‘ውዕል ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ምስ ኣዋጅ ኲናት ዝዳረግ እዩ’-ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ, UN
ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊ ላንድ ዝኣተወቶ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ውዕል ምስ ኣዋጅ ኲናት ዝዳረግ ከምዝዀነ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ሶማሊያ ኣጠንቂቑ።
ብሰኑይ ምሸት ኣብ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ሶማልያ ዝተልዓለ ኰይኑ፡ ኢትዮጵያ ብስም ምቛም ወተሃደራዊ መዓስከር ግዝኣት ሶማልያ ናይ ምጥቕላል ውጥን ኣለዋ ክብል ኣምባሳደር ኣቡበከር ዑስማን ጥርዓን ሃገሩ ኣስሚዑ።
ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተኸተመ ውዕል እንታይ ከምዝዀነ ብዝርዝር’ኳ እንተዘይተነገረ፡ እንተዀነ ሶማሊ-ላንድ ንኢትዮጵያ ንናይ ንግዲ ኣታውን ወጻእን ኣፍደገ ባሕርን ክተፍቅድ ከምኡ’ውን ሓይሊ ባሕሪ እተቝመሉ ስፍራ ክትህብ ከምዝተሰማምዐት ኣፍሊጣ እያ።
ከም ግብረ መልሲ ድማ ኢትዮጵያ ነታ ክሳዕ ሕጂ ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ ዘይረኸበት ሶማሊ-ላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ከምዝተሰማምዐት’ኳ እንተተገለጸ ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክሳዕ ሕጂ ዝሃበቶ መረጋገጺ የለን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ነቲ ኵነታት ንምዝሕሓል ብዝመስል መገዲ ሃገሩ ንሶማልያ ንምጕዳእ ዋላ ሓንቲ ድልየት ከምዘይብላን እቲ ወጢናቶ ዘላ ሓፈሻዊ መደብ ከኣ ነቲ ዞባ ዝጠቅም ከምዝዀነ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ሶማልያ ኣቡበከር ዑስማን ኣብ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ መደብ ኣልሸባብ ህይወት ክዘርእን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓሌት መሰረት ዝገበሩ ተገንጸልቲ ጕጅለታት ከበረታትዕ ከምዝኽእል ተዛሪቡ።
ኣስዒቡ እቲ ኵነታት ነቲ ዞባ ኣዳኺሙ ዓለምለኻዊ ንግዲ ንምትእጉጓል ኢሉ’ውን ጽልዋኡ ኣብ ምሉእ ዓለም ክርአ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ኣብ ሕቶ ምልክት ንዘእተወ ተግባር ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣጀንዳ ገይሩ ክዛተ ዝግባኦ ሕብረት ኣፍሪቃ ግቡኡ ብዘይ ምግባሩ ነቒፉ።
ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ኣድሂቡ ዝዘተየ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ከምዘሻቐሎም ብምግላጽ ክልተኤን ሃገራት ነቲ ጉዳይ ብዘተ መፍትሒ ክረኽባሉ ጸዊዑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሃገሩ ምስ ሶማልያ ናብ ኲናት ክትኣቱ ከምዘይትደሊ ይግለጽ ደኣ እምበር ክሳዕ ሕጂ ክልተኤን ሃገራት ተቐራሪበን ጸገማተን ንምፍታሕ ዝጀመራኦ ተግባር ከምዘየለ’ዩ ዝግለጽ።
ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ኣትያቶ ዘላ ዲፕሎማሲያዊ ዘይምቅዳው ከይዱ ከይዱ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ኣመዝጊባቶ ዝነበረት ልዕልና ንድሕሪት ክመልሶ ከምዝኽእል ብዙሓት ሻቕሎቶም ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።
ኢትዮጵያ ነቲ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝዋጋእ ዘሎ መንግስቲ ሶማልያ ደጊፋ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራታ ካብ እተዋፍር ዓመታት ኣሕሊፋ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







