ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ንእዋናዊ ኲነታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, OFFICE OF THE PRIME MINISTER-ETHIOPIA
ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ድማ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረቡሉ ሕቶታት መልሲ ሂቡ።
እቲ መብርሂ ኣብቲ ሎሚ ሰሉስ 28 ጥሪ 2016 (ግእዝ) ዝተኻየደ መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ 3ይ ዓመት 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ'ዩ ተዋሂቡ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዛዕባ ምስ ሶማሊላንድ ዝተኸተመ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ግጭታት፡ ድርቅን ጥሜትን ከምኡ’ውን ብዛዕባ ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝምልከቱ ናይ ይግብኣኒ ሕቶታት ዝምልከቱ መብርሂታት ሂቡ ኣሎ።
ብዛዕባ ስምምዕ ፕሪቶርያን ክልል ትግራይን
ቀዳማይ ኣቢይ ንትግራይን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ኣፈጻጽማ ናይ’ቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ዘብቅዐ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፡ መንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብሓባር ዓበይቲ ዓወታት ከምዘመዝገቡ ተዛሪቡ።
ኣብ መንገዲ ኣየር፡ ቴሌኮም፡ ኢንዱስትሪ፡ ትምህርቲ፡ ጥዕናን ሕርሻን ዝተመዝገቡ ዓወታት ውፅኢት ስምምዕ ሰላም ምዃኑ ጠቒሱ።
ብፍላይ ኣብ’ቲ ክልል ንዝርከብ ጽላት ሕርሻ ንምሕጋዝ፡ 500 ትራክተራት ተዓዲገን ኣብ ወደብ ጅቡቲ ምብጽሐን “ቀሊል” ከምዘይኰነ ሓቢሩ።
ይኹን እምበር: "ዓቕሚ ኢትዮጵያ ድሩት ስለዝኾነ” እምበር እቲ ዝተመዝገበ ዓወት እኹል ከምዘይኰነ’ውን ኣስሚሩ።
ንክልል ትግራይን ኣምሓራን ዘሰሓሕቡ ከባቢታት
ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ዝለዓሉ ናይ ይግባኣኒ ሕቶታት ሕዚ’ውን ምላሽ ከይረኸቡ ይቕጽሉ ኣለዉ።
ብፍላይ ገለ ካብቶም ዘሰሓሕቦ ዞባታትን ከባቢታትን ትግራይ ካብ ክልል ኣምሓራ ብዝመጹ ሰባት ይመሓደሩ ከምዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፐሪቶርያ፡ ኣብ መንጎ እተን ክልላት ዘሎ ምስሕሓብ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ከምዝፍታሕ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።
ይኹን’ምበር ክሳዕ ሕዚ ዝተወስደ ንጹር ስጉምቲ የለን። ካብቶም ከባቢታት ክመዛበሉ ዝተገደዱ ተወለድቲ ትግራይ እውን ክሳዕ ሕዚ ናብ መረበቶም ስለዘይተመልሱ ኣብ ዘሰክፍ ጸገማት ይርከቡ።
ኣብይ፡ ኣብቲ ሎሚ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብ ኣምሓራን ክልል ትግራይን ዝነበረ ግዝኣታዊ ጠለብ ብመገዲ ረፈረንደም ንምምላስ ዝግበር ዝነበረ ፃዕሪ ብሰንኪ ጎንፅታት ከምዝተዓንቀፈ ምላሽ ንምሃብ ነዊሕ ግዜ ከምዝወሰደ ገሊጹ።
ኣብ ትግራይን ክልል ኣምሓራን ዘሎ ግዝኣታዊ ጠለባት ነባሪ ሰላም ብዘውሕስ መንገዲ ክፍታሕ ከምዘለዎ እውን ኣረዲኡ።
ቅድሚ ሒደት መዓልቲ ፌደራል መንግስቲ፡ ኣብቶም ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ዝለዓሉ ሕቶታት ብህዝባዊ ውሳነ ንምፍታሕ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ክልል ኣምሓንራ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ገሊጹ ነይሩ።
ትማሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ነቲ ካብ ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ዝወጸ መግለጺ ብምጥቃስ፡ "ፍጹም ጌጋ” ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኩነታት ክልል ኣምሓራ
ካብቶም ኣብይ ዘልዓሎም ቀንዲ ጉዳያት ሓደ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝምልከት እዩ።
“ብተደጋጋሚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘይካ ኣብ ከሚሴ ኣብ ኵሎም ዞባታት ምስ ዝርከቡ ህዝብታት ናይ ምዝታይ ዕድል ብተደጋጋሚ ረኺበ እየ” ብምባል ኣብ ኵሉ ከባቢ ዝዓሉ ሰለስቲ ቀንዲ ሕቶታት ምዃኖም ኣብይ ገሊጹ።
