ኢትዮጵያ፡ ሰባት ብጥሜት ይሞቱ ከምዘለዉ መንግስቲ ፌደራል ተኣሚኑ

ሰበስልጣን ትግራይ ምስ ናይ መፋርቕ 1980ታት ዝመሳሰል ጥሜት ከጋጥም ከምዝኽእል የጠንቅቑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሰበስልጣን ትግራይ ምስ ናይ መፋርቕ 1980ታት ዝመሳሰል ጥሜት ከጋጥም ከምዝኽእል የጠንቅቑ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ብሰንኪ ድርቂ ዝፈጠሮ ጥምየት ኣስታት 400 ሰባት ከምዝሞቱ ብመንግስቲ ዝተመዘዘ ፌደራል ኢንስቲትዩት ተሓላቒ ፍትሒ ሎሚ ሰሉስ ኣፍሊጡ።

እቲ መግለጺ፡ ምስቲ ሰበስልጣን ፌደራል ቅድሚ ሕዚ ክህብዎ ዝጸንሑ፡ ኣብታ ሃገር ብጥሜት ሰባት ከምዝሞቱ መረጋገጺ የለን ዝብል፡ ምጉት ዝጻረር እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ገለ ከባቢታት ሞት ከምዘጋጠመ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኩለመዳያዊ ሓበሬታ ግን ኣይተረኽበን።

እቲ ትካል ብጉጅለ ክኢላታቱ ኣብ ዝገበሮ ገምጋም፡ ኣብ ክልቲኡ ክልላት ሚልዮናት ብጥሜት ከምዝተጸልዉን ድሮ ዓሰርተታት ኣሽሓት ከምዝተመዛበሉን ኣረጋጊጹ።

ኣብቲ ዝተጎድአ ከባቢታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርቲ ይመሃሩ ከምዘይነበሩ እቲ ኢንስቲትዩት ወሲኹ ሓቢሩ።

ሓላፊ’ቲ ኢንስቲትዩት ኣይተ እንዳለ ሃይለ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሞት ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘጋጠመ’ዩ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ ሰበስልጣን እታ ብኲናት ዝተሃሰየት ክልል ትግራይ፡ ቅልጡፍ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ፡ ምስቲ ኣብ መፋርቕ 1980ታት ዘጋጠመ ዝመሳሰል ድርቂን ጥሜትን ከጋጥም ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም ነይሮም።

ሰበስልጣን ፌደራል ግን፡ ተኽእሎ ጥሜት ብምንጻግ፡ ድርቂ ንሓያሎ ከባቢታት ይጸልዎ ከምዘሎ ተኣሚኖም።

ሕዚ ኢንስቲትዩት ተሓላቕ ፍትሒ፡ ትካላት መንግስቲ ኣብ ስነ-ቓላት ጸዓት ከይባኽኑን ሓገዝ ኣብ ምሃብ ክሰርሑን መኺሩ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቤት ፅሕፈት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ብሰንኪ ድርቂ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ከምዝተለለዩ ገሊፁ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራል ኣብ ክልል ትግራይ “ጥሜት ኣሎ” ዝብል ነጺጐም’ኳ እንተጸንሑ፡ ሰብ መዚ እቲ ክልል ግን ኣብዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ብዘጋጠመ ድርቂ፡ ኣስታት 3.5 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ጥምየት ከምዝተቓለዐ ይገልጹ።

ብተወሳኺ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብታ ብሰንኪ ኲናት ንልዕሊ ክልተ ዓመት ተሃስያ ዝጸንሐት ሕዚ ድማ ምስ ድርቂ ትቃለስ ዘላን ክልል ትግራይ፡ ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 225 ሰባት ብጥምየት ከምዝሞቱ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ምግላጾም ይዝከር።

ካብዚኦም፡ ሞት ናይ 209 ሰባት ኣብ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ዘጋጠመ ምዃኑ ሰበስልጣን ጥዕና ዝጠቐሰ ክልላዊ ቴሌቪዥን ትግራይ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ 2022 ዝተዛዘመ ደማዊ ኲናት ንኽልተ ዓመት ተመዛቢሎም ዝጸንሑ 16 ሰባት እውን ብጥምየት ከምዝሞቱ እቶም ሰበስልጣን ገሊጾም።

እንተዀነ ግን ሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ክልል ትግራይ “ጥሜት ኣሎ” ዝብል ጸብጻብ ብምንጻግ ሓገዝ ንምዕዳል ይስራሕ ከምዘሎ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም።

ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይ፡ ኦሮሚያ፡ ዓፋር፡ ደቡብ ኢትዮጵያን ደቡብ ምዕራብን ዝርከቡ ዜጋታት ብሰንኪ ድርቂ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝርከቡ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።

ብመሰረት’ቲ ጸብጻብ ብሰንኪ ግጭታት፡ ድርቂ፡ ውሕጅን ኣብታ ሃገር ሓገዝ መግቢ ዘድልዮም ብድምሩ ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ኣለዉ፤ ካብዚኦም ኣስታት 4 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ዘድልዮም እዮም።

ሕቡራት ሃገራት ንሰበስልጣን ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ብምጥቃስ "ሰብኣዊ ሓገዝ ብእዋኑ እንተዘይተዋሂቡ፡ ብሰንኪ ድርቅን ሕጽረት መግብን ብቕልጡፍ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት፡ ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ከምጽእ ከምዝኽእል” ኣተሓሳሲቡ'ዩ።