ኣብ ትግራይ ልዕሊ 200 ሽሕ ተመሃሮ ብሰንኪ ድርቂ ትምህርቶም ከቋርጹ ተኽእሎ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ፡ ኣስታት 223 ሽሕ ተመሃሮ ትምህርቶም ንምቁራጽ ከምዝተቓረቡ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
እቲ ቢሮ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ብድርቂ ዝተሃስየ ከባቢታት ኣብ ዝርከባ 625 ኣብያተ ትምህርቲ ቆልዑ ናይ ምምጋብ መደብ ንምጅማር ኣስታት 365 ሚልዮን ብር ከምዘድሊ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት ንልዕሊ ክልተ ዓመት ተዓጽየን ዝጸንሓ ኣብያተ ትምህርቲ ዳግማይ ናይ ምዕጻው ስግኣት ኣንጻላሊወን ኣሎ።
ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዑሽ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ክልል ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዝርከቡን ካብዚኦም እቶም ንድርቂ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ከባቢታት ዝርከቡ ተፈልዮም መፅናዕቲ ከምዝተገበረሎምን ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳርን ታሕሳስን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ 36 ወረዳታት ዝርከባ 213 ቀበሌታት ብድርቂ "ብኸቢድ" ተሃስየን ኣለዋ።
ኣብዘን ከባቢታት ኣብ ዝርከባ 625 ኣብያተ ትምህርቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን 222,940 ተምሃሮ ተቐቢለን ይምህራ ከምዘለዋ እቲ ሓላፊ ጠቒሱ።
ይኹን’ምበር እዞም ተመሃሮ "ብሰንኪ ሕጽረት መዓልታዊ መግቢ ብዝለዓለ መጠን ትምህርቲ ንምቁራጽ ተቓሪቦም ኣለዉ” ኢሉ።
ኣብተን ወረዳታት "ብዙሓት ህጻናት እዮም ዘለዉ። ንሕና ግን ኣብቶም ትምህርቲ ዝጀመሩ ኢና ኣተኲርና” ብምባል ካብ ተማሃሮ ብተወሳኺ ብዙሓት ህጻናት ንጥሜት ተቓሊዖም ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ዶክተር ኪሮስ፡ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ተመሃሮ ካብ ትምህርቶም ከይቦኽሩ ዘቕረቦ መፍትሒ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ስርዓት ምምጋብ ተማሃሮ ምጅማር ምዃኑ’ውን ኣስሚሩ።
"እቶም ተመሃሮ ኣብ መዓልቲ እንተወሓደ ሓደ መግቢ እንተረኺቦም፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንምውዓል ዘኽእሎም ንእሽቶ ዓቕሚ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም" ክብል እቲ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ገሊጹ። እዚ መደብ ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንምትግባር ድማ 365,175,720 ብር ከምዘድሊ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እቲ መደብ ንሓደ ተመሃራይ ኣብ መዓልቲ ክምደብ ዝተወጠነ ገንዘብ 12 ብር እዩ።
ነዚ ስዒቡ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል፡ ነቲ መደብ ንምጅማር ዘድሊ ገንዘብ ንምርካብ ፌደራል መንግስቲ፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ደገፍ ክገብሩ ፀዊዑ ኣሎ።
“ተመሃሮ ንምምጋብ ዝምደብ 365 ሚልዮን ብር ንመንግስቲ ፌደራል ንእሽተይ ገንዘብ እዩ። ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ክውሰኹ እንከለዉ ድማ [ንምእካቡ] ዝኸብድ እዩ ዝብል እምነት የብልናን" ብምባል ዝተፈላለዩ ወገናት ደገፍ ክገብሩ ትጽቢት ከምዝግበር ኣብሪሁ።

ምንጪ ስእሊ, ICRC ETHIOPIA
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ድርቂ ንምምካት ካብ ፌደራል መንግስቲ ሓገዝ ክሓትት እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን።
ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ መንግስቲ ፌደራልን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ንምምካት ኢዶም ክዝርግሑ ምጽውዑ ይዝከር።
እቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኵነታት ከምቲ ኣብ 1977 ዝነበረ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣይተ ጌታቸው፡ "ኣብ ትግራይ ጥሜትን ሞትን ኣንጸላልዩ ኣሎ" ብምባል ነበርቲ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዘለዉ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እቲ ድርቂ ልዕሊ ዓቕሚ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ምዃኑ ብምጥቃስ መንግስቲ ፌደራልን ካልኦት ኣካላትን ቕልጡፍ ምላሽ ክህቡ’ውን ሓቲቱ።
ድሕሪ እዚ ጻውዒት፡ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ዝሃበ ሚኒስተር ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገስ ቱሉ ግን እቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ "ምስቲ ኣብ 77 ዘጋጠመ ይመሳሰል ኣሎ” ተባሂሉ ዝተወሃበ መግለጺ "ፍጹም ጌጋ'ዩ" ምባሉ ይፍለጥ።
ዶክተር ለገሰ "ዋላ መሻርኽቲ ሓገዝ ምሃብ እንተቋረጹ፤ መንግስቲ ፕሮጀክትታቱ ሰሪዙ፡ ዘድሊ በጀት ብምምዳብ ንትግራይ እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ ይህብ ኣሎ" ኢሉ።
ሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራል ኣብ ክልል ትግራይ “ጥሜት ኣሎ” ዝብል ነጺጐም’ኳ እንተዀኑ፡ ሰብ መዚ እቲ ክልል ግን ኣብዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ብዘጋጠመ ድርቂ፡ ኣስታት 3.5 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ጥምየት ከምዝተቓለዐ ይገልጹ።
ኣብ ቀረባ እዋን መርበብ ስርዓታት ቅድመ መጠንቀቕታ ጥሜት (The Famine Early Warning Systems Network) ዝተበሃለ መጽናዕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘካይድ ጕጅለ ብወገኑ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ መጀመርታ 2024 ጥሜት ብሰፊሑ ከጋጥም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ'ሎ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጐ ማእከላይ መንግስቲ፡ መሻርኽቱን ሓይልታት ትግራይን ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ከምዝሞቱ ይግመት።
እቲ ኲናት፡ መነባብሮ፡ ሕርሻ ንኽዓንዉ መንቀሊ ካብ ምዃን ብተወሳኺ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ንኽነብሩ ስለዝተገደዱ ህዝቢ ትግራይ ንብዙሕ ማሕበረ ቍጠባዊ ጸገማት ከምዝተቓለዐ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ገለ ከባቢታት ዘጋጠመ ድርቂ፡ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ተወሲኽዎ እቲ ኵነታት ከምዝተጋደደ ይንገር።
ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ ሕጽረት ዝናብ ኣጋጢሙን ሰብኣዊ ሓገዝ ተቛሪጹን ብምጽንሑ ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከምዘለዉ ሰብመዚ እቲ ክልል ብተደጋጋሚ ክሕብሩ ጸኒሖም'ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