መዓስን ብኸመይን ምስ ህዝቢ ከምዝተዛተየ ንጹር ኣይኰነን፡ እንተዀነ ልምዓት፡ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲን ናይ ይግብኣኒ ሕቶታትን እቶም ሰለስተ ቀንዲ ጉዳያት ምዃኖም ጠቒሱ።
እዞም ሕቶታት ንምምላስ መንግስቲ ፌደራል ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ።
ቅድሚ ሕጂ ተገይሩ ብዘይፈልጥ መንገዲ መሰረታዊ ሕቶታት ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ዝረኣየሉ ዕድል ብምፍጣር ብህዝባዊ ዘተን ምምኽኻርን ቀዋሚ ሕገ-መንግስቲ ንኽህልዋ ኮሚሽን ምምኽኻር ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።
“ቅዋም መንግስቲ ምስ ነገስታት ዝቕየር ኵነታት ክኸውን የብሉን” ብምባል ብዘተ ዝሕንጸጸሉ ኣገባብ ኣብ ምድላው ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣብቲ ክልል ዝካየድ ግጭት ንምፍታሕ ድማ ሕጊ ናይ ምኽባር መስርሕ ከምዝቐጽል እንተዀነ ግን "ሕጊ ንምትግባር ኣብ እንሰርሓሉ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ንሰላም ድሉው ዝኾነ ሓይሊ እንተሃልዩ ንሰላም ድሉዋት ኢና" ኢሉ።
ብዛዕባ ድርቂን ጥሜትን
ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ትግራይ ሰፊሕ ድርቂ ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ዘጠንቅቑ ጸብጻባት ክወጹ ጸኒሖም እዮም። ብወገን ኢትዮጵያ ግን ክሳዕ ቀረባ እዋን ድርቂ ከምዘየለ እዩ ክግለጽ ጸኒሑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ፣ ኣምሓራን ክልል ኦሮምያን ድርቂ ከምዘጋጠመ ዝገለጸ’ኳ እንተዀነ፡ ብሰንኪ ድርቂ ሰብ ከምዘይሞተ ተዛሪቡ።
ድርቂ ከም መሳርሒ ፖለቲካ ይውዕል ከምዘሎን እዚ ድማ ግቡእ ከምዘይኰነ’ውን ተዛሪቡ።
ይኹን’ምበር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንግስቲ ዝመሓደር ትካል ተሓላቒ መሰላት እታ ሃገር ኣብ ክልል ትግራይን ክልል ኣምሓራን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብሰንኪ ድርቂ ዘስዓቦ ጥሜት ከምዝሞቱ ምጽብጻቡ ይዝከር።
ብዛዕባ ሶማልያ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ እቲ ንምርግጋእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ስግኣት ዘውደቐ ስምምዕ ኢትዮ-ሶማሊላንድ'ውን ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብይ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኢትዮጵያን ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድን ምርድዳእ መዘክር ብዝምልከት ዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝመለሰሉ እዋን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማልያ ናብ ኲናት ክኣቱ ሓሳብ ከምዘይብሉ’ዩ ገሊጹ።
ኢትዮጵያ ምስታ ንገዛእ ርእሳ ነጻ ሃገር ኢላ እትገልጽን ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ዘይረኸበትን ሶማሊላንድ 20 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ንምርካብ ዝፈረመቶ መዘክር ምርድዳእ ንሶማልያ ኣዝዩ ኣቖጢዑን ኣብቲ ዞባ ዓቢ ወጥሪ ፈጢሩን ጸኒሑ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ስሞም ዘይጠቐሶም "ሓይልታት" ኢትዮጵያ ምስ ሶማልያ ናብ ግጭት ንኽትኣትው ይሰርሑ ከምዘለዉ ከሲሱ።
እንተዀነ ሃገሩ ምስ ሶማልያ ናብ ግጭት ክትኣቱ ዕላማ ከምዘይብላ ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ መንግስቱ ንሰላምን ሓድነትን ሶማልያ ብምስራሕ ዝወዳደሮ ከምዘየለ'ውን መጒቱ።
ሶማሊላንድን ሶማልያን ንምርኻብ ፈተነ ከምዝገበረን ክልቲአን ሃገራት እንተተሰማሚዐን ንኢትዮጵያ ዘሐጉስ ነገር ከምዝዀነን ወሲኹ ጠቒሱ።
እንተዀነ ኢትዮጵያ ንርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድን ኣፍልጦ ክትህብ ድያ ኣብ ዝብልን ቀጻሊ ስጉምትን ዝምልከት ርእይቶ ኣይሃበን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







