኸቢድ ዝዓነወ ሓደ በዓል ትሽዓተ ደርቢ ህንጻ የርእዩ።

ኣብ ከተማታት ክሬመንቹክን ፖልታቫን እውን ነትጕታት ከም ዝነበሩ ማዕከን ዜና ኢንተርፋክስ ኣቃሊሑ።

ኣብ ከተማ ኪቭ፡ 11 ሚሳይላትን ክልተ ሰብኣልቦ ነፈርትን (ድሮናት) ብኣሃዱታት ጸረ-ነፈርቲ ከም ዝተወቕዓ ሰብመዚ ገሊጾም።

ሓላፊ ወተሃደራዊ ምሕደራ ኪቭ፡ እዚ ኣብታ ከተማ ብሩስያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳይል፡ ኣብ ውሽጢ 51 መዓልታት ንፈለማ እዋን ዝተፈጸመ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኣብ ሰላማውያን ሰባት ብዛዕባ ዘጋጠመ ጕድኣት ዛጊት ወግዓዊ ዝዀነ ሓበሬታ ግን የለን።

ኣብ ከተማ ኡማን ሓሙሽተ ሰባት ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰዱ፡ ሰብመዚ ኣፍሊጦም ኣለዉ።