ትግራይ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብጥሜት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብታ ብሰንኪ ኲናት ንልዕሊ ክልተ ዓመት ተሃስያ ዝጸንሐት ሕዚ ድማ ምስ ድርቂ ትቃለስ ዘላን ክልል ትግራይ፡ ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 225 ሰባት ብጥምየት ከምዝሞቱ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ገሊፆም።
ካብዚኦም፡ ሞት ናይ 209 ሰባት ኣብ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ዘጋጠመ ምዃኑ ሰበስልጣን ጥዕና ዝጠቐሰ ክልላዊ ቴሌቪዥን ትግራይ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ 2022 ዝተዛዘመ ደማዊ ኲናት ንኽልተ ዓመት ተመዛቢሎም ዝጸንሑ 16 ሰባት እውን ብጥምየት ከምዝሞቱ እቶም ሰበስልጣን ገሊጾም።
ሰብመዚ ትግራይ ኣቐዲሞም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ምስቲ ኣብ 1951ን 1977ን (ግእዝ) ዘጋጠመ ድርቂ ዝመሳሰል ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ምግላጾም ዝዝከር እዩ።
ብሰንኪ እቲ ቅድሚ 40 ዓመት ዝተኸሰተ ድርቂ ዘስዓቦ ጥሜት ኣስታት 1.2 ሚልዮን ከምዝሞቱን ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት ህጻናት ዝርከብዎም ተወለድቲ ትግራይ ከምዝነበሩን ይግለጽ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ፡ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ምስቲ ኣብ 1977 ዘጋጠመ ብምንጽጻር፡ “91 ሚእታዊት ትግራይ ሓደጋ ሞትን ጥምየትን ኣንጸላልይዎ” ከምዘሎ ኣፍሊጡ’ዩ።
ኮምሽነር ኮምሽን ምክልኻል ሓደጋን ቅድመ ምድላውን ትግራይ ዶክተር ገብረህይወት ገብረእግዚኣብሄር ብወገኑ፡ “እቲ ከቢድ ዝበሃል ድርቂ ኣብ ትግራይ ኣብ 1951ን 1977ን ዝነበረ እዩ፤ ካብኡ ዝገደደ እዩ ገጢሙና ዘሎ” ኢሉ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን ድማ ብፍላይ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት እቲ ክልል ብዘጋጠመ ድርቂ፡ ብሚልዮን ዝቑጸር ህዝቢ ንሓደጋ ጥምየት ከምዝተቓለዐ ሰብ መዚ እቲ ክልል ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
እንተዀነ ግን ሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ክልል ትግራይ “ጥሜት ኣሎ” ዝብል ጸብጻብ ብምንጻግ ሓገዝ ንምዕዳል ይስራሕ ከምዘሎ ይገልጹ።
ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዘውጽኦ ጸብጻብ ግን፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይ፡ ኦሮሚያ፡ ዓፋር፡ ደቡብ ኢትዮጵያን ደቡብ ምዕራብን ዝርከቡ ዜጋታት ብሰንኪ ድርቂ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝርከቡ የመልክት።
ብመሰረት’ቲ ጸብጻብ ብሰንኪ ግጭታት፡ ድርቂ፡ ውሕጅን ኣብታ ሃገር ሓገዝ መግቢ ዘድልዮም ብድምሩ ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ኣለዉ፤ ካብዚኦም ኣስታት 4 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ዘድልዮም እዮም።
ሕቡራት ሃገራት ንሰበስልጣን ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ብምጥቃስ "ሰብኣዊ ሓገዝ ብእዋኑ እንተዘይተዋሂቡ፡ ብሰንኪ ድርቅን ሕጽረት መግብን ብቕልጡፍ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት፡ ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ከምጽእ ከምዝኽእል” ኣተሓሳሲቡ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







